ንሓንቲ ጥንታዊት ቤተክርስትያን ዓቂቦም ዘጽንሑ ኢትዮጵያዊ ሸኽ

Published

ተኸታሊ እምነት ምስልምና እዮም። ይሰግዱ፣ ይጾሙ፣ መስጊድ እውን ይኸዱ። ዓረፋ፣ ዒድ ኣልፈጥርን መውሊድን ከኣ ብመሰረት እቲ ሃይማኖት ዘፍቅዶ የኽብሩ።

እግሮም ግን ወትሩ ካብ ሓንቲ ቤተክርትስያን ኣይጠፍእን። ነዚ ተግባር ዕድመ ልክዖም ዝፈጸምዎ’ዩ። እርጋን ሒዝዎም ጉልበቶም እንተደኸመ’ኳ ብምርኩዞም ሰለይ እናበሉ እታ ቤተክርስትያን ናብ እትርከበሉ ጎቦ ከይደየቡ ኣይውዕሉን።

ናብ ገዝኦም መጺኡ ኩነታታት ጥዕንኦምን ድሕነቶምን ንዝሓቶም ሰብ መሊሶም ብዛዕባ ድሕነት እታ ቤተክርስትያን ከይሓተቱ ከምዘየፋንውዎ ነዐኦም ዝፈልጥ ዝምስክሮ ሓቂ’ዩ።

ወሎን ሃይማኖታትን

ሸኽ ሓሰን ይመር ይበሃሉ። ኣብ ክልል ኣምሓራ ዞባ ደቡብ ወሎ ወረዳ ወረኢሉ ተወሊዶምን ዓብዮምን።

ብዙሓት: ወሎ ሰዓብቲ እምነት ዝተፈላለዩ ሃይማኖታት ተሳንዮም ዝነብሩላ፤ ተምሳሌት ምፍቓርን ምክብባርን ከምዝኾነት ይገልጽዋ።

ሰዓብቲ ዝተፈላለዩ እምነታት ተፋትዮም፣ሓዳር መስሪቶምን ቆልዑ ኣፍሪዮምን ይነብሩላ። ሙስሊም ኣብ በዓል ጥምቀት ንታቦት ዓጂቡ ክርከብ ከሎ፤ ክርስትያናት ከኣ ኣብ እዋን ኢድ-ኣልፈጥር ንሙስሊም ፈተውቶም ዝኸውን መስገዲ ቦታ የዳልዉ።

“ስሙ ሃይለማርያም ኣቡኡ መሓመድ

ከመይ ዘሕጉስ’ዩ ኣብ ወሎ ክትውለድ” ክብሉ ብዙሓት ይቃንዩ።

መንፈሳዊ መዝሙር ዝሰምዕ ሰብ ሪኢኻ ‘ተኸታሊ እምነት ክርስትና እዩ’ ኢልካ ክትድምድም ከቢድ’ዩ። መንዙማ ዝሰምዕ ሪኢኻ ድማ ‘እዚ ሙስሊም እዩ’ ክትብል ትጽገም። ሙስሊም ገንዘብ ኣዋጺኦም ቤተክርስትያን ከስርሑ ከለዉ ክርስትያን ብወገኖም መስጊድ የህንጹ።

ወሎ ብዙሓት ፍሉጣት ኣሊማት (መራሕቲ) እምነት ምስልምና ዘፍረየት ከባቢ እያ። ነዚ ብኣብነት ንምድጋፍ ፕረዚደንት ቤት ምኽሪ ኡለማታታት ኢትዮጵያ ቀዳሚ ሓጂ ሙፍቲ ዑመር ኢድሪስ፣ ብትንቢቶም ዝፍለጡ ሸኽ ሑሴን ጅብሪልን መንዙመኛ ሼኽ መሓመድ ሃምዛን ምጥቃስ ይከኣል።

ሸኽ ሓሰንን እታ ቤተ-ክርስትያንን

ንሶም ዓመታዊ ክብረበዓል (ንግደት) እታ ቤተክርስትያን ክበጽሕ ከሎ ኣብ ገዝኦም ስዋ ክጽሞቕ ገይሮምን ሕምባሻ ኣሰንኪቶምን ምውሳድ ዘይተርፍ ውራዮም’ዩ።

ስሞምን ተግባሮምን ከኣ ኣብ ከባቢኦም ጥራሕ ዘይኮነስ ክሳብ ናብ ካልኦት ከተማታት እውን ይበጽሕ። ነቲ ዓመታዊ ንግደት ኢሎም ካብ ዝተፈላለዩ ከባብታት ዝመጽኡ ሰባት ንሸኽ ሓሰን ሰላም ከይበሉ [ከይዘየሩ] ኣይምለሱን።

እቶም ሸኽ ውልቃዊ እምነቶም ነታ ሓሊዎም ዘጽንሕዋ ቤተክርስትያን ምስ ዝኸፍልዎ ዋጋ፣ ክንክንን ሓለዋን ፈጺሙ ኣይጋጨዋኦምን።

ብርግጽ ካብ ገለ ነበርቲ እቲ ከባቢ ተቓውሞ ይገጥሞም ከምዝነበረ ደቆምን ገለ ዝፈልጥዎም ሰባትን ይዛረቡ። “ሸኽ ሑሴን ዘይእምነቶም ንኹሉ ነባሪ ከባቢና ክርስትያን ክገብርዎ እዮም” ብዝብል ብጥይት ዝተሰሓቱሉ ኣጋጣምታት ከምዝነበረ ታሪኾም ዝሰነደ ከበር ጌታቸው ይዛረብ።

ንሱ ንሸኽ ብቐረባ እዩ ዝፈልጦም። ብዛዕባ እታ ቤተክርስትያን እውን መጽሓፍ ጽሒፉ’ሎ። ታሪኽ ሸኽ ሑሴን ዘካተተ መጽሓፉ ‘ወረኢሉ ማህደረ ኢትዮጵያ’ ዝብል ርእሲ ኣለዎ።

ንሱ ከምዝብሎ ሸኽ ሑሴን ኣብ ሓደ እዋን ካብ እድርን ዕቑብን ክንጸሉ ተገይሩ ነይሩ። ‘ደንጎራ’ [ብናይቲ ከባቢ ኣገላልጻ ንመኹዓቲ ጉድጓድ መቓብር ዝኸውን መሳርሒ] ተታሒዝሎም ከምዝነበረ’ውን ይዝክር።

ካብ እድር ምውጻእ ማለት ቀባሪ ከም ምስኣን’ዩ ዝቑጸር። ቤተሰቦም እውን ብድሕሪ ጊዜ ንድልየታቶም ተገንዚቦምሎም እምበር ኣብ ልዕሊኦም ቅሬታ ከምዝነበሮም ወዶም መሓመድ ሓሰን ይዛረብ።

እዚ ኩሉ ጸቕጥታት ግን ንሸኽ መሓመድ ካብ ተግባሮም ዝዓገቶም ኣይነበረን።

“ኣቦና ገለ ተቓውሞታት’ኳ እንተጓነፎም ልክዕ ከም ክርስትያን ናብ ወረኢሉን ደሴን እናተመላለሰ ቤተክርስትያ ኣህኒጹ’ዩ’ ይብል ወዲ 35 ዓመት ወዶም መሓመድ።

እዞም ኣቦ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት’ዮም ኣብ መበል 96 ዓመቶም ዓሪፎም። ቅድሚ ሕልፈቶም ከኣ ደቆም ነታ ቤተክርስትያን ክሕልውዋ ሓደራ ከምዝሃብዎም መሓመድ ይገልጽ።

“ካብ ኣቦሓጎታትና ዝጅምር ሰናይ ተግባር’ዩ። ምስ እምነትና ዘጋጩ ነገር የብሉን። ተሓባቢርካ መስጊድ እውን ይስራሕ’ዩ። ኣዋጺእኻ ዝግበር ነገር እንተሃልዩ ኩልና ኢና ነዋጽእ፤ ሓገዝ ንዘድልዮ ድማ ንሕግዝ” ይብል መሓመድ።

ኣብ ሞንጎ ሃይማኖታት ምክብባር ከምዘሎ ዝገልጽ መሓመድ ኣቡኡ ነዚ ክግንዘቡ ካብ ዘይከኣሉ ገለ ሰባት የጋጥሞም ንዝነበረ ተቓውሞ ተጻዊሮም ግቡኦም ከምዝፈጸሙ ይምስክር።

ሸኽ ሓሰን በዓል ሓዳርን ኣቦ ሸውዓተ ቆልዑትን ነይሮም።

እታ ቤተክርስትያን

ወይብላ ማርያም ኣብ ወረዳ ወረኡሉ እትርከብ ቤተክርስትያን ኮይና ቅድም ክብል ቀርቀሬ ማርያም ብዝብል ትፍለጥ ነይራ። ወርዳ ወረኢሉ ከኣ ኣብ ዞባ ደቡብ ወሎ ዝርከብን ካብ ኣዲስ ኣበባ ኣስታት 498 ኪሎሜትር ዝርሕቕን ቦታ’ዩ።

እታ ቤተክርስትያን ብ1476 ኣቆጻጽራ ኢትዮጵያ ከምዝተሃነጸት ይዝረብ። ልዕሊ 400 ካህናትን መነኮሳትን ድማ ነይሮምዋ። እንተኾነ ኣብ እዋን ወረራ ግራኝ ኣሕመድ ጉድኣት በጺሕዋ ምሉእ ብምሉእ ተቓጺላ ምንባራ ይግለጽ።

ኣብቲ እዋን ተኸተልቲ እምነት ክርስትና ኣብቲ ከባቢ ኣይነበሩን። እቲ ከባቢ መውዓሊ እንስሳት ዘገዳምን ብኣግራብ ዝተሸፈነን ነይሩ።

ነበርቲ እቲ ከባቢ ዝተጓነጹ ሰባት ኣብ ዝህልዉ ብዘይ ኣፈላላይ ሃይማኖት ብሓባር ንሽምግልና ኮፍ ይብሉ።

“ኣቦኦምን ኣቦሓጎታቶምን ንሸኽ ሓሰን ነታ ቤተክርስትያን ይከናኸኑን ይዝክሩን ነይሮም” ዝብል ከበር ኣብቲ ሽዑ እዋን ግን ንሳቶም ነዚ ተግባር ክፍጽሙ ከለዉ ዝፈልጥ ሰብ ኣይነበረን።

ካብ ወለዶ ናብ ወለዶ እናተወራረሰ ዝመጽአ ሰናይ ተግባሮም ከኣ ናብ ሸኽ ሓሰን በጺሑ። ንሶም’ውን በዚ መገዲ ሓለውኦም ቀጺሉ። ብድሕሪ ጊዜ ድማ ኣብ ከባቢኦም ናብ ዝርከብ ቤተክህነት ከይዶም ሃለዋትን ቦታ እታ ቤተክርስትያን ኣፍሊጦም። ሰባት ወሲዶም እውን ኣርእዮም።

“ንሕና ሙስሊም ነዛ ቤተክርስትያን ዓቂብና ኣጽኒሕናያ ኣለና፤ ስለዚ ህነጽዋ” ከምዝበሉ ዝዛረብ ጸሓፊ ከበር፤ ኣብ ቅድሚት ኮይኖም ንህንጸታ ዝመርሑ’ውን ንሶም ምንባሮም ይዛረብ።

ሸኽ ሓሰን ነታ ቤተክርስትያን ዓቂቦም ብምሓዝ ጥራሕ ኣይኮኑን ዝዝከሩ ኣብ እዋን ህንጸታ’ውን ኣእዋም ወፊዮም’ዮም። እምኒ ተሸኪሞም ኣመላሊሶም። ናብቲ እንስሳት እውን ክድይቡ ከምዘጽገሙ ዝዝረበሉ ጎቦ ኣቑሑት ተሸኪሞም ናብታ ቤተክርስትያን ኣብጺሖም።

ኣብቲ ከባቢ ዝነብሩ ስዓብቲ እምነት ምስልምና ንህንጸት እታ ቤተክርስትያን ዝኸውን ስሚንቶ፣ ዚንጎ፣ ብሎኬት፣ ዕንጸይትን ካልእ ናውትን ተሸኪሞም ኣጓዓዒዞም።

ሙስሊምን ክርስትያንን ከከም እምነቶም በጊዕን ብዕራይን ሓሪዶም፤ ዳስ ደስዲሶም፤ ድግስ ደጊሶም ነታ ቤተክርስትያን ብሓባር ኣመሪቖምዋ።

21 ግንቦት 2011 ኣቆጻጽራ ኢትዮጵያ እታ ቤተክርስትያን ክትምረቕ ከላ ብኣካል ዝነበሩ ሸኽ ሓሰን ካብ ክርስትያን ፈተውቶም ጋቢ፣ ምሉእ ክዳንን ካልኦት ነገራትን ህያብ ተወፊዩሎም።