ዒራቅ፡ ኣብ ናይ ዒድ ዕዳጋ ብዝተፈነወ መጥቃዕቲ ቦምባ 25 ሰባት ተቐቲሎም

Published

ኣብ ዒራቕ ኣብ ናይ ሓደ ናይ ዒድ ቅሉዕ ዕዳጋ ብዝተፈነወ ናይ ቦምባ መጥቃዕቲ 25 ሰባት ተቐቲሎም።

እቲ ናይ ቦምባ መጥቃዕቲ ሎሚ ሰሉስ ዝተፈጸመ ኾይኑ፡ ንበዓል ዒድ ዓረፋ ዕዳጋ ዝገብሩ ካብ ዝነበሩ ሰባት እቶም 25 ተቐቲሎም

እቲ መጥቃዕቲ ኣብ ከተማ ሰሜን ሳድር፡ ብዙሓት ስድራቤታት ነቲ በዓል ከኽብሩ ይሸባሸብሉ ኣብ ዝነበረ እዋን እዩ ተፈጺሙ ተባሂሉ።

እዚ መጥቃዕቲ ኣብ ዝሓለፉ ሽድሽተ ኣዋርሕ ካብ ዝተፈነዉ መጥቃዕቲ ቦምባ እቲ ዝዓበየ ከም ዝኾነ ዝተገልጸ ኾይኑ፡ ካልኦት ብዙሓት ሰባት'ውን ከም ዝቖሰሉን ናብ ሕክምና ከም ዝተወስዱን ጸብጻበት የመልክቱ።

እስላማዊ ዕጡቕ ጉጅለ ኣይኤስ [ዳዕሸ] ነቲ መጥቃዕቲ ከም ዝፈጸሞ ሓላፍነት ወሲዱ ኣሎ።

ኣይኤስ፡ "ነቲ ቦምባ ኣብ መዕጥቕኡ ኣዚሩ ተዓጢቑ ኣብቲ ዕዳጋ ዘፈንጀሮ ናትና ኣባል እዩ" ዝብል መግለጺ ሂቡ።

ኣብ 2017 መወዳእታ፡ መንግስቲ ዒራቕ ኣብ ልዕሊ ጉጅለ ሰዓብቲ ሱኒ 'ጂሃዲስት'፡ ዓወት ሓፊሰ ኢሉ ምንባሩ ይዝከር።

እንተኾነ ሕዚ'ውን ኣብታ ሃገር ሓሓሊፉ፡ ከምዚ ዓይነታት ናይ ግበራ-ሽበራ መጥቃዕታት ክፍጸም እዩ ይስትውዓል።

ኣይ ኤስ፡ ኣብ ወርሒ ሚያዝያ ኣብ ከተማ ሳድር ኣብ መኪና ተለጢፉ ዝተፈንጀረ ቦምባ'ውን ንሱ ከም ዝፈጸሞ ኣሚኑ ኣሎ።

ሳድር ብብዝሒ ሰዓብቲ እምነት ሺዓ ሙስሊም ዝነብሩላ ከተማ ምዃና ይግለጽ።

ብተወሳኺ፡ ኣብ ወርሒ ጥሪ ድማ ጣርያን ኣብ ዝተባህለ ኣደባበይ ናይ 32 ሰባት ህይወት ዘስአነ መጥቃዕቲ ድማ እቲ ጉጅለ ባዕሉ ከም ዝፈጸሞ ሓቢሩ ኣሎ።

ነዚ መጥቃዕቲ ምስ ኣጓነፈ፡ ቀዳማይ ሚኒስተር ዒራቕ ሙስጠፋ ኣል-ካዲሚ፡ ኣዛዚ ፌዴራል ፖሊስ እታ መጥቃዕቲ ዝተፈጸመላ ከተማ፡ ኣብ ቀይዲ ኣትዩ መርመራ ክካየደሉ ኣዚዙ ምንባሩ'ውን ይዝከር።