ትራምፕ ኣብ ልዕሊ ትዊተር፣ ጉግልን ፌስቡክን ክሲ መስሪቱ

ምንጪ ስእሊ, EPA
ፕረዚደንት ኣሜሪካ ነበር ዶናልድ ትራምፕ ግዳይ ምምያ [‘ሳንሱር’] ኮይነ ብምባል ኣብ ልዕሊ ጉግል፣ ትዊተርን ፌስቡክን ክሲ መስሪቱ።
እቲ ዝተመስተረ ክሲ ንዋና ኣፈጸምቲ ስራሕ ሰለስቲኤን ኩባንያታት ዒላማ ከምዝገበረ ተፈሊጡ’ሎ።
ንሱ ብድሕሪ’ቲ ደገፍቱ ዝመርሕዎ ኣብ ህንጻ መእከቢ ኮንግረስ [‘ካፒቶል’] ዝተኻየደ ናዕቢ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ስግኣት ፈጢሩ ብዝብል ካብቶም ማሕበራዊ መራኸብታት ከምዝተኣገደ ይዝከር።
ትራምፕ ነቲ ዘቕረቦ ክሲ ኣመልኪቱ ኣብ ዝሃቦ ጋዜጣዊ መግለጺ፤ ኣብ ልዕሊ እቶም ማሕበራዊ መራኸብታትን ሰልፊ ዴሞክራትን ኣባጭዩ።
“ኣካውንት ምዕጻው [ብሎክ ምግባር] ደው ክብል፣ ሰባት ስቕ ክብሉ ምግባር ክቋረጽ ከምኡ’ውን ኣብ ጸሊም መዝገብ ምስፋር፣ ምፍራስን ምስራዝን ከብቅዕ ንሓትት” ኢሉ።
ምምያ ደው ክብል ዘገድድ ትእዛዝ ቤት ፍርዲ ክወሃቦ’ውን ኣብ ዘቕረቦ ክሲ ሓቲቱ’ሎ። “ንፕረዚደንት ክእግዱ እንተኺኢሎም ኣብ ልዕሊ ማንም ክፍጽምዎ ዝዓግቶም ነገር የለን” ክብል ተዛሪቡ ኣብ መግለጺኡ።
ብዶናልድ ትራምፕ ክሲ ዝቐረበሎም ኩባንያታት ግን ዛጊድ ነቲ ክሲ ብዝምልከት ዝሃብዎ ግብረመልሲ የለን።
ንሱ ግን ነቲ ካብ ትዊተር ክእገድ ምኽንያት ዝኾነ መልእኽቲ “ኣዝዩ ብፍቕሪ ዝተመልአ ሓሳብ’ዩ ነይሩ” ክብል ገሊጽዎ።
ትራምፕ “ናዕቢ ብምድጋፍ” ብዝብል ክእገድ ዝኸኣለሉ ምኽንያት፤ ነቲ ኣብ ካፒቶል ዝተኻየደ ናዕቢ ስዒቡ ብድሕሪ ክልተ መዓልቲ ዝጠቅዖም መልእክትታት ምዃኖም ትዊተር ቅድም ክብል ኣብ ዝሃቦ መብርሂ ወግዓዊ ገይሩ ነይሩ።
እቲ ፕረዚደንት ነበር ምርጫ ኣሜሪካ ተጭበርቢሩ ብዝብል ብተደጋጋሚ ተቓውሞታት ምስኣስመዐ ናዕቢ ከምዝተወለዐ ይዝከር።
ኣብ ኮንግረስ ዝርከቡ ኣባላት ሪፐብሊካን ዝኾኑ ፈተውቲ ትራምፕ “ዓበይቲ ኩባንያታት ቴክኖሎጂ ንምቁጽጻር” ውጥን ከምዘለዎም ትማሊ ረቡዕ ኣፍሊጦም ኣለዉ።
ክሲ ትራምፕ ብሰብሞያ ሕጊ ተነቒፉ’ሎ።
ምስ ናጽነት ሓሳብካ ምግላጽ ብዝተሓሓዝ ሕቶ ብዘልዕሉ ተንተንቲ ክሲ ዝቐርበሎም ኩባንያታት እውን ኣብ ትሕዝቶታት ናይ ምውሳን ሕጋዊ ከለላ ከምዘለዎም ኣረዲኦም።









![ፊልሞን ሓጎስ፣ ኪዳነ ኣንገሶምን ክብሮም ገብረማርያምን [ካብ ጸጋም ናብ የማን] ኣብ 21 ሚያዝያ 2026 ብሞት ተቐጺዖም](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/2266/live/c9828950-553c-11f1-b682-cf91850925ea.png.webp)




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)
