ኣዛዚ ሰራዊት ናይጄርያ ብሓደጋ ነፋሪት ሞይቱ

ጄኔራል ኢብራሂም አታሂሩ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

Published

ኣዛዚ ሰራዊት ናይጄርያ ሌተናል ጀነራል ኢብራሂም ኣታሂሩ ብሓደጋ ነፋሪት ከም ዝሞተ ተገሊጹ።

እታ ነፋሪት ኣብ ሰሜን ምዕራብ ኣብ እትርከብ ግዝኣት ካዱንጋ ስለዝተሓምሸሸት እቲ ጀነራል ከም ዝሞተ ሰብ መዚ እታ ሃገር ኣፍሊጦም።

ኣብታ ነፋሪት ዝነበሩ ዓሰርተ ወተሃደራትን ሰራሕተኛታት እታ ነፋሪትን’ውን ሞይቶም።

ፕሬዝደንት እታ ሃገር መሓሙዱ ቡሃሪ ብሞት እቲ ኣዛዚ ከም ዝሓዘነ ብምግላጽ “በቲ ሓደጋ ዓᎁቕ ሓዘን ተሰሚዑኒ’ዩ” ዝብል መልእኽቲ ኣሕሊፉ።

እቲ ፕሬዝደንት እቲ ሓደጋ “ሃገርና ዝበጽሓ ጸገም ድሕነት ንምእላይ ኣብ እትገብሮ ጻዕሪ ዘጋጠመ ምዃኑ ዓብዪ ክሳራ’ዩ” ክብል ኣብ ትዊተር ጽሒፉ።

ወዲ 54 ዓመት ጀነራል ኢብራሂም ኣብ ወርሒ ጥሪ 2021 ኣዛዚ ሰራዊት ናይጄሪያ ኮይኑ ከም ዝተሾመ ተገሊጹ ኣሎ።

መንግስቲ ንዓሰርታት ዓመታት ዝቃለሶም ዘለው ጅሃዳውያን ዕጡቓት ንምድምሳስ ሰራዊት እታ ሃገር ንምጥንኻር ብዝብል ከም ዝተሾመ እዩ ዝግለጽ።

ምስ’ዚ ብዝተኣሳሰር ናይጄሪያ ሰራዊታ ተጠናኽር ምህላዋ ተሓቢሩ።

ሓይሊ ኣየር ናይጄሪያ ብወገኑ እታ ነፋሪት ኣብ መዓርፎ ነፈርቲ ካዱና ክትዓርፍ ኣብ ዝፈተነትሉ ሓደጋ ከም ዘጋጠማ ሓቢሩ።

ቅድሚ ሰለስተ ወርሒ ነፋሪት ሰራዊት ናይጄሪያ ሓደጋ ኣጋጢሙዋ ሸውዓተ ሰባት ከም ዝሞቱ ይዝከር።