ጋንታ ለሲስተር፡ ኣብ ታሪካ ፈላማይ ጽዋዕ ኤፍ ኤ ወሲዳ

ምንጪ ስእሊ, GettyImages
ለሲስተር ሲቲ ንቼልሲ ብምስዓር ኣብ ታሪኻ ፈላማይ ጽዋዕ ኤፍ ኤ ወሲዳ።
ኣብቲ ትማሊ ብሰዓራይነት ጋንታ ለሲስተር 1 ን 0 ዝተዛዘመ ናይ ፍጻመ ጸዋታ፡ ነታ ብሕታዊት ጎል ቤልጅማዊ ተጻዋታይ ለሲስተር ሲቲ ዩሪ ቲለመንስ እዩ ኣቑጺርዋ።
ኣብቲ ተደጋጋሚ ፈተነታት ሸቶ ዝተኻየደሉ ጸዋታ፡ ድሕሪ ዕረፍቲ ኣብ መበል 63 ደቒቓ ቲለመንስ ካብ ርሕቐት ብዘቑጸራ ሸቶ ጽዋዕ ኤፍ ኤ ካፕ ናብ ደምበ ለሲስተር ሲቲ ኣምሪሓ ኣላ።
ኣብቲ ብሰንኪ ኮሮናቫይረስ ዝተነበሩ ዕጽዋታት ካብ ሜዳታት ርሒቖም ዝነበሩ ደገፍቲ ኣብ ዝተረኸቡሉ ዝተሳለጠ ናይ ፍጻመ ጸወታ፡ ጋንታ ለሲስተር ፈላማይ ጽዋዕ ብምልዓል ደገፍታ ብሓጎስ ክዘሉ ገይራ።
ነቲ ጸወታ ንምክትታል ኣስታት 21 ሽሕ ተመልከቲ ኣብቲ ገዚፍ ዌምብለይ ስታድዮም ተረኺቦም እዮም። እዚ ድማ ዕጽዋታት ካብ ዝጅምር ኣብ ሜዳ ዝተረኸበ ዝለዓለ ቁጽሪ ተመልከትቲ እዩ።
ሓላዊ ልዳት ናይቶም ብሽም 'ወኻሩ' ዝፍለጡ ተጻወትቲ ለሲስተር፡ ክልተ ከበድቲ ፈተነታት ጎል እንተዘየምክን፡ ምስሊ እቲ ጸወታ ምተቐየረ ነይሩ።
ኣብ መወዳእታ ካልኣይ ፍርቂ እቲ ጸወታ፡ ተኸላኻሊ ጋንታ ለሲስተር ናብ ናይ ባዕሉ ልዳት ዘቑጸራ ሸቶ፡ ብቴክኖሎጂ መስመር ጎል ካብ ጸወታ ወጻኢ ምዃና ንደግፍቲ ቼልሲ ኣሕዚኑ እዩ።
ኣሰልጣኒ እታ ተዓዋቲት ክለብ ብሬንዳን ሮጀርስ፡ ኣብቲ መጻወቲ ሜዳ ተንበርኪኹ ሓጎሱ እንትገልጽ ዝተርኣየ ኮይኑ፡ ተጻወትን ደግፍትን እውን ብታሕጓስ ክዘሉ ኣምስዮም።
ለሲስተር ጽዋዕ ኤፍ ኤ ምውሳዳ፡ ኣብ ፕሪመርሊግ ክሳብ ራብዓይ ዘሎ ደረጃ ሒዛ ንምዝዛምን ኣብ ቀጻሊ ዓመት ኣብ ቻምፒዮንስ ሊግ ኣውሮጳ ንምስታፍን ንተጻወታ ሓቦ ከምዝፈጥረሎም ይግመት።
ኣሰልጣኒ እታ ጋንታ ብሬንዳን ሮጀርስ "ደስ ዘብል ስምዒት እዩ፤ ዕድመይ ሙሉእ ነዚ ውድድር ክርእዮ እየ ጸኒሐ። ኣብዚ እዋን ድማ ተዓዋቲ ጽዋዕ ኤፍ ኤ ክኾን ክኢለ ኣለኹ። ጽቡቕ ተዳሊና ምንባርና ይፈልጥ እየ። እቶም ተጻወትቲ ዓመት ሙሉእ ዘገርም ብቕዓት የርእዩ ነይሮም። ዋጋ ድኻሞም ድማ እዚ ጽዋዕ ምዃኑ ኣሐጒሱኒ" ክብል ገሊጹ።
ኣሰልጣኒ እታ ጽዋዕ ዘይሰለጣ ጋንታ ቼልሲ ቶማስ ቱህል ድማ፡ ተጻወትቱ ጽቡቕ ምንቅስቓስ ምግባሮም ገሊጹ፡ ግን ዕደለኛታት ከምዘይነበሩ ተዛሪቡ።
ቅድሚ ሕዚ ኣርባዕተ ግዘ ናብ ፍጻመ ጸወታ ጽዋዕ ኤፍ ኤ በጺሓ ዝነበረት ጋንታ ለሲስተር፡ ጽዋዕ ወሲዳ ኣይትፈልጥን፤ ኣብ መበል ሓምሻይ ፈተነ ግና ሰሚሩላ ኣብ ታሪክ እቲ ውድድር መበል 44 ጋንታ ኮይና ኣላ።
ኣሰልጣኒ ብሬንዳን ሮጀርስ ድማ ካብ ኣሰልጣኒ ማንችስተር ዩናይትድ ነበር ሰር ኣሌክስ ፈርጉሰን ቀጺሉ፡ ጽዋዓት ኤፍ ኤ እንግሊዝን ስኮትላንድን ዘልዓለ ኣሰልጣኒ ኮይኑ ኣሎ።






![ፊልሞን ሓጎስ፣ ኪዳነ ኣንገሶምን ክብሮም ገብረማርያምን [ካብ ጸጋም ናብ የማን] ኣብ 21 ሚያዝያ 2026 ብሞት ተቐጺዖም](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/2266/live/c9828950-553c-11f1-b682-cf91850925ea.png.webp)




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)
