ኣብ ባንግላዲሽ ኣብ ሓደ ፋብሪካ ብዘጋጠመ ባርዕ ልዕሊ 50 ሰባት ሞይቶም

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ኣብ ባንግላዲሽ ኣብ ሓደ ፋብሪካ ብዘጋጠመ ባርዕ ሓዊ፡ 52 ሰባት ከምዝሞቱን 30 ሰባት ከምዝተጎድኡን ትካላት እዋን ሓደጋ ኣፍሊጦም።
እቲ ባርዕ ኣብ ዝሓለፈ ሓሙስ ለይቲ “ሓሽም ፉድ ኤንድ ቤቨሬጅ” ኣብ ዝበሃል ፋብሪካ ከምዘጋጠመ ሰብመዚ ሓቢሮም።
ተኣኪቦም ዝነበሩ ኬሚካላትን ፕላስቲክን ጠንቂ እቲ ባርዕ ከምዝኾኑ ከኣ ገሊፆም።
ኣብቲ ካብ ርእሰ ከተማ ዳካ ኣብ ቀረባ ርሕቐት ዝርከብ ፋብሪካ ብዝበፅሐ ጉድኣት፡ ቁፅሪ መወትቲ ክብ ከምዝኽእልን፡ ዛጊድ ደሃዮም ዘይተረኸበ ብዙሓት ሰባት ከምዘለዉን ኤኤፍፒ ንሰብመዚ እታ ሃገር ብምፅራሕ ፀብፂቡ።
ቅድሚ እቲ ባርዕ፡ እቲ በዓል ሽድሽተ ደብሪ ፋብሪካ ጽሟቕ ፍረምረ፣ ፓስታን ቅመማትን የፍሪ ከምዝነበረ ተገሊፁ።
ዋላ’ኳ ብዙሓት ሰራሕተኛታት እቲ ፋብሪካ እቲ ባርዕ ቅድሚ ምጅማሩ ስርሖም ወዲኦም እንተወፅኡ፡ ብኣማኢት ዝቑፀሩ ካልኦት ግና፡ ኣብ ናይ ለይቲ ፈረቓ ይሰርሑ ነይሮም።
ካብቲ ባርዕ ሓዊ ንምህዳም ብመስኮት ክዘልሉ ዝተጎድኡ ከምዘለዉ፡ መሰኻኽር ዓይኒ ተዛሪቦም።
እቶም ሰብመዚ ንኤኤፍፒ ኣብ ዝሃብዎ ቃል፡ ናብ ዝባን እቲ ፋብሪካ ዝወስድን ብዙሓት ሰባት ብሂወት ክተርፉ ዘኽእልን ዝነበረ መገዲ ብምቑላፉ፡ ብዙሓት ካብቲ ሓደጋ ከምልጡ ኣይከኣሉን ኢሎም።
ካብ ቀረባ ዓመታት ንነዘ፡ ኣብ ባንግላዲሽ ተደጋጋሚ ሓደጋ ባርዕ ዘጋጠመ እንትኾን፡ ክሳብ ሕዚ ህይወት ብኣማኢት ዝቑፀሩ ሰባት ጠፊኡ።
ከም ኣቆፃፅራ ኣውሮጳውያን 2013 ኣብ ሓደ መንበሪ ህንፃ ብዘጋጠመ ባርዕ ሓዊ፡ ልዕሊ 1100 ሰባት ምሟቶም ይዝከር።
ኣብቲ እዋን መንግስቲ መመሓየሺ ስጉምትታት ከምዝወስድ ገሊፁ ነይሩ።
እንተኾነ፡ ኣብታ ሃገር ዘሎ ናይ ስራሕን ናይ መንበርን ከባብታት ኩነታት ሕዚ’ውን ዘሻቕል እዩ።







![ፊልሞን ሓጎስ፣ ኪዳነ ኣንገሶምን ክብሮም ገብረማርያምን [ካብ ጸጋም ናብ የማን] ኣብ 21 ሚያዝያ 2026 ብሞት ተቐጺዖም](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/2266/live/c9828950-553c-11f1-b682-cf91850925ea.png.webp)




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)
