ኣዳላዊ መርበብ ሓበሬታ፡ ኣሉታዊ ዜናታት ቤንያሚን ኔታንያሁ ከየሕትም ከምዝተኣዘዘ ገሊፁ

ቤንያሚን ኔታንያሁ

ምንጪ ስእሊ, Reuters

Published

ኣብ ከይዲ ፍርዲ ብግዕዝይና ዝተኸሰሰ ቀዳማይ ሚኒስትር እስራኤል ቤንያሚን ኔታንያሁ ቀዳማይ ምስክር ዝነበረ ኣዳላዊ፡ ብዛዕባ እቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣሉታዊ ዜናታት ከየሕትም ከምዝተኣዘዘ፡ ኣብ መጋባእያ ገሊፁ።

ኣካያዲ ስራሕ መርበብ ሓበሬታ ኢላን የሹዋ ዝነበረ እቲ ምስክር፡ ኣሉታዊ ፅሑፋት ከየሕትም ካብ ምኽልካል ብተወሳኺ፡ ብወናኒ እቲ መርመብ ሓበሬታ ሻውል ኢሎቪትች፡ ንተናሓናሕቲ እቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ዝዘልፉ ፅሑፋት ከሕትም ከምዝተኣዘዘ ተዛሪቡ።

ዓቃቢሕጊ እታ ሃገር፡ ቀዳማይ ሚኒስትር እስራኤል ቤንያሚን ኔታንያሁ፡ ንዕኡ ዝድግፍን ዝንእድን ፅሑፍ ንክሕተም ሚልየናት ዶላራት ዝጠልብ ውሳነ ወሲኑ እዩ ኢሉ፡ ይኸሶ።

ወናኒ እቲ መርበብ ሓበሬታን ቤንያሚን ኔታንያሁን ግና፡ ነዚ ክሲ ኣይተኣመንሉን።

እቲ ብግዕዝይና፣ ምትላልን እምነት ምጉዳልን ብዝብል ዝተኸሰሰ ቀዳማይ ሚኒስትር እስራኤል ቤንያሚን ኔታንያሁ፡ እቲ ክሲ “ሽፋን” ከምዝኾነ ብምግላፅ፡ እቲ ዓቃቢ ሕጊ ንናህቱ መንግስቲ ንምዕላው ዝገብሮ ፈተነ እዩ ኢሉ።

እቶም ክስታት እንታይ እዮም?

እቲ ቀዳማይ ኣብ ልዕሊ ቤንያሚን ኔታንያሁ ዝቐረበ ክሲ፡ ሓደ ጋዜጣ እስራኤል፡ ብዛዕብኡ እወንታዊ ዛንታት ክሕትም ጌሩ ዝብል እዩ።

ፖሊስ፡ እቲ ቀዳማይ ሚኒስትር ጥራሕ ዘይኮነስ፡ ኣዳለውቲ እቲ ሕትመት’ውን ከምዝኽሰሱ እዩ ዝገልፅ።

እቲ ካልኣይ ክሲ ከኣ፡ ኣስታት 300 ሽሕ ዳላር ዝግመት ህያብ፡ ካብ ፍሉጥ ሃብታምን ወናኒ ኩባንያ ፊልም ሆሊውድ ካብ ዝኾነ ኣርኖን ሚልቻንን ካልኦት ደገፍቱን ተቐቢሉ ዝብል እዩ።

ካብ ኣርኖን ሚልቻን፡ ህያባት ሽጋራ፣ ሻምፓኝን ዝተቐበለ ቤንያሚን ኔታንያሁ፡ ኣርኖን ናይ ኣሜሪካ ቪዛ ክረክብ መገድታት ከምዘስተኻኸለ፡ ፀብፃብ ጀሩሳሌም ፖስት ይሕብር።