እስራኤል፡ ኣብ ሃይማኖታዊ ጽንብል ዘጋጠመ ‘ዝኸፍአ’ ሓደጋ ክጻረ ምዃኑ ቀዳማይ ሚኒስተር ነታንያሁ ገሊጹ

ኣስከሬናት ኣብ ከባቢ ሜሮን

ምንጪ ስእሊ, EPA

Published

እቲ ኣብ እስራኤል፡ ኣብ ሓደ ሃማኖታዊ ጽንብል ዘጋጠመ፡ ብውሕዱ ሂወት 45 ሰባት ዝቐተለ ሓደጋ ክጻረ ምዃኑ፡ ኣብቲ ቦታ ሓደጋ ዝበጽሐ ቀዳማይ ሚኒስተር በንጃሚን ነታንያሁ ተዛሪቡ።

ሓደ ካብቶም ነታ ሃገር ዘጋጠምዋ ዝኸፍኡ ዝብሃሉ ሓደጋታት ምዃኑ ዝገለጸ ነታንያሁ፡ ካልኣይ ግዜ ከጋጥም ከምዘይብሉ ተዛሪቡ።

ኣብቲ ኣብ እግሪ እምባ ሜሮን ዘጋጠመ ሓደጋ፡ 150 ካልኦት ከምዝቖሰሉ'ውን ተፈሊጡ።

እቲ ጽቕጥቅጥ፡ ገለ ካብቶም ተሳተፍቲ ብጸቢብ መሕለፊ ካብቲ ቦታ ንምውጻእ ኣብ ዝፈተንሉ ብምንሽራታቶም ዝተፈጠረ ምዃኑ ጸብጻባት ሓቢሮም ኣለዉ።

ፌስቲቫል ‘ዘ ላግ ቢኦመር’ ለበዳ ኮሮናቫይረስ ካብ ዘጋጥም ጀሚሩ ኣብታ ሃገር ዝዓበየ ምትእኽኻብ ሰባት ዝተርኣየሉ በዓል ኮይኑ ኣብ እግሪ ጎቦ ሜሮን ተኸቢሩ’ሎ።

ብዓሰርተታት ኣሽሓት ዝቑጸሩ ሰባት ድማ እቲ ዓለማዊ ለበዳ ከየሻቐሎም ኣብቲ በዓል ተረኺቦም።

ድሕቲ እቲ ዘጋጠመ ሓደጋ ብዙሓት ኣምቡላንስ ናብቲ ቦታ ይመላለሳ ከምዘለዋን ብዙሓት ሬሳታት ብጨርቂ ተሸፊኖም ኣብ መሬት ተሰሪዖም ተራእዮም። ፖሊስ ተሳተፍቲ እቲ በዓል ካብቲ ከባቢ ክወጽኡ ይሓትት ኣሎ።

ሰብመዚ እዋን ሓደጋ ከምዝሓበርዎ፡ ኣብ ከቢድ ኩነታት ዘለዉ 38 ሰባት ኣብቲ ቦታ ዝርከቡ ኮይኖም ካልኦት ብኸቢድ ዝቖሰሉ ሽድሽተ ድማ ናብ ሆስፒታል ተወሲዶም ኣለዉ። ብዙሓት'ውን ፎኲስ መቑሰልቲ ኣጋጢምዎም።

ኣብቲ ቦታ ሓደጋ ዝበጽሐ ቀዳማይ ሚኒስተር በንጃሚን ነታንያሁ

ምንጪ ስእሊ, Reuters

መግለጺ ስእሊ, ኣብቲ ቦታ ሓደጋ ዝበጽሐ ቀዳማይ ሚኒስተር በንጃሚን ነታንያሁ እቲ ኣብ እግሪ እምባ ሜሮን ዘጋጠመ ሓደጋ ክጻረ ምዃኑ ገሊጹ

ሰብመዚ እዋን ሓደጋ እስራኤል እቲ ሓደጋ ብሰንኪ ህዱድታ ከምዝተፈጠረ ክሕብሩ ከለዉ ፖሊስ ድማ ገለ ተሳተፍቲ እቲ በዓል ተዓንቂፎም ምስወደቑ ካልኦት ብዙሓት ንክዕንቀፉ ምኽንያት ከምዝኾኑ ኣረዲኡ።

“ኣብ ውሽጢ ቅጽበት’ዩ ኣጋጢሙ፤ ሰባት ወዲቖም፤ ክጸቓቐጡ ጀሚሮም። ከቢድ ሓደጋ ነይሩ” ኢሉ ሓደ ናይ ዓይኒ ምስክር ነቲ ጋዜጣ ኣብ ዝሃቦ ርእይቶ።

ቅድሚ እቲ ሓደጋ ዝተዘርግሑ ጂድዮታት ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ሰባት ኣዝዮም ተጸቓቒጦም የርእዩ።

ሓደ ተሳታፊ ኣብ ዝሃቦ ርእይቶ ሰባት ነቲ ዝተፈጠረ ምጭንናቕ ንከፍኩስዎ ዝሕብሩ መልእኽትታት ብዓውታ ኣብ ዝድመጹሉ እዋን ቦምባ ከምዘሎ ዘጠንቅቓ ሓበሬታ መሲሉ ከምዝተሰምዖ ተዛሪቡ።

ፌስቲቫል ዘ ላግ ቢ’ኦመር እንታይ እዩ?

ኣብቲ ኣብ ዮርሳሌም ዝተኻየደ ስነ-ስርዓት ቀብሪ ዝተሳተፉ ሓዘንተኛታት

ምንጪ ስእሊ, AFP

መግለጺ ስእሊ, ኣብቲ ኣብ ዮርሳሌም ዝተኻየደ ስነ-ስርዓት ቀብሪ ዝተሳተፉ ሓዘንተኛታት

ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ኦርቶዶክስ ኣይሁዳውያን ተሳተፍቲ እቲ ፌስቲቫል ንምዃን ዓመታዊ ናብ ጎቦ ሜሮን ይድይቡ። ነቲ ዓመታዊ በዓል ከኣ ርሽታት ብምውላዕ፣ ብጸሎትን ተልሂትን የድምቕዎ።

እቲ ከባቢ መቓብር ናይቲ ሙኩር ጥበበኛ ኢሎም ዝኣምኑሉ ራባይ ሺሞን ባር ዮቻይ ዝርከበሉ ኮይኑ ሓደ ካብ ቅዱሳት ስፍራታት እዩ ንኣይሁዳውያን።

ታይምስ ኦፍ እስራኤል ከምዝጸብጸቦ ትማሊ ሓሙስ ምሸት 100,000 ሰባት ዝተኣኻኸቡ ኮይኖም ንሎሚ ዓርቢ’ውን ካልኦት ኣሽሓት ክመጽኡ ትጽቢት ይግበር ነይሩ።

ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ብሰንኪ ኮሮናቫይረስ ሰባት ከይተኣኻኸቡ ዝተገደበ እንተነበረ’ውን ኣብዚ ዓመት ግን እስራኤል ዕውትን ቕልጡፍን ብዝኾነ ኩነታት ክታበት ክትህብ ብምኽኣላ ነቶም ዘንበረቶም ገደባት ክተፍኩስ ጀሚራ’ላ።