ኮሮናቫይረስ: ኣብ ብራዚል ኣብ ወርሒ መጋቢት ጥራይ ልዕሊ 60 ሽሕ ሰባት ሞይቶም

ቤተሰበን ዝቐብራ ዘለዋ ብራዚላውያን

ምንጪ ስእሊ, AFP

Published

ኣብ ብራዚል ኣብ ወርሒ መጋቢት ጥራይ 66,570 ሰባት ብኮሮናቫይረስ ከምዝሞቱ ተገሊጹ፡፡

ብዝሒ ሞት ወርሒ መጋቢት ምስ ወርሒ ለካቲት እንትነጻጸር ብልዕሊ ዕጽፊ እዩ ወሲኹ ዘሎ፡፡

ስርዓተ ጥዕና ብራዚል ብሰንኪ እቲ እናወሰኸ ዝመጸ ለብዒ ለበዳ ኮሮናቫይረስ ኣዝዩ ተዳኺሙ ምህላዉ ጸብጻባት ይሕብሩ፡፡

ፕረዚደንት ጄይር ቦልሶናሮ፡ ውሕሉል ብዘይኮነ ኣተሓሓዛ እቲ ለበዳ ክውቀስ ዝጸንሐ ኮይኑ፡ ኣብዚ ሰሙን ድማ ነቲ ኣካይድኡ ዘይደገፉ ሚኒስተራት ዝርከብዎም ላዕለዎት ሓለፍቲ ካብ ስረሖም ተሰናቢቶም ኣለዉ፡፡

ቦልሶናሮ ግን ትማሊ ረቡዕ እውን፡ ኣመሓደርቲ ግዝኣታትን ከንቲባታትን ንዝወሰድዎ ስጉምቲታት ዕጽዋ ተቓዊሙዎ ኣሎ፡፡

‘‘ሓቂ እዩ፡ ክልተ ጸላእቲ ነይሮምናን ኣለዉናን፤ እቲ ቫይረስን ሸቕለት ኣልቦነትን፡፡ እዞም ጸገማት ግን ኣብ ገዛ ኮፍ ስለዝበልና ኣይንፈትሖምን’’ ክብል እቲ ፕረዚደንት ይምጉት፡፡

ኣብ ብራዚል ትማሊ ረቡዕ ጥራሕ፡ 3,800 ሰባት በቲ ቫይረስ እንትሞቱ፡ ልዕሊ 90 ሽሕ ሓድሽ መልከፍቲ ተመዝጊቡ፡፡

ኣብታ ሃገር ዝምዝገብ ዘሎ መዓልታዊ መጠን ሞት፡ ርብዒ ናይቲ ኣብ መላእ ዓለም መዓልታዊ ዝምዝገብ ዘሎ ሞት ዝሽፍን እዩ፡፡

ኮሮናቫይረስ ኣብ መወዳእታ 2019 ንመጀመርታ ግዜ ኣብ ቻይናዊት ዞባ ሁበይ ከተማ ውሃን ተራእዩ ምንባሩ ይዝከር።

ቻይና ኣቐዲማ ተረርቲ ዕጽዋታት ብምእዋጅን ህዝባዊ መርመራ ብምግባርን ነቲ ለበዳ ቀልጢፋ ክትቆጻጸሮ ክኢላ እያ።

ክሳብ ሎሚ ብደረጃ ዓለም ልዕሊ 127 ሚልዮን ሰባት ብኮሮናቫይረስ ክልከፉ እንከለዉ፡ ብሰንኪ እዚ ቫይረስ ዝሰዓበ ሞት ልዕሊ 2.7 ሚልዮን በጺሑ ኣሎ።

ኮሮና