ኮሮናቫይረስ: ኣብ ኤርትራ ክልተ ተወሰኽቲ ሰባት ብኮቪድ-19 ሞይቶም

ኮሮናቫይረስ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

Published

ኣብ ኤርትራ ክልተ ዜጋታት ብኮሮናቫይረስ ከምዝሞቱ ሚኒስትሪ ጥዕና ሓቢሩ።

እቶም ኣብ ዞባታት ማእከልን ሰሜናዊ ቀይሕ ባሕሪን ኣብ ዝርከቡ ሆስፒታላት ተዓቚቦም ክንክን ክግበረሎም ዝጸንሑ ምዃኖም እቲ ትማሊ ሰኑይ ዝወጸ ሓበሬታ ጠቒሱ።

ካልኦት 2 ክልከፉ እንከለዉ፡ 4 ድማ ሓውዮም ካብ ሆስፒታላት ተፋንዮም ኣለዉ። ክሳብ ሎሚ ኣብታ ሃገር 3673 በቲ ቫይረስ ተለኺፎም፡ 12 ድማ ሞይቶም ኣለዉ።

ኣብዚ እዋን'ዚ፤ 3496 ሓውዮም ካብ ሆስፒታላት ክፋነዉ እንከለዉ፡ 165 ድማ ገና ኣብ ሆስፒታላት ተዓቚቦም ይርከቡ።

ኤርትራ ንሓደ ዓመት ኣዊጃቶ ዝነበረት ተሪር ዕጽዋ፡ ኣብዚ ቀረባ እዋን ከተፍኩሶ ጀሚራ ምህላዋ ይፍለጥ።

ንልዕሊ ሓደ ዓመት ክዕጸዋ ዝተገደዳ ኣብያተ ትምህርቲን ትካላት ንግድን ተኸፊተን ኣለዋ። ካብን ናብን ከተማታት ይኹን ኣብ ውሽጢ ከተማታት ዝግበር መጓዓዝያን ብከፊል ተፈቒዱ'ሎ።

ኣብ ክፍላ መጋቢት ጀሚሩ ድማ ካብን ናብን ዝግበር ንግዳዊ በረራታት ኣየር ተጀሚሩ'ሎ።

እንተኾነ ግን፡ ኣብዚ ቀረባ እዋን፡ ለብዒ ናይቲ ለበዳ እንዳወሰኸ ይመጽእ ምህላዉ ጸብጻባት ሚኒስትሪ ጥዕና የመልክት።

"ቀጻሊ ብዝሰላሰል ዘሎ ምፍዃስ መምርሒታት 'ኮቪድ-19'፡ ብቐንዱ ነፍስ-ወከፍ ዜጋ፡ ከምኡ'ዉን ዝምልከተን ትካላትን ጽላታትን፡ ንኩሉ ናይ ምክልኻል ቅጥዕታት ማለት፡ ግድነታዊ ምጥቃም መሸፈኒ ኣፍን ኣፍንጫን፡ ማሕበራዊ ምርሕሓቕ፡ ምሕላው ጽሬትን ምምካን ንጥቀመሎም ንብረትን፡ ብዝለዓለ ድስፕሊን ከረጋግጹ" ሚኒስትሪ ጥዕና ጸዊዑ።

ኣብታ ሃገር ክሳብ ሕጂ፡ ዝኾነ ክታበት ከምዘይተጀመረ ይፍለጥ። መንግስቲ ብዛዕባ ክታበት ዘለዎ ፖሊሲ እንታይ ምዃኑ ዛጊት ኣይገለጸን ዘሎ።