መጥቃዕቲ ኣየር እስራኤልን ናይ ሚሳይላት ግብረመልሲ ሶርያን

ምንጪ ስእሊ, AFP
ካብ ሶርያ ዝተተኮሰ ጸረ-ነፈርቲ ሚሳይል፡ ኣብ ጥቓ ሓደ ኣብ ደቡባዊ እስራኤል ዝርከብ ምስጢራዊ መደበር ኑሌር ዓሊቡ።
ዓቢ ድምጺ ነትጒ ቅድሚ ምስምዑ፡ ኣብቲ ከባቢ ናይ ተጠንቀቕ ድምጺ ከምዝተሰምዐ ጸብጻባት ሓቢሮም።
እቲ ኣብ ከበቢ ዲሞና ዝተባህለ ቦታ ዝወደቐ ሚሳይል፡ ዘውረዶ መቑሰልቲ ይኹን ዕንወት የለን።
ሰራዊት እስራኤል ከምዝበሎ፡ እቲ ሚሳይል ሓደ ካብቲ ንሓንቲ ነፋሪት እስራኤል ንምህራም ዝተተሱ ሓያሎ ሚሳይላት'ዩ።
ሰራዊት ሶርያ ብወገኑ፡ ሚሳይላት እስራኤል ኣብ ከባቢ ርእሰከተማ ደማስቆ ዝርከቡ ኣገደስቲ ቦታታት ከምዝደብደቡ ገሊጹ።
ዝበዝሑ ካብቶም ሚሳይላት ተሃሪሞም'ኳ እንተወደቑ፡ በቲ መጥቃዕቲ 4 ወተሃደራት ክቖስሉ እንከለዉ፡ "ናይ ንብረት ዕንወት" ከምዘጋጠመ ሓቢሩ።
እስራኤል፡ ብቐጻሊ ኣብ ልዕሊ ኣብ ሶርያ ዝርከቡ ምስ ኢራን ምትእስሳር ኣለዎም ዝበለቶም ዒላማታት መጥቃዕትታት ክትፍጽም ምጽንሓ ይፍለጥ። ንወተሃደራዊ ህላወ ኢራን ኣብ ሶርያ ከምዘይትጻወሮ ድማ ትገልጽ።
እቲ ኣብ ምድረበዳ ነገቭ ዝወደቐ ሚሳይል ሶርያ፡ ኤስ-ኤ-5 (SA-5) ተባሂሉ ዝጽዋዕ ምዃኑ ሰራዊት እስራኤል ጠቒሱ።
እስራኤል ኣብ ደቡባዊ ሶርያ ናይ ኣየር መጥቃዕቲ ኣብ እተካይደሉ ዝነበረት እዋን፡ ከም ዝተተኮሰ'ውን ሓቢሩ።
እቲ ሚሳይል፡ ዒላማኡ ብምስሓት ካብቲ መደበር ኑክሌር 30 ኪሜ ርሒቑ ከምዝወደቐ ተፈሊጡ።
ብመሰረት ዝተገብረ ኣፈናዊ መርመራ፡ ሚሳይላት ስርዓተ-ምክልኻል እስራኤል ኣብ ኣየር ከሎ ጠሊፉ ክሃርሞ ከምዘይክኣለ ተረጋጊጹ።

ምንጪ ስእሊ, EPA
ናይ ሚሳይል ምዃኑ ዝተነግረሉ ፍንጭልጫል ኣብ ኣፍደገ ናይ ሓደ ኣብ ደቡባዊ-ምዕራብ ዲሞና፡ ኣሻሊም ዝተባህለ ቦታ ኣብ ዝርከብ ገዛ ዓሊቡ። ካብቲ ናይ ሶርያ ሚሳይል'ድዩ ወይ ካብ ጸረ-ሚሳይል እስራኤል ግን ዝተፈልጠ የለን።
"ከቢድ ቡም ዝብል ድምጺ ሰሚዐ። ቁሩብ ጸኒሐ፡ እንታይ ከምዝወደቐ ንምርኣይ ናብ ደገ ወጺአ፡ ክረኽቦ ግን ኣይክኣልኩን" ክትብል ነባሪት ናይቲ ከባቢ ዝኾነት ሶንያ ረቪቮ ንሓደ ሃረዝ ዝተባህለ ጋዜጣ'ታ ሃገር ተዛሪባ።
"ንጉሆ፡ ብዓልቤተይ ደገ ክወጽእ ምስ ነገረኒ፡ ፍንጫል ናይ ሮኬት ረኺብና። ዘፍርሕ'ዩ፡ ብዓልቤተይ፡ ክሳብ ምሸት'ዩ ኣብ ኣፍ-ደገና ዝሰርሕ፡ መጠንቀቕታ ኣይነበረን፡ ዋላ ሓንቲ ኣይነበረን" ድማ ትብል።
ሰራዊት እስራኤል፡ ነቲ ሚሳይል ሶርያ ዝተተኮሰሉ መደበርን ካልኦት ሚሳይላት ዝርከብሎም ቦታታትን ብምድብዳብ ግረብመልሲ ከምዝሃበ ሓቢሩ።
"ናይ እስራኤል ጸላኢ፡ ካብቲ ኣብ ትሕቲ ጎበጣ ዝርከብ ጎቦታት ጎላን ናይ ሚሳይላት ማዕበል ብምትኳስ ኣብ ልዕሊ ኣብ ከባቢ ደማስቆ ዝርከቡ ዒላማታት ናይ ኣየር ወራር ፈጺሙ'ሎ። ኣሃዱ ጸረ-ሚሳይል ሰራዊትና፡ ነቶም ሚሳይላት ብምጥላፍ ንዝበዝሑ ኣውዲቑዎም" ክብል ሓደ ወተሃደራዊ ምንጪ ንመንግስታዊ ማዕከን ዜና ሶርያ ተዛሪቡ።
ንኩነታት ሰባዊ መሰላት ዝከታተል ኣብ ብሪጣንያ ዝመደበሩ ጉጅለ ከምዝበሎ፡ ኣብ ዱማይር ዝተባህለ፡ ኣስታት 40 ኪሜ ሰሜናዊ-ምብራቕ ካብ ርእሰከተማ ደማስቆ ዝርከብ መዓስከር ጸረ-ሚሳይል ዒላማ መጥቃዕቲ እስራኤል ከምዝኾነን፡ ሓደ ወተሃደራዊ መኮንን ሶርያ ከምዝተቐትለን ገሊጹ።
ዱማይር፡ መኽዘን ኣጽዋር ናይቶም ብኢራን ዝድገፉ፡ ኣብ ጎኒ ሰራዊት ሶርያ ተሰሊፎም ዝዋግኡ ዕጡቓት ምልሻ ምዃኑ ይእመን።
እስራኤል፡ ኣብቲ ዒላማ መጥቃዕቲ ሶርያ ዝኾነ ዲሞና፡ ኑክሌራዊ ኣጽዋር ከምዝሰርሐት ይግለጽ። ይኹን እምበር፡ እስራኤል፡ ኑክሌራዊ ኣጽዋር ኣለዋድዩ ወይስ የብላን ንዝብል ሕቶ፡ "ዘይንጹርነት" ዝብል ፖሊሲ ብምኽታል ኣይትነጽጎ ኣይትእመነሉ።
እስራኤል፡ ካብቶም ብኢራን ዝድገፉ ሓይልታት ክመጻ ዝኽእል መጥቃዕቲ ብምስጋእ፡ ኣብ ዲሞናን ኣብታ ኣብ ገማግም ቀይሕ ባሕሪ እትርከብ ከተማ ኢላት ዝርከብ ስርዓተ-ምክልኻል ሚሳይላት ከም ዘሐየለቶ ጸብጻባት ይገልጹ።
ኣብ መንጎ'ተን ዓይኒን ሓመድን ዝኾና ኢራንን እስራኤልን ሓያል ወጥሪ ከምዘሎ ይፍለጥ። ኢራን፡ ነቲ ኣብ መጀመርታ'ዚ ወርሒ ኣብ ልዕሊ'ቲ ኣብ ናታንዝ ዝርከብ መደበር ምምዕባል ኑክሌር ዝተኻየደ መጥቃዕቲ እስራኤል ከምዝፈጸመቶ ብምኽሳስ "ሕነ" ክትፈዲ ምዃና ኣጠንቂቓ ነይራ።
እስራኤል ብዛዕባ'ቲ ፍጻመ ዝሃበቶ መግለጺ'ኳ እንተዘየለ፡ ሓደ መደበር ራድዮ እስራኤል ግን፡ እቲ መጥቃዕቲ ብትካል ስለያ ሞሳድ ዝተፈጸመ ስርሒት ምዃኑ ንገለ ምንጭታት ብምጥቃስ ኣቃሊሑ ነይሩ።








![ፊልሞን ሓጎስ፣ ኪዳነ ኣንገሶምን ክብሮም ገብረማርያምን [ካብ ጸጋም ናብ የማን] ኣብ 21 ሚያዝያ 2026 ብሞት ተቐጺዖም](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/2266/live/c9828950-553c-11f1-b682-cf91850925ea.png.webp)




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)
