እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
መዓልቲ ሰማእታት ኤርትራ ድሕሪ 30 ዓመታት እንታይ ትመስል?
መዓልቲ ሰማእታት ኤርትራ፡ 20 ሰነ "ርእሰ በዓላት ኤርትራ እዩ"። ስድራ ቤታት ኤርትራ፡ ኣኣብ መናድቕ ኣባይቶም፡ ምስክር ሓርበኝነት እቶም ኣብ ቃልሲ ሓርነትን ምኽባር ልዑላውነትን ዝኸፈሉዎም ዘፍቅሩዎም ደቆም ኣለዎም። ስለዝኾነ ነብሲ ወከፍ ኣባል ስድራ፡ ምስ ስእልን ምስልን ሰማእታቱ ብሕልና ተላዚቡ እዩ ዝወፍርን ዝኣቱን።
''ፍቱዋቱ ደቁ ብኽብሪ ኣብ ዝወደቕሉ ምድሪ ስለዝንቀሳቐስ፡ ወርሒ ሰነን መዓልቲ ሰማእታትን ኣካል ህይወቱ እየን። ዋላ እውን እንተሓሰሞን እንተመረሮን ናይ ውሽጡ ንውሽጡ ገይሩ፡ ንኹሉ ክኢሉ ብሕልናን መንፈስን ምስ ሰማእታቱ እዩ ዘንፍሶ። ስለዚ ከኣ እዩ 20 ሰነ "ርእሰ በዓላት ኤርትራ እዩ ክትብል ዘየሰክፍ'' ይብል ኣብ ቃልሲ ሓርነት ብዙሓት ብጾቱን ክፋል ኣካላቱን ዝቐበረ ተጋዳላይ ዮውሃንስ።
ምስ ናጽነት ኤርትራ ዝጀመረ መዓልቲ ሰማእታት ኤርትራ፡ ለብዘበን ንመበል 30 ዓመታት ይኽበር ኣሎ። ከም ወትሩ ከኣ፡ ኣብ ድሮን ጽባሕን 20 ሰነ፡ ኣባይትን ጎደናታትን ኤርትራ ብሽምዓን፡ መዛሙር ዝኽርን ደሚቑን ማዕሪጉን ውዒሉ።
ኣዴታት፡ ወፊሮም ንዘይተመልሱወን ስውኣት ደቀን፤ መርዑ፡ ካብ ንእዲ ሕጽኖቶም ንዝተፈልዩወን ሰብኡተን፤ ቖልዑ፡ ፍቕርን ሕንቃቐን ከይጸገቡ ንዝሰኣኑዎም ወለዶም፡ ብቀንዴልን ጥዋፍን ብሕቋፍ ዕምበባን ይዝክሩዎም። ኩሎም ከኣ ምእንቲ ራህዋን ብልጽግናን ሃገር፡ ምእንቲ ድሕነትን ልዑላውነት ኤርትራ ምስ ዝወደቑ ፍቱዋቱ ብሕልና ይዘራረቡ።
ዝወደቑሉ ዕላማን ሕልምን ተተግቢሩ'ዶ ኣይተተግበረን?
ግን ከኣ ነብሲ ወከፎም እቲ ሰማእታቶም ዝወደቑሉ ዕላማን ሕልምን ተተግቢሩ'ዶ ኣይተተግበረን? ሃገርን ህዝብን ኣብ ከመይ ኩነታት ኣለው? እቲ ክኸውን ዝነበሮ ተተግቢሩ'ዶ ኣይተተግበረን? እንተዘይተጌሩ፡ ስለምንታይ ኢሎም ዝሓቱን ዝመራመሩን ይመስለኒ ይብል ዮውሃንስ።
"ኣብቲ ፈለማ ዓመታት ናጽነት፡ ንዓይ ሓዊስካ፡ ዳርጋ ኩሉ ሰብ፡ ኩነታት ቀስ ብቐስ ክመሓየሽ እዩ ዝብል እምነት ነይሩና። ህዝቢ፡ ደቅና ጥራሕ ኢዶም እዮም ካብ በረኻ ኣትዮም፡ ክሳብ ዓቕምን ትሕዝቶን ዘጥርዩ ዕድል ንሃቦም ኢሉ ብዙሕ ተጸብዩ። ዳሕራይ ግን ብዝረኣናዮ ምሕደራን ናብራን ብዙሕ ተማሪርና። ስለዚ ኢና ከኣ ኣብ ነብሲ ወከፍ ዓመት ዝኽሪ ሰማእታት "ሕድሮም ኣተግቢርና'ዶ?" ዝብል ሕቶ ንሓትት ይብል።
ኣብ ቃልሲ ሓርነት ከቢድ ስንክልና ዘጋጠማ ተጋዳሊት ሂወት ተስፋልደት እውን፡ "ስድራ ስውኣት ኤርትራ ጨጋር ንውሽጢ ገይሮም እዮም ነዛ ዕለት ዝዝክሩዋ። ደቆም ዋጋ ከፊሎም ናጽነት ኣረኪቦምና እዮም። እቲ ድሕሪኡ ዝመጽእ ፍትሓዊ ምሕደራን ምምሕያሽ ናብራን ግን ናይቶም "ንሕና ክንሓልፍ ንስኹም ጽንሑ" ተባሂልና ዝኣተና ዕዳ እዩ። መንግስቲ ኤርትራ ከኣ ንሕድርን መብጽዓን ሰማእታት ክትግብር ብቐጻሊ ይሕተት ኣሎ" ትብል።
ዕስራ ሰነ እናኽበዓል ስምዒት ኤርትራውያን ኣብ ክልተ እዩ ዝኽፈል። ገሊኦም ሕድርን መብጽዓን ሰማእታት ኣይተተግበረን፡ እቶም ሰማእታት ዝወደቕሉ ዕላማን መትከልን ተጠሊሙ እዩ ክብሉ እንከለው፡ ገለ ክፋል ድማ ከምቲ ሰበስልጣን መንግስቲ ብተደጋጋሚ ዝብልዎ " ኣመሪካን ምዕራብን እናተጻብኡና እምበር - ንሕናስ ብዓቕምና ንገብር ኣሎና" እዮም ዝብሉ።
ኣብቲ ፈለማ ዓመታት ናጽነት፡ ህዝቢ ኣብ 20 ሰነ ንሰማእታቱ ብናይ እግሪ ጉዕዞን ዝኽሪ ሽምዓን ብመዝሙርን ጸሎትን ይዝክሮምን ምስጋንኡ ይገልጸሎም ነይሩ። ግን ከኣ እቲ ዝወደቕሉ ዕለማ እንተዘይተተግቢሩ፡ እቲ ዝሓለምዎ ራኢ ኣብ 30 ዓመት እንተዘይተጀሚሩ ብእግሪ ጉዕዞን ዝኽሪ ሽምዓን ጥራሕ ምዝካሮም ከመይ ኣቢሉ ኣኻሊ ይኸውን ትብል ሂወት።
ስድራ ስውኣት ኣብ ከቢድ ሕሰም ወዲቖም ደቂ ስውኣት ኣብታ ወለዶም ዝወደቑላ ሃገር ቀሲኖም ክነብሩ ስለዘይከኣሉ ኣብ ሰሃራን ሲናይን ፈቐዶ መዓስከራት ስደተኛታት ጎረባብቲ ሃገራት ከርተት ይብሉ እንተልዮም፡ ከመይ ኣቢልካ ሕድርን መብጽዓን ሰማእታት ነተግብሮን ንሰርሓሉን ኣሎና ክበሃል ይከኣል ይብል ዮውሃንስ።
"ብቐንዱ ሰማእታት ኤርትራ፡ ባዕዳዊ መግዛእቲ ምስ ተጸርገ ህዝቢ ቅዋማዊ ደሞክራሲያዊ መንግስቲ መስሪቱ፡ ቖጽሊ ብዘውደቐሎም መራሕቲ ብፍትሕን ስርዓትን ክነባበር እዩ። ዝብል እምነት እዩ ነይሩዎም"
ብቐንዱ ኣብቲ ብመንፈስ ሃገራዊ ደሞክራሲያዊ ቻርተር ህዝባዊ ግንባር ዝረቐቐ፡ ብ1994 ኣብ ሳልሳይ ውድባዊ ጉባኤ ኣብ ናቕፋ ዝጸደቐ ሃገራዊ ቻርተር ኤርትራ፡ እቲ ከም ዓቢ እምባ ተገቲሩ ዝነበረ ዕማም ምብራር መግዛእትን ምጭባጥ ሃገራዊ ናጽነትን ክብረትን ብዓወት ከምዝተፈጸመ፡ እቲ ንብዙሓት ሕልሚ ዝመስሎም ዝነበረ ነጻነት፡ ብከቢድ መስዋእቲ ጀጋኑን ብ99.8% ህዝባዊ ድምጽን ተረጋጊጹ፡ ህዝቢ ኤርትራ ንመጀመርያ ግዜ ኣብ ታሪኹ ጎይታ ሃገሩ ኮይኑ መጻኢኡ ከም ዝጨበጠ ይሕብር።
ብምቕጻል፡ ምርግጋጽ ሃገራዊ ናጽነትን ልኡላውነትን ኤርትራ፡ መዕጸዊ ናይ ሓደ ዓብን ክቡርን ምዕራፍን ምጅማር ናይ ሓዲሽ ብደሆን ምዃኑ ከረድእ እንከሎ ከኣ፡_"ኣብ ኤርትራ ሰላምን ፍትሕን ራህዋን እንተዘይሰፊኑ፡ ህዝቢ ኤርትራ ደረጃ ብደረጃ ካብ ስእነትን ድኽነትን እንተዘይተገላጊሉ፡ ሰብኣውን ደሞክራስያውን መሰላቱ እንተዘይተሓልዩ፡ ኣብ ምውሳን ጉዕዞ ሃገሩ ምሉእ ተሳታፊ እንተዘይኮይኑ፡ ሃገራውን ባህላውን መንፈሳውን ናብርኡ በብግዚኡ እንተዘይተመሓይሹ፡ እቲ ብኸቢድ መስዋእቲ ዝተረኽበ ናጽነት ትርጉም ኣይክህልዎን'ዩ" ይብል።
ዮውሃንስ እውን "ዕላማን ራኢን ሰማእታትና ኣብ ሃገራዊ ቻርተርና ተነጺሩ ኣሎ። እንተኾነ እቲ ኣብ ሰነድና ሰፊሩ ዘሎ ጀጋኑና ዝወደቑላ መትከላት ግን ኣይተተግበረን። እኳ ደኣ ተጠሊሙ እዩ" ብማለት ኣትሪሩ ይምጕት።
'እቲ ሃገራዊ ቻርተር፡ ኣብ ናጻ ኤርትራ፡ ሕግን ስርዓትን ዘኽብር፡ ሓድነትን ሰላምን ዝሕሉ፡ ኩሉ ኤርትራዊ ካብ ፍርሕን ጭቆናን ሓራ ኮይኑ፡ መሰረታዊ ሰብኣዊ መሰላቱ ተሓልይሉ፡ ህይወቱ ብቕሳነትን ሓጎስን ንምቕጻል ….. ኣብ ኤርትራ ቅዋማዊ ፖለቲካዊ ስርዓት ክምስረትን፡ ኣብ ልዑላውነት ህዝቢ፡ ደሞክራሲያዊ መትካላትን ኣገባባትን፡ ተሓታትነት፡ ግሉጽነት፡ ብዙሕነት፡ ምጽውዋር ዝተመስረተ ደሞክራሲያዊ ቅዋማዊ ስርዓት ክኸውን ኣለዎ' ይብል።
ይኹን እምበር ኣብዚ እዋን እዚ ኣብ ኤርትራ፡ እቲ ሃገራዊ ቻርተር ብግልጺ ኣቐሚጡዎ ዘሎ ሰነድ ድሕሪ 26 ሕትመቱ እውን ኣይተተግበረን። በንጻሩ እኳ ደኣ ሓያሎ ፖለቲካዊ ትካላት እቲ ሃገር፡ ብቐንዱ ሃገራዊ ባይቶ፡ ካብ ጉባኤ ዝለዓለ ስልጣን ዘለዎ ፈጻሚ ቤት ጽሕፈት፡ ካብ 2018 ንደሓር እውን ካቢነ ሚኒስተራት ኤርትራ ተኣኪቢ ኣይፈልጥን።
"መነባብሮ ህዝቢ ክመሓየሽ ኩሉ ዝደልዮን ዝምነዮን እዩ። ግን ከኣ ህዝቢ መነባብሮኡ ንኸመሓይሽ ወፊሩ ክኣቱ፡ ገይሹ ክምለስ፡ ሰሪሑ ከፍሪ ቅድሚ ኩሉ ኣብ ቅዋም ዝተሰረተ ሕግን ፍትሒ ዘተግብራ ትካላትን ክህነጻ ይግባእ። ስለዚ ኢና ከኣ ኣነን ከምዚ ከማይን ኣብዚ ክብር ጽምብል ዕለተ ሰማእታት " ሕድሪ ሰማእታትና ይተግብር" ንብል ዘሎና ትብል ሂወት።
"ሰነዳት እውን ከምኡ እዩ ዝብል" ይብል ዮውሃንስ፡ ኣብ ሳልሳይን ራብዓይን ገጸት ሃገራዊ ቻርተር ንዝሰፈረ፡ "ዝሓሸ መጻኢ ንምህናጽ እቲ ቓልስን ጻዕርን ብቐንዱ ድሕሪ ናጽነት ስለዝጅምር፡ ንሕና እዞም ናጽነት ዘምጻእና ወለዶ፡ ንመጻኢ መለዶታት ሰረታት ስልጡንን ፍትሓውን ሕብረተሰብ ከነረክብ …. ንኤርትራ ከም ናጻን ስልጥንትን ሃገር ብምህናጽ ክዛዝሞ ኣለዎ። እዚ ሕድሪ ሃገር'ዩ፡ ሕድሪ ህዝብና'ዩ ሕድሪ ስውኣትና'ዩ" ንዝብል ጽሑፍ ይጠቅስ።
'መንግስቲ ኤርትራ ተጻብኦ በዚሑዎ እምበር ኣብ ጽቡቕ መገዲ እዩ ዘሎ' ዝብሉ ሓያሎ ሰባት ከኣ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ኩሉ ነገር ቀስ ብቐስ እዩ ዝፍጸም፡ ኤርትራ ከኣ ኣብ ሓጺር ግዜ ኣብቲ እትደልዮ ምዕራፍ ክትበጽሕ እያ ይብሉ።