ፕረዚደንት ሩዋንዳ ብናይ ኣርሴናል ስዕረት ተቖጢዑ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ደጋፊ ጋንታ ኩዕሶ እግሪ ኣርሴናል ዝኾነ ፕረዚደንት ሩዋንዳ ፖል ካጋሜ ኣብ ናይ መኽፈቲ ስነ ስርዓት ግጥም ፕርምየር ኢንግሊዝ ኣርሴናል ስዕረት ስለዘተኣናገደ ቁጥዕኡ ገሊጹ።ን74 ዓመታት ኣብ ውድድራት ላዕለዋይ ሊግ ዘይነበረት ጋንታ ብሬንትፎርድ ንኣርሴናል 2 ን 0 እያ ስዒራታ።
ፕረዚደንት ካጋሜ ብዛዕባ ብመንግስቲ ሩዋንዳ እትምወል ኣርሴናል ኣመልኪቱ ተደጋጋሚ ርእይቶ ይህብ’ዩ።
ፖል ካጋሜ ድሕሪ እቲ ኣብ ዝሓለፈ ዓርቢ ዝተገበረ ጸወታ ኣብ ትዊተር ገጹ “ንነገራት ብይቕረ እንዳሓለፍና ዘይረብሑ ነገራት ክንቅበል የብልናን። ሓንቲ ጋንታ ኩዕሶ ክትህነጽ ዘለዋ ንኽትስዕር ጥራይ’ዩ” ክብል ጽሒፉ።
እቲ ፕረዚደንት ኣብ ካልኦት ተወሰኽቲ ትዊተር ገጻቱ እታ ጋንታ ከዕውትዋ ዝኽእሉ መደባት ክተውጽእ ዝሓተተ ኮይኑ “ደገፍቲ ከምዚ ዓይነት ኩነታት ክላመዱ የብሎምን” ኢሉ።
ካብ ኣቆጻጽራ ኣውሮፓውያን 2018 ጀሚሩ መንግስቲ ሩዋንዳ ምስ ጋንታ ኣርሴናል ልዕሊ 42 ሚልዮን ዶላር ዝትመን ውዕሊ ‘ስፖንሰርሺፕ’ ኣሲሩ’ዩ። እቲ ውዕሊ ኣብ ማልያ ተጻወትቲ ኣርሴናል “ናብ ሩዋንዳ ይብጽሑ” ዝብል ሌላ ዘካተተ እዩ።
ንሓንቲ ሃብታም ጋንታ ኩዕሶ እግሪ ዝምውል ናይ ሓንቲ ድኻ ኣፍሪቃዊት ሃገር መራሒ ዝብል ነቔፍታ ዘሎ ኮይኑ መንግስቲ ሩዋንዳ ግን እቲ ናይ ስፖንሰር ገንዘብ ብቐጥታ ካብ ናይታ ሃገር ቱሪዝም እቶት ዝተረኸበ ከምዝኾነ እዩ ዝካታዕ።
ወደብ ኣልቦ ዝኾነት ሩዋንዳ ብናይ ፖል ካጋሜ መሪሕነት ኣብታ ሃገር ኣብ 1990 ዓ/ም ኣጋጢምዋ ካብ ዝነበረ ናይ ዓሌት ጎንጽን ምጥፋእ ዘርእን ከምዝሓወየት ይግለጽ። ባንኪ ዓለም ኣብ 2018 ኣቆጻጽራ ኣውሮፓውያን ሩዋንዳ ትዓሞ ንዘላ “ዕዉት ስራሕቲ ልምዓት” ኣመስጊኑ’ዩ።
እንተኾነ ግን ፕረዚደንት ፖል ካጋሜ ኣብ ፖለቲካን ኣተሓሕዛ ሰብኣዊ መሰላትን ካብ ውሽጢ ዓድን ወጻእን ነቔፌታ ይቐርበሉ’ዩ።







![ፊልሞን ሓጎስ፣ ኪዳነ ኣንገሶምን ክብሮም ገብረማርያምን [ካብ ጸጋም ናብ የማን] ኣብ 21 ሚያዝያ 2026 ብሞት ተቐጺዖም](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/2266/live/c9828950-553c-11f1-b682-cf91850925ea.png.webp)




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)
