ልኡል ዮርዳኖስ፡ ሓምዛ ቢን ሑሴን ኣብ ‘ናይ ገዛ መእሰርቲ’ ከምዘሎ ተሓቢሩ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ወራስ-ዙፋን ዮርዳኖስ ነበር፡ ሓምዛ ቢን ሑሴን ንመንግስቲ እታ ሃገር ብምንቃፉ ናይ ገዛ እሱር ክኸውን ከምዝተገበረ ሓቢሩ።
ኣብቲ ብጠበቕኡ ኣቢሉ ናብ ቢቢሲ ዝበጽሐ ቪድዮ፡ ሓው ንጉስ ዓብደላ ዝኾነ ልኡል ሓምዛ ቢን ሑሴን ንመራሕቲ ዮርዳኖስ ብጠልቆምቆም፣ ሰኣኖ ዓቕምን ግፍዕን ይኸሶም።
ኣብ ልዕሊ መራሕቲ እታ ሃገር ዕልዋ መንግስትነት ንምፍጻም ነገር ይኣልሙ ነይሮም ብዝብል ገለ ሰበ ስልጣናት ኣብ ቀይዲ ድሕሪ ምእታዎም እዩ ልኡል ሓምዛ ናይ ገዛ እሱር ክኸውን ተበይኑ ዘሎ።
እንተኾነ ግን ሰራዊት ምክልኻል ዮርዳኖስ ልኡል ሓምዛ ናይ ገዛ እሱር ኮይኑ ንዝብል ሓበሬታ ኣቐዲሙ ነጺግዎ’ዩ።
ይኹን እምበር ሰላምን ምርግጋዕን ናይታ ሃገር ኣብ ሓደጋ ከእቱ ካብ ዝኽእል ዝኾነ ዓይነት ትግባር ክእርነብ ትእዛዝ ከምዝወረዶ’ዩ ዝግለጽ።
ልኡል ሓምዛ ድጋፍ ኣለዎ ተባሂሉ ኣብ ዝዝረበሉ ናይ ዓሌት መራሕቲ ዑደት ድሕሪ ምግባሩ እዩ እቲ ትእዛዝ ወሪድዎ።
ንሱ ዝኾነ ሕማቕ ተግባር ከምዘይፈጸመን ኣካል ፖለቲካዊ ሽርሕታት ከምዘይኮነን ገሊጹ ኣሎ።
እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ ሃገራት ግብጽን ስዑድ ዓረብን ንምሕደራ ንጉስ ዓብደላ ዘለወን ድጋፍ ዝገለጻ ኮይነን፡ ኣንጻር እስላማዊ ጉጅለ እስላሚክ ስቴት ኣብ እተካይዶ ወፍሪ መሻርኽታ ዝኾነት ኣመሪካ ድማ፡ ናይ ንጉስ ዓብደላ ንግስነት ምሉእ ናይ ኣመሪካ ድጋፍ ከምዘለዎ ኣፍሊጣ እያ።






![ፊልሞን ሓጎስ፣ ኪዳነ ኣንገሶምን ክብሮም ገብረማርያምን [ካብ ጸጋም ናብ የማን] ኣብ 21 ሚያዝያ 2026 ብሞት ተቐጺዖም](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/2266/live/c9828950-553c-11f1-b682-cf91850925ea.png.webp)




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)
