ቻይና መጻምዲ ሰለስተ ቖልዑ ክወልዱ ኣፍቂዳ

Published

መንግስቲ ቻይና መጻምዲ ክሳብ ሰለስተ ቖልዑ ክወልዱ ከም ዝኽእሉ ኣፍሊጡ።

ኣብታ ሃገር መጠን ወሊድ ዝለዓለ ምንካይ ብምርኣዩ መንግስቲ ብዝሒ ወሊድ መጻምዲ ክውስኽ ንከፍቅድ ከም ዝደረኾ ተገሊጹ።

ቻይና ነቲ ሓደ ቖልዓ ጥራሕ ዘፍቅድ ዝነበረ ፖሊሲኣ ብ2016 ምምሕያሽ ብምግባር መጻምዲ ክልተ ቖልዑ ክወልዱ ኣፍቂዳ ምንባራ ይዝከር።

እንተኾነ እቲ ውሳንኣ ንመጠን ወሊድ ክብ ከብሎ ኣይከኣለን።

ቆልዑ ወሊድካ ንምዕባይ ዝወጽእ ወጻእታት ኣብ ብዙሓት ከተማታት ንዝርከቡ ቻይናውያን መጻምዲ ከቢድ ፈተና ከም ዝኾኖም’ዩ ዝግለጽ።

እቲ ናይ ሎሚ ውሳነ፡ ላዕለዎት ሰበስልጣን ዴሳዊ ውድብ ቻይና [ኮሚኒስት ፓርቲ] ኣብ ዘካየድዎ ኣኼባ ብፕረዚደንት ሺ ዢንፒንግ ጸዲቑ’ሎ።

“ንኹነታት ቅርጺ ብዝሒ ህዝብና ንምምሕያሽ ዝምቹእ፣ ሃገርና ነቶም ብዕድመ ዝደፍኡ ወለዶ ኣብ ምትካእ ንዝሓዘቶ ስትራቴጂ ዝመልእ ከምኡ’ውን እኹል ሓይሊ ሰብ ንክህሉ ዘኽእሉ ሓገዝቲ ስጉምቲታት ሒዙ ዝመጽእ’ዩ” ክብል ወኪል ዜና ዢንዋ ጸብጺቡ።

ዓለምለኻዊ ትካል ሰብኣዊ መሰላት ኣምነስቲ ኢንተርናሽናል ግን እዚ ናይ ሎሚ ውሳነ ልክዕ ከምቶም ቅድሚኡ ዝነበሩ ፖሊሲታት ንጾታውን ቆልዓ ናይ ምውላድ ድልየትን ዝጥሕስ ከም ዝኾነ ብምግላጽ ይቃወም።

ኣብ ቻይና መራሒ ጉጅለ ኣምነስቲ ጆሽዋ ሮሰንዝዌግ “መንግስቲ፡ ሰባት ክሳብ ክንደይ ቆልዑ ክወልዱ ከም ዘለዎም ክቆጻጸር የብሉን። ኣብ ክንዲ ኣብ ፖሊሲ ወሊድ ምምሕያሽ ምግባር ንምርጫ ህይወት ሰባት ብምኽባር ኣብ ውሳነ ምጣነ ስድራ እትገብሮ ቁጽጽር ደው ክተብሎ ይግባእ” ክብል ተዛሪቡ።

ገለ ሰብሞያ ብወገኖም ኣብዚ ናይ ሕዚ ምምሕያሽ ዘለዎም ጥርጣረ ይገልጹ።

“ኣብ ፖሊሲ ወሊድ ምምሕያሽ ምግባር ውጽኢታዊ እንተዝኸውን ነይሩ ስለ ምንታይ እቲ ኣብዚ ሕዚ እዋን ዘሎ ፖሊሲ ክልተ ቆልዑ ለውጢ ዘየምጽአ?” ኢሉ ላዕለዋይ ሙሁር ስነ ቁጠባ ዛኦ ዙ ንሮይተርስ ኣብ ዝሃቦ ርእይቶ።

“ግንከ መንዩ’ሞ ሰለስተ ቆልዑ ክህልውዎ ዝደልይ? መናእሰይ መጻምዲ እንተኾኑ እንተበዝሐ ክልተ ቆልዑ’ዮም ዝደልዩ። እቲ ወሳኒ ነገር ጉዳይ ወጻእታት ናብራ ኣዝዩ ዝለዓለ ምዃኑን ናብራ ምኽባዱን’ዩ” ብምባል ድማ ኣረዱኡ።

ኣብዚ ወርሒ ወግዓዊ ዝኾነ ቆጸራ ህዝቢ ቻይና ከም ዘመልክቶ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት 12 ሚልዮን ቆልዑት ተወሊዶም።

እዚ ከኣ ካብቲ ኣብ 2016 ዝነበረ 18 ሚልዮን ብጣዕሚ ነክዩ’ሎ።

እዚ ውጽኢት መጻናዕቲ ከኣ ቻይና ኣብ ፖሊሲ ስድራ ዘለዉ ሕግታታ ምምሕያሽ ክትገብረሎም ከም ዝግባእ ኣመልኪቱ።

ገለ ሰብሞያ ከም ዝብልዎ መንግስቲ ቻይና ቅድሚ’ቲ ቀጻሊ ቆጸራ ህዝቢ ነቲ ኣብ ብዝሒ ቖልዑ ዝተነበረ ገደብ ምሉእ ብምሉእ ከልዕሎ ይኽእል’ዩ።

ካልኦት ግን ከምዚ ዝበለ ስጉምቲ ምውሳድ “ናብ ካልኦት ጸገማት” ከእተው ከም ዝኽእል ይገልጹ።

ኣብ ሞንጎ ከተማን ገጠርን ክፍጠር ዝኽእል ዘይምምጥጣን ከኣ ብኣብነት ይጠቕሱ።

ኣብ ከም ቤጂንግ ዝበላ ናብራ ኣዝዩ ዝኸበረለን ከተማታት ዝነብራ ደቂኣንስትዮ ኣብ ምውላድ ንምድንጓይ ወይ ንዘይምውላድ ክውስና ክደልያ ከለዋ፤ እተን ኣብ ገጠራት ዝነብራ ድማ ብኣንጻሩ ብዙሓት ቆልዑ ክህልውወን ክብህጋ ከም ዝኽእላ ብንጽጽር የረድኡ።

ኣብ ቻይና ምስ መጠን ወሊድ ብዝተሓሓዝ ዝህሉ ለውጢ [ምንካይ ወይ ምውሳኽ] ነታ ሃገር ጥራይ ዘይኮነስ ንብዙሓት ክፋላት ዓለም ከም ዝጸልዎ ሰብሞያ ይሕብሩ።

ተመራማሪ ዩኒቨርሲቲ ዊስከንሲን-ማዲሶን ዝኾነ ዶክተር ዪ ፊክዚያን “ቁጠባ ቻይና ብዝለዓለ ናህሪ’ዩ ዝዓብይ ዘሎ፤ ኣብ ዝተፈላለዩ ክፋላት ዓለም ዝርከባ ኢንዳስትሪታት ከኣ ኣብ ቻይና ዝተኣማመና እየን። ስለዚ እቲ ምስ ምንካይ መጠን ብዝሒ ህዝቢ ተታሓሒዙ ዝመጽእ ጽልዋ ኣዝዩ ሰፊሕ ክኸውን ይኽእል’ዩ” ክብል ገሊጹ’ሎ።