ኬንያ በረራታት ሰብኣዊ ሓገዝ ሶማሊያ ክትኽልክል ምዃና ኣጠንቂቓ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ኬንያ፡ ንበረራታት ሰብኣዊ ሓገዝ ሓዊሱ ኩሎም በረራታት ሶማሊያ ክትኽልክላ ከም እትኽእል ኣጠንቂቓ።
ሚኒስትሪ ጉዳይ ወጻኢ ኬንያ ናብ ዲፕሎማሲያዊ ልኡኽ ሶማሊያ ኣብ ዝልኣኾ ደብዳበ፡ ኬንያ ካብ ሶማሊያ ዝግበሩ በረራታት ኣጊዳ እናሃለወት በረራታት ሰብኣዊ ሓገዝ ብዘይኣግባብ “ንክልትኣውን ፖለቲካውን ጉዳያት” ተውዕሎ ኣላ ክብል ከሲሱ።
ኣብ ቀረባ እዋን ኬንያ ካብ ሶማሊያ ዝግበር በረራታት ደው ከተብሎ እንከላ፡ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ንዘሳልጦ ልኡኽ ሰብኣዊ ሓገዝ ዝውዕሉ በረራታት ሕክምናዊ ሓገዛት ክጉዓዓዝ ጥራሕ ኣፍቂዳ።
ኣብዚ ሕጂ እዋን ግን “እቶም ንሰብአዊ ሓገዝ ዝግበሩ በረራታት ንርእሶም ብኣግባቡ ንሰብኣዊ ሓገዝ ጥራሕ ክውዕሉ ኣለዎም፤ ሶማሊያ’ውን መንግስቲ ኬንያ ስጉምቲ ሙሉእ ዕጽዋ ንክወስድ ካብ ዘገድዱ ተግባራት ክትቑጠብ ኣለዋ” ክትብል ኬንያ ኣጠንቂቓ።
ብተወሳኺ እቲ ሚኒስትሪ ኣቐዲሙ ኩሎም በረራታት ሰብኣዊ ሓገዝ ናይ መውጽኢ ፍቓድ ምርካቦም ዘረጋግጽ ሰነድ ክቐርብን ዝርዝር ተጉዓዝን እቲ ዝጽዓን ኣቕሓን’ውን ክቐርበሉ ከም ዘለዎ ጠቒሱ።
ኬንያን ሶማሊያን ንነዊሕ እዋን ኣብ ዲፕሎማሲያዊ ውጥጥ ኣትየን ምጽንሐን ይፍለጥ።
ብፍላይ ሞቓድሾ ንኬንያ ኣብ ዓለምለኻዊ ቤት ፍርዲ ፍትሒ ካብ እትኸሳ ንነጀው ካብ 2014 ጀሚሩ ብዶብ ሓይሊ ባሕሪ ክዋጠጣ ጸኒሐን።
ብተወሳኺ ሶማሊያ ኣብ ወርሒ ታሕሳስ 2020 ኬንያ ንምምሕዳር ብኸፊል ሉእላውነታ ዝኣወጀት ምምሕዳር ዞባ ጁባላንድ ብምድጋፍ ኣብ ውሽጣዊ ፖለቲካዊ ጉዳያት ሃገራ ኢድ ተእቱ ኣላ ብምባል ምስ ኬንያ ዝነበራ ዲፕሎማኢያዊ ርክብ ክሕርፍፈ ገይራ እያ።
ብ6 ግንቦት 2021 ከኣ ብሸምጋልት ኳታር ክልትኣዊ ርክበን ናብ ንቡር ምምላሱ ክግለጽ እንከሎ፡ ድሕሪ ሰሙናት ግን ኬንያ በረራታት ሶማሊያ ኣጊዳ።
ኬንያ ኣብ ሞንጎ ክልቲአን ሃገራት ዘሎ ርክብ ዳግም ከም ዝተቛረጸ ብምግላጽ ምስ ሶማሊያ ዘራኽባ ክሊ ኣየር ከም ዝተዓጽወ ትገልጽ።







![ፊልሞን ሓጎስ፣ ኪዳነ ኣንገሶምን ክብሮም ገብረማርያምን [ካብ ጸጋም ናብ የማን] ኣብ 21 ሚያዝያ 2026 ብሞት ተቐጺዖም](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/2266/live/c9828950-553c-11f1-b682-cf91850925ea.png.webp)




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)
