ጅቡቲ፡ ፕረዚደንት እስማዒል ዑመር ገለ ንሓሙሻይ ግዜ ኣብ ምርጫ ተዓዊቱ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
Published
ፕረዚደንት ጅቡቲ እስማዒል ዑመር ገለ ንሓሙሻይ ግዜ ኣብ ዝተወዳደረሉ ፕረዚደንታዊ ምርጫ 98 ሚእታዊት ብምርካብ ተዓዊቱ።
እንኮ መወዳድርቱ ዝነበረ ዘካርያ ኢስማዒል ፋራህ ድምጾም ካብ ዝሃቡ መረጽቲ ናይ 1.59 ካብ ሚእቲ ጥራይ ክረክብ ከም ዝኸኣለ ተገሊጹ።
ዘካርያ ኢስማዒል ኣባላቱ ኣብ ማእከላት ምርጫ ምንክልባት ይገጥሞም ከም ዘሎ ብምግላጽ ብዓርቢ ድምጺ ከም ዘይህብ ሓቢሩ ነይሩ።
ንከይዲ እቲ ምርጫ ዝመርሐ ሚኒስተር ውሽጣዊ ጉዳያት ኣሕመድ ሼኽ፡ ብዓርቢ፡ 177 ሽሕ መረጽቲ ድምጾም ከም ዝሃቡ ሓቢሩ።
ኣብ ፈለማ ብዝሒ ኣብቲ ፕረዚደንታዊ ምርጫ ድምጾም ንምሃብ ዝተመዝገቡ 200 ሽሕ ምዃኑ ተነጊሩ እዩ።
ኣብዚ እዋን ወዲ 73 ዓመት ኮይኑ ዘሎ እስማዒል ጊለ፡ ካብ 1999 ጀሚሩ እዩ ነታ ሃገር ዝመርሕ ዘሎ።
ብመሰረት ቅዋም እታ ሃገር ንዝቕጽል ሓሙሽተ ዓመታት ነታ ሃገር ክመርሓ እዩ።
ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ኣብ ስትራተጂካዊ ቦታ እትርከብ ብስፍሓታ ንእሽቶ ዝኾነት ጅቡቲ፡ ብዝሒ ህዝባ ትሕቲ ሓደ ሚልዮን ኮይኑ ወተሃደራዊ መዓስከራት ኣሜሪካ፡ ቻይናን ፈረንሳን ዝርከብዎም ሓያላን ሃገራት ይርከባ።
ልዕሊ 14% ደቂ ጅቡቲ ኣብ ሕሉፍ ድኽነት ከም ዝነብሩ፡ ጸብጻባት ባንክ ዓለም የነጽር።







![ፊልሞን ሓጎስ፣ ኪዳነ ኣንገሶምን ክብሮም ገብረማርያምን [ካብ ጸጋም ናብ የማን] ኣብ 21 ሚያዝያ 2026 ብሞት ተቐጺዖም](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/2266/live/c9828950-553c-11f1-b682-cf91850925ea.png.webp)




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)
