ለበዳ ኮሮናቫይረስ ዘስገአን ፈረንሳይን ፖላንድን ኣብ ምንቅስቓስ ክልከላታት ገይረን

ምንጪ ስእሊ, EPA
ኣብ ፈረንሳይን ፖላንድን፡ ካብ ቀረባ ሰሙናት ጀሚሩ ዝርገሐ ለበዳ ኮሮናቫይረስ እናወሰኸ ስለዝመጸ፡ እተን ሃገራት ናይ ምንቅስቓስ ክልከላታት ኣንቢረን።
እዚ ክልከላታት ድማ፡ ንፓሪስ ሓዊሱ ኣብ 16 ከባብታት ንዝነብሩ 16 ሚልዮን ሰባት ምንቅስቓሳቶም ዝጸሉ እዩ።
ፈረንሳይ፡ ሰልሳይ ዙር ደግሲ መልከፍቲ ኮሮናቫይረስ ከየጋጥማ ሰጊኣ ኣላ።
ፖላንድ ድማ፡ ኣገደስቲ ዘይኮኑ ድኳናት፣ ሆቴላት፣ ማእከላት ባህልን ስፖርትን ንሰለስተ ሰሙን ዓጽያ'ላ።
እታ ሃገር፤ መዓልታዊ ልዑል መጠን መልከፍቲ ኮሮናቫይረስ ተመዝግብ ምህላዋ እያ ትገልፅ።
ብተመሳሳሊ ኣብ ጀመርመን'ውን መልከፍቲ ኮሮናቫይረስ እናወሰኸ ይመጽእ ኣሎ። መራሒት ጀርመን ኣንጌላ ሜርክል እገዳ ምንቅስቓስ ተሽከርከርትን ዕጽዋን ክተንብር ከምእትኽእል ኣጠንቂቓ'ላ።
ኣብ ሃገራት ሕብረት ኣውሮጳ፡ ክታበት ኮሮናቫይረስ ከም'ቲ ዝተሓሰበ ኣይሰለጠን። ኣብ ገለ ሃገራት ቀረብ ክታበት ስለዝደንጎየ፡ ኣብ ካልኦት ድማ ነቲ ናይ ኦክስፎርድ ኣስትራዜኒካ ክታበት ጸገም ጥዕና የስዕብ እዩ ብዝብል ስግኣት ስለዝተኣገደ ዕንቅፋት ኣጋጢሙዎ'ሎ።
ኣብ ፈረንሳይን ፖላንድን ዘሎ ኩነታት እንታይ ይመስል?
ኣብ ፈረንሳይ፡ ብኽፋል ዝተነብረ ምእጋድ ምንቅስቓሳት ካብ ዓርቢ ጀሚሩ ተግባራዊ ኮይኑ'ሎ።
እንተኾነ፡ እቲ ዝተነብረ ዕጽዋ፡ ከም'ቲ ናይ ቅድሚ ሕዚ ዝተረረ ኣይኮነን ተባሂሉ።
ሰባት ካብ ገዝኦም ወጺኦም ኣካላዊ ምንቅስቓስ ክገብሩ ይፍቀደሎም።
ኣገደስቲ ዘይኮኑ ትካላት ተዓጽዮም እዮም፤ ኣብያተ ትምህርቲ ከምኡ ድማ እንዳ ቀምቀምትን መሸጥትን ጸጉሪ ግን መምርሕታት ሓልዮም ክፉታት ኮይኖም ክቕጽሉ ምዃኖም ተገሊጹ።
ሓበሬታ ዩንቨርሲቲ ጆንስ ሆፕኪንስ ከምዘርእዮ፡ ኣብ ፈረንሳይ ዛጊድ ልዕሊ 4.2 ሚልዮን ሰባት በቲ ቫይረስ ዝተለኸፉ ኮይኖም 92 ሽሕ ሰባት ድማ ሞይቶም።
ኣብ ፖላንድ፡ እቲ ንሰለስተ መዓልቲ ዝጸንሕ ክልከላታት ሎሚ ቀዳም እዩ ዝጅምር።
ኣብ ብሪጣንያ ዝተረኸበ ሓድሽ ዓሌት ኮሮናቫይረስ ኣብ ፖላንድ'ውን ስለዝተርኣየ፡ እገዳታት ምግባር ኣድላዪ ምዃኑ ሰበስልጣን እታ ሃገር ገሊጾም ነይሮም።
ሓበሬታ ዩንቨርሲቲ ጆንስ ሆፕኪንስ ከምዘርእዮ፡ ኣብ ፖላንድ ዛጊድ ልዕሊ 2 ሚልዮን ሰባት በቲ ቫይረስ ዝተለኸፉ ኮይኖም ኣስታት 49 ሽሕ ሰባት ድማ ሞይቶም።
ጀርመን፡ ብሰንኪ ኮሮናቫይረስ ካብ ፖላንድ ንዝመጹ ገያሾ ብጥቡቕ ክትቆጻጸር ጀሚራ'ላ።
ካብ ጽባሕ ሰንበት ጀሚሩ ድማ፡ ካብ ፖላንድ ናብ ጀርመን ዝጓዓዙ ገያሾ፡ ካብ ኮሮናቫይረስ ናጻ ከምዝኾኑ ዘርእይ ናይ ሕክምና ወረቐት ከርእዩ ክግደዱ እዮም።







![ፊልሞን ሓጎስ፣ ኪዳነ ኣንገሶምን ክብሮም ገብረማርያምን [ካብ ጸጋም ናብ የማን] ኣብ 21 ሚያዝያ 2026 ብሞት ተቐጺዖም](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/2266/live/c9828950-553c-11f1-b682-cf91850925ea.png.webp)




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)
