ሓደ ህንዳዊ ንወለዱ 'ስለምንታይ ትወልዱኒ?' ብዝብል ክኸሶም ምዃኑ ተገሊፁ

ምንጪ ስእሊ, Nihilanand
ወዲ 27 ህንዳዊ ራፋኤል ሳሙኤል፡ ብዘይ ናቱ ፍቓድ ንዝወለድዎ ስድርኡ ክኸሶም ከም ዝተዳለወ ኣፍሊጡ።
ሳሙኤል ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ህጻናት ምሉእ ህይወቶም ኣብ ሕሱም ናብራ ንከሕልፍዎ ናብዛ ዓለም ከምዝመጽኡ ምግባር ጌጋ'ዩ በሃላይ እዩ።
ህፃናት ገና ከይተወለዱ ከለዉ ፍቓዶም ምርካብ ከም ዘይከኣል ዝግንዘብ ሳሙኤል፡ "ንኽንውለድ ግን ናትና ውሳነ ኣይነበረን" ክብል ይማጎት።
ንኽንውለድ ፍቓድና ስለዘይተሓተትና ድማ ህይወትና ክንመርሕ ዘኽእለና ገንዘብ ክኽፈለና ኣለዎ ዝብል መርገፂ ኣለዎ።
ከምዚ ዝበለ ሕቶ ምልዓል ኣብ ሞንጎ ስድራ ኣሉታዊ ስምዒታት ምፍጣሩ ኣይተርፍን። ንሱ ግን፡ ክልቲኦም ሰብ ሞያ ሕጊ ምስ ዝኾኑ ስድርኡ ኣብ ፅቡቕ ኩነታት ከም ዘሎ እዩ ዝዛረብ።
ኣዲኡ ካቪታ ካርናድ ነዚ ብዝምልከት ኣብ ዝሃበቶ መብርሂ "ወደይ ዝመሃዞ ሓድሽ ናዕቢ" ክትብል ተዛሪባ።
"ኣነን ኣቡኡን ሰብ ሞያ ሕጊ ከም ዝኾንና ዝፈልጥ ወደይ ናብ ቤት ፍርዲ ክወስደና ብምድፋሩ ከድንቖ እደሊ። ይኹን ደኣ'ምበር፡ ንኽንወልዶ ናቱ ፍቓድ ክንሓትት ይከኣለና ከም ዝነበረ ዘረድእ መረዳእታ ከቕርበልና እንተኺኢሉ ንጥፍኣተይ ክቕበል እየ" ኢላ።

ምንጪ ስእሊ, Nihilanand
ከም እምነት ሳሙኤል እንተኾይኑ፡ ደቂ ሰባት ብኸይዲ ግዜ ቁፅሮም እናነከየ ካብዛ ዓለም ክጠፍኡ ኣለዎም። እዚ ድማ ንዓለምና ፅቡቕ ከም ዝኸውን ይዛረብ።
"ብዙሓት ሰባት ይሳቐዩ እዮም ዘለዉ። ፍጥረት ወዲ ሰብ እናቐሃመ እንተኸይዱ፡ ምድርን እንስሳትን ሕጉሳት ክኾኑ እዮም። ሃለዋት ደቂ ሰብ ፈፂሙ ትርጉም ኣልቦ እዩ" ይብል።
ቅድሚ ሓደ ዓመት 'ኒሂላናንድ' ብዝብል ፌስ ቡክ ዝኸፈተ ኮይኑ፡ ብናይ ሓሶት ጭሕሚ ዝተሸፈነ ገፁ የርእይ። ፀረ-ምውላድ ዝኾኑ መልእኽትታት'ውን የሕልፍ።
ካብቶም መልእኽትታቱ "ስድራኹም ኣብ ክንዲ መፃወቲ ባምቡላ ወይ ከልቢ ንዓኹም ወሊዶም፡ ዝእውድኹም የብሎምን፤ መፃወቲኦም ኢኹም" ዝብል ይርከቦም።
ሳሙኤል፡ ከምዚ ዝበለ መርገፂ ክህልዎ ዝኸኣለ ገና ቆልዓ ሓሙሽተ ዓመት እንከሎ ምንባሩ ይዝክር።
"ካብ ካልኦት ቆልዑ ዝተፈለኹ ኣይነበርኩን። ሓደ እዋን ብስጭው ስለዝኾንኩ ናብ ቤት ትምህርቲ ናይ ምኻድ ድልየት ኣይነበረንን፤ ወለደይ ግን ንክኸይድ መመሊሶም ይሓቱኒ ነይሮም። ሽዑ 'ንምንታይ ወሊድኩምኒ?' ክብል ምስ ሓተትክዎም ኣቦይ ንዓይ ዝህቦ መልሲ ኣይነበሮን። ሽዑ መልሲ ምሃበኒ፡ ናብቲ ሕዚ ዝሓዝክዎ ኣተሓሳስባ ኣይምኣተኹን" ክብል ኣረዲኡ።




![ፊልሞን ሓጎስ፣ ኪዳነ ኣንገሶምን ክብሮም ገብረማርያምን [ካብ ጸጋም ናብ የማን] ኣብ 21 ሚያዝያ 2026 ብሞት ተቐጺዖም](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/2266/live/c9828950-553c-11f1-b682-cf91850925ea.png.webp)





![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)

