ዋንጫ ሃገራት ኣውሮጳ 2020፡ ኢጣልያ ኣብ ልዕሊ ዓዲ እንግሊዝ ተዓዊታ

ዋንጫ ሃገራት ኣውሮጳ 2020

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

Published

እቲ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ክካየድ ዝነበሮ፡ ብሰንኪ ለበዳ ኮቪድ-19 ዝተሰጋገረ፡ ውድድር ኩዕሶ እግሪ ዋንጫ ሃገራት ኣውሮጳ 2020፡ ትማሊ ሰንበት ብዓወት ኢጣልያ ተዛዚሙ።

ኣብቲ ኣብ ሜዳ ወምብሊ: ለንደን ዝተኻየደ ግጥም፡ ድሕሪ 55 ዓመታት ንፈለማ እዋን ናብ ፍጻመ ዝበጽሐት ዓዲ እንግሊዝ ብፍጹም ቅላዕ እያ 3 ብ 2 ተሳዒራ።

እታ ብተኸታታሊ ን 33 ጸወታታት ስዕረት ከይጠዓመት ናብ ሜዳ ዝኣተወት ሃገራዊት ጋንታ ኢጣልያ ጸወታ ምስ ተጀመረ ኣብ ካልኣይ ደቒቕ ብሉክ ሻው ሸቶ ስለ ዝተመዝገባ፡ ማዕረ እትገብራ ሽቶ እትገብራ ሸቶ ንምርካብ ዝገበረቶ ጸዕሪ ከይተዓወተ ናብ ዕረፍቲ ኣምሪሓ።

ድሕሪ ዕረፍቲ ኣብ መበል 67 ደቒቕ ግና ኢጣልያዊ ሊዮናርዶ ቦናቺ ምዕረ እትገብሮም ሸቶ ኣመዝገበ።

ምዱብ ግዜ ጸወታ 1 ብ 1 ድሕሪ ምዝዛሙ ተወሳኺ ግዜ'ውን እንተተዋህበ ሸቶ ግና ኣይተመዝገበን፤ በዚ ድማ ናብ ብፍጹም ቅላዕ ክዛዘም ነይርዎ።

እታ ንነዊሕ ዓመታት ኣብ ርብዒን ፍርቂን ፍጻሜታት ኣገደስቲ ውድድራት ክትኩለፍ ዝጸንሐት ሃገራዊት ጋንታ እንግሊዝ ኣይሰለጣን።

እታ ብ 'ኣዙሪ' እትጽዋዕ ሃገራዊት ጋንታ ኢጣልያ ካብቲ ዝተዋህባ ሓሙሽተ ፍጹም ቅላዕ ነተን ሰለስተ (ቀዳመይቲ፡ ሳልሰይትን ራብዐይትን ቅላዕ) ክተመዝግብ እንከላ እንግሊዝ ክልተ (ቀዳመይትን ካልኣይትን ቅላዕ) ጥራሕ እያ ክተመዝግብ ክኢላ።

ሃሪ ኬንን ሃሪ ማጉሪን እቶም ንእንግሊዝ ሸቶ ዘቑጸሩ ኮይኖም፡ ቅላዓት ማርኩስ ራሽፎርድ፡ ጃዶን ሳንቾን ቡካያ ሳካን እተን ናብ ሰኪዐት ዘይተጸምበራ ቅላዓት ናይታ ብኣሰልጣኒ ጋረት ሳውዝጌት እትእለይ ሃገራዊት ጋንታ እንግሊዝ እየን።

ሓላው ልዳት ጆርዳን ፒክፎርድ ቅላዓት ኢጣልያውያን ኣንድረያ ቤሎቲን ጆርጊኖን ከድሕን እንከሎ፤ ቅላዓት ዶመኒኮ በራረዲ፡ ቦናቺን ፌደሪኮ በረናረደቺን ተመዝጊበን እየን።

ንካልኣይ ግዜ ሻምፕዮና ኩዕሶ እግሪ ኣውሮጳ ዝኾነት ኢጣልያ ድሕሪ 53 ዓመታት (1968) እያ ነዚ ማዕርግ በጺሓ።