ጆ ባይደን፡ ኣብ መዕርፎ ነፈርቲ ካቡል ካልኣይ መጥቃዕቲ ክፍጸም ከምዝኽእል ኣጠንቂቑ

Published

ኣብቲ ከባቢ ዝርከቡ ኣዘዝቲ ሰራዊት ነጊሮምኒ ኢሉ ከምዝገለጾ፡ እቲ መጥቃዕቲ ምናልባሽ’ውን ሎሚ ሰንበት ክፍጸም ይኽእል እዩ ።

ሚኒስትር ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ፡ ኣመሪካውያን ዜጋታት ካብቲ መዕርፎ ነፈርቲ ንገዛእ ርእሶም ከርሕቑ ኣጠንቂቑ ኣሎ።

ኣመሪካ ሕዚ’ውን ሰባት ምግዓዝ ቀጺላ’ኳ እንተሃለወት፡ ወተሃደራት እንግሊኦዝ፣ ዲፕሎማሰኛታትን ሰብ መዝን ካብ ካቡል መሊኦም ወጺኢም ኣለዉ ተባሂሉ።

እቲ ኣብ ዝሓለፈ ሓሙስ ኣብ መዕርፎ ነፈርቲ ካቡል ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ናይ 170 ሰባት ህይወት ኣስኢኑ ተባሂሉ።

ኾራሳን ኣብ ዝተብሃለት ክልል ዝርከብ ጨንፈር ጉጅለ ዳዕሽ [ኣይኤስ] ነቲ መጥቃዕቲ ከምዝፈጸሞ ሓላፍነት ወሲዱ ኣሎ።

ምስ’ዚ ብዝዛመድ ድማ፡ ከም ግብረ ምላሽ፡ ኣመሪካ ኣብ ልዕሊ እቲ ጉጅለ መጥቃዕቲ ድሮን ብምፍጻምን ንክልተ ላዕለዎት ሓለፍቲ’ቲ ጉጅለ ከምዝቐተለት ገሊጻ።

እቶም ተቐቲሎም ዝተብሃሉ ሓለፍቲ ኣብ ምውዳድ እቲ መጥቃዕቲ ምስታፎሙን ዘይምስታፎሙን ዝተፈልጠ ነገር የለን።

ጆ ባይደን ኣብቲ ሎሚ ሰንበት ዝወጽአ መግለጺ፡ “እዚ ናይ መወዳእታ መጥቃዕቲ ኣይኮነን፤ ኣብዚ ተግባር ዝተሳተፈ ኩሉ ዋግኡ ክሳብ ዝረክብ ክንቅጽለሉ ኢና” ኢሉ።

እዚ ጨንፈር [ኣይኤስ-ከይ]፡ ካብቶም ኣብ ኣፍጋኒስታን ዝርከቡ እስላማዊ ጉጅለታት፡ እቲ ኣዝዩ ሕሉፍ ኣኽራሪ ምዃኑ እዩ ዝግለጽ።

ምስ ጣሊባን ድማ፡ ሰፊሕ ኣፈላላይ ከምዘለዎምን፡ ምስ ኣመሪካ ዝገበርዎ ውዕል ከምዝቃወምን ይገልጽ።

ጣሊባን ነቲ ብመንግስቲ ኣመሪካ ዝተወስደ ናይ ኣየር መጥቃዕቲ ዝተቓወመ ኾይኑ፡ ወሃቢ ቃል ጣሊባን ንሮይተርስ ኣብ ዝሃቦ ቃል፡ ‘መጀመርታ ምሳና ከማኸሩ ነይርዎም’ ኢሉ።

ወተሃደራት ኣመሪካ ክወጽኡ ዝጀመሩ ኾይኖም፡ ሕዚ ካብቶም 5800 ኣብኡ ዝተረፉ 4 ሽሕ ጥራይ ከምዝኾኑ ይዝረብ።

ሰብ መዚ ኣመሪካ ከምዝብልዎ፡ እተን ዝቕጽላ ሒደት መዓልታት ኣዝየን ሓደገኛታት ክኾና ከምዝኽእላ ስግኣቶም ገሊጾም።

ሕዚ ካብቲ መዕርፎ ነፈርቲ ከግዕዙ ካብ ዘለዎም ዜጋታት ሓደ ሽሕ ጥራይ እዮም ዝተርፉ ተባሂሉ።

ኣፍጋኒስታን ንመብዛሕተኦም ኣፍጋኒስታውያን ናብ መዕርፎ ነፈርቲ ምሕላፍ ካሊኦምዎም ተባሂሉ።

ጣልያን ካብ ካቡል ዝበዝሑ ኣፍጋን ዝወሰደት ኣውሮጳዊት ሃገር ኮይና፡ ዛጊድ 5 ሽሕ ሰባት ኣግዒዛ ከምዘላ ኣፍሊጣ።

ጀርመን 4 ሽሕ፤ ፈረንሳይ ድማ 2800 ሰባት ኣፍጋን ወሲዳ።

ኣብዝሓ፡ ኣፍጋኒስታውያን ካብታ ሃገር ብነፋሪት ናይ ምውጻእ ሕልሞም ደጊም ዘይሕሰብ እንትኸውን፡ ብፓኪስታን ኣቢሎም ብምድራዊ ዶባት ይወጽኡ ከምዘለዉ ይዝርብ።

ፈራንሳይን ብሪጣንያን፡ ኣብ ካቡል ዜጋታት ዝወጽእሉ ነጻ ዞባ ክፍጠር ንውድብ ሕቡራት ሃገራት ሓቲተን ኣለዋ።

ኣብታ ሃገር ቁጠባዊ ቅልውላው ከየጋጥም ተሰጊኡ ዘሎ ኾይኑ፡ ትማሊ ቀዳም ብዙሓት ሰባት ኣብ ኣፍደገታት ባንክንታት ተቓውሞ ከስምዑ ተራእዮም።