ፍልስጤማውያን ካብ ትካላት ሰፈራ ኣይሁድ ኣባይቲ ተኻርዮም ንኽነብሩ ዝቐረበ ሓሳብ ነጺጎም

Published

ኣብ ምብራቕ ኢዮሩሳሌም ካብ ኣባይቶም ንኽወጽኡ ዝተሓተቱ ፍልስጤማውያን ከም ኣማራጺ ካብ ትካል ሰፈራ ኣይሁድ ገዛ ተኻርዮም ንኪነብሩ ዝቐረበሎም ሓሳብ ነጺጎምዎ።

ነቲ ጉዳይ ሒዙዎ ዘሎ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ እስራኤል፡ ነዚ ንነዊሕ ግዜ ዝወሰደ ናይ ሕጊ ሞገት ንምዕጻው እዩ ከም መሰማምዒ ሓሳብ ኣቕሪቡ።

እቲ ቤት ፍርዲ፡ እቲ መሬት ናይ ትካል ሰፈራ ኣይሁድ ምዃኑን፡ እቶም ዋንነት ዝሓተቱ ኣርባዕተ ስድራ ቤታት ፍልስጤማውያን ከኣ፡ ነቲ ውሳነ እንተተቐቢሎም ጥራሕ ኣብ ቤቶም ክጸንሑ ከምዝኽእሉ ዝውስን ሓሳብ ነጺጎምዎ ኣለው።

እቲ ጉዳይ ኣብዚ ዝሓለፈ ቀረባ ኣዋርሕ፡ ኣብ መንጎ እስራኤልን ፍልስጤምን ንዝጸንሐ ውጥረት መሊሱ ዘጋድድ እዩ ተባሂሉ።

እቲ ኣብ ኢዮሩሳሌም ዘጋጠመ ናይ ምፍንቓል ሓደጋ፡ ኣብ መንጎ ፖሊስ እስራኤልን ፍልስጤማውያንን ዝኸፍአ ግጭት ኣለዓዒሉ እዩ።

በዚ ምኽንያት ዕጡቕ ሓይሊ ሓማስ፡ ንእስራኤል ምላሽ'ዩ ዝበሎ ናይ ሮኬት መጥቃዕቲ ብምትኳሱ ን11 መዓልታት ዝቐጸለ ከቢድ ምፍሳስ ደም ኣኸቲሉ እዩ።

እቲ ቤት ፍርዲ፡ እቶም ፍልስጤማውያን ስድራ ቤታት ነቲ ትካል ሰፈራ ኣይሁድ ዘቕረቦ ሓሳብ እንተተቐቢሎም፡ ኣብቲ ቦታ ንነዊሕ እዋን ተኻርዮም ክነብሩ ከምዝኽእሉ እኳ እንተገለጸ፡ እቶም ፍልስጤማውያን ስድራ ቤታት ግን መሰል ዋንነት ክረጋገጸሎምን ሕጋዊ ኣፍልጦ ክወሃቦምን እዮም ዝደልዩ ዘለው።

ካብቶም ኣብ ቤት ፍርዲ ዝከራኽሩ ዘለው ፍልስጤማውያን ስድራ ቤታት መሓመድ ኤል ኩርድ ዝተባህለ ሰብ " ነቲ ኣባይትና፡ ካብ ትካል ሰፈራ ኣይሁድ ተኻሪና ንክንቅመጦ ብዙሕ ተጽዕኖ ኣጋጢሙና እዩ። እንተኾነ ነቲ ሓሳብ ነጺግናዮ ኢና" ክብል ተዛሪቡ።

ጠበቓ እቶም ስድራ ቤታት ፍልስጤማውያን፡ ነቲ ሓሳብ እኳ እንተነጸጎ "ሕጂ እውን ኣብ ስምዕ ክብጻሕ ከምዝኽእል ተስፋ ኣለኒ" ክብል ተዛሪቡ።

"ቀንዲ ዕላማ እቶም ፍልስጤማውያን ስድራ ቤታት፡ ኣብ ኣባይቶም ናይ ምንባር መሰል ንምርግጋጽ እዩ። ስለዝኾነ እቲ ናይ ቤት ፍርዲ ሓሳብ ንኹሉ መሰል ፍልስጤማውያን ዘንጸባርቕ እኳ እንተዘይኮነ ነቶም ስድራ ቤታት ከዕግብ ዝኽእል ነገር ግን ክርከብ ይኽእል'ዩ" ክብል ሳሚ ኢርሻይ ንቢቢሲ ተዛሪቡ።

እቲ ቤት ፍርዲ ብዛዕባ እቲ ጉዳይ ንዝወሃብ ውሳነ ኣደናጕዮዎ ኣሎ። እቶም ደያኑ ተኻርዮም ክነብሩ ናይ ዝኽእሉ ፍልስጤማውያን ዝርዝር ኣስማት ክቐርበሎም እውን ሓቲቶም ኣለው።

ስለዝኾነ ከኣ እቲ ቤት ፍርዲ እቶም ዋንነት ዝግበኦምን ተኻርዮም ክነብሩ ዝኽእሉን ንምርግጋጽ ዝርዝር ኣኣስማት ምስ ቀረበሉ እንታይ ከምዝገብር ክረአ እዩ።

እስራኤል ድሕሪ ኵናት ማእከላይ ምብራቕ 1967 እያ ንምብራቕ ኢዮሩሳሌም ተቖጻጺራቶ። እቲ ትማሊ ሰኑይ ዝወዓለ መጋባእያ ነቲ ልዕሊ 30 ዓመታት ዝወሰደ ናይ ቤት ፍርዲ መስርሕ መዕለቢ ክገብረሉ ይኽእል እዩ ዝብል ትጽቢት ኣሎ።