እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ቻይና፡ ሕማቕ ኩነታት ኣየር 21 ጎየይቲ በረ-ኣቋራጭ ቀቲሉ
Published
ኣብ ሰሜን ምዕራባዊ ቻይና ይካየድ ኣብ ዝነበረ ውድድር ጉያ መሮር-ኣቋራጭ ዘጋጠመ ሕማቕ ኩነታት ኣየር ብውሑድ 21 ተወዳደርቲ ቀቲሉ፡፡
ማዕናት ዜና ከምዝሓበረኦ፡ ትማሊ ቀዳም ኣብ ግዝኣት ጋንሱ ኣብ ዝርከብ መስሕብ በጻሕቲ ‘የለው ሪቨር ስቶን ፎረስት’ ይካየድ ኣብ ዝነበረ ናይ 100 ኪሜ ውድድር፡ እቶም ተሳተፍቲ፡ ሓያል ንፋስን ዝሑል ዝናብን ወሪድዎም፡፡
ካብቶም 172 ተወዳደርቲ ገሊኦም ብምጥፈኦም ድማ እቲ ውድድር ከምዝተቛረጸ፡ ወኪል ዜና ዢንዋ ገሊጹ፡፡
ናይቶም ዝሞቱ ሰባት ሬሳታት ብሰራሕተኛታት ኣለሻን ህይወት ምድሓንን ሎሚ ሰንበት እዩ ተረኺቡ፡፡
ናብ ሎሚ ኣብ ዘውግሕ፡ ኣብቲ እምባታት መጠን ሙቐት ኣዝዩ ብምትሓቱ ድማ ንስራሕቲ ኣለሻ ከቢድ ከምዝገበሮ ዢንዋ ገሊጹ።
ናብቲ ከባቢ ልዕሊ 1200 ሰራሕተኛታት ህይወት ምድሓን ተዋፊሮም ነይሮም፡፡
ካብቶም ተወዳደርቲ እቶም 151 ብህይወት ከምዝተረኸቡን ሸሞንተ ጉድኣት ከምዘጋጠሞምን ሰበስልጣን ሓቢሮም ኣለዉ፡፡
እቲ ውድድር ዝተኸየደሉ 'የለው ሪቨር ስቶን ፎረስት' 50 ኪሜ ዝሽፍን ሓባጥ ጎባጥን ዘደንቑ ዓንዲታት እምኒ ዘለዎን ከባቢ እዩ፡፡