ኣመሪካ፡ ኣብ ነቫዳ ዘበናዊት ከተማን ዞባዊ ምምሕዳርን ክሃንጽ ዝዳሎ ዘሎ ሚልዮነር

መስራቲ ብሎክችንስ፡ ጀፍሪ በርንስ

ምንጪ ስእሊ, BLOCKCHAINS

Published

መስራቲ ብሎክችይንስ፡ ጀፍሪ በርንስ፡ ብንግዲ ኪፕቶካረንሲ ብዝረኸቦ ዕድልን ሃብትን ኣብ ኔቫዳ ዘበናዊት ከተማ ንምህናጽ ይሸባሸብ ኣሎ።

እቲ ሚልዮነር ዘቕረቦ፡ ንብዙሓት ዝጸለወ ሓሳብ፡ ኣብቲ ዝውንኖ መሬት ዞባዊ መንግስቲ ንኪምስረት ዘኽእል ሱር በተኻዊ ፈተነ ምዕባለ የካይድ ኣሎ።

ብዙሓት ኣሚኖም ኣለው - እቲ ሕጂ ዘሎ ብደሆ ንሓንጎል እቶም ምንም ዘይረኣዮም (ዩቶፕያ) ተጠራጠርቲ ምእማን እዩ ይብል በርነስ።

እቲ ካብ ጥንታዊ ግሪኽኛ ዝተራዕመ 'ዩቶፒያ' ዝብል ቃል፡ 'ዘየሎ ቦታ' ሓሳባዊ ወይ ሕልማዊ ዝብል ትርጉም ኣለዎ።

ወናን ኩባንያ ሶፍትዌር ብሎክችንስ ሚስተር በርናስን፡ ኣብቲ ቦታ፡ ሓደ ፍልይ ዝበለ ነገር ከምዝፍጠር ይኣምን።

ሚስተር በርንስ ነቲ ኣብ ኣውራጃ ስቶረይ ኔቫዳ ዝርከብ ኣስታት 67,000 ኤከር (271 ስኬር ኪ/ሜ) ዝስፍሓቱ በዱ መሬት ኣብ 2018 ብ 170 ሚልዮን ዶላር እዩ ዓዲጉዎ ።

ኣብቲ ቦታ፡ ካብ ኢንተርነት እተበገሰት "ዘበናዊት ከተማ" ከማዕብል ተስፋ ይገብር ።

እቲ ስሉም ከውሒ እተሰምየ፡ ከም መንበርን ናይ ንግድን ኣባይቲ፡ ኣብያተ ትምህርቲ፡ ትካላትን ንግድን ሸቐጥን ዘማልእ ምስልን መሳለጥያን ሓንቲ ምዕብልቲ ከተማ ዘማልእ፡ ብመርበባት ዝተላገበ ከተማ እዩ ክኸውን።

እቶም ነበርቲ፡ በቲ ብኤለትሮኒካዊ ሪፕቶካረንሲይ "ዝፍለጥ ቴክኖሎጂ ማዕከን መተዓዳደጊ" ነቲ ኣብታ ከተማ ዘሎ ኣገልግሎት ይጥቀሙሉ።

ኣብ ቊጠባ ዓለም እንታይ ዓይነት ተራ ክህልዎ እዩ?

ኣብ ዝሓለፈ ዓመት እዚ ውጥን ክግለጽ እንከሎ፡ እታ ከተማ፡ ልዕሊ 36,000 ተቐማጦ፡ 15,000 ኣባይትን 11 ሚልዮን ስኬር ኪ/ሜ ናይ ንግድ ቦታን ክህልዋ እዩ።

ኣብ መስርሕ ከኣ እታ ከተማ ዓመታዊ 4.6 ቢልዮን ዶላር ኣመሪካ ኣታዊ ክህልዋ ዝብል ሕልሚ እዩ ዘሎ።

እቲ ነገር ክውን ክኸውን እንተኾይኑ ከኣ እታ ከተማ፡ ቀረጽ ዝእክብ፡ ሕጊ ዘኽብር፡ ከም ኣብያተ ትምህርትን ሕክምናን፡ ኣቕሑን መጓዓዝያን ዝኣመሰሉ ህዝባዊ ኣገልግሎታት ዝቕርብ ሓድሽ ሞዴል ዞባዊ መንግስቲ ክድልያ እዩ ኢሉ ሚስተር በርንስ።

"እቲ ቦታን ግብራዊ ንኪኸውን ናይ ምትዕጽጻፍ ዕድልን እንተልዩና ከነማዕብሎ እንኽእል ኣዝዩ ብዙሕ ጽቡቕ ነገር ኣሎ" ክብል ንቢቢሲ ተዛሪቡ።

ማስተር ፕላን እታ ከተማ

ምንጪ ስእሊ, BLOCKCHAINS

ኣብ ኔቫዳ ብሎክች ዝውነን መሬት ዘርኢ ስእልታት

ነዚ ራእይ እዚ ብዴሞክራት ኣመሓዳሪ ኔቫዳ ስቲቭ ሲሶላክ ተቐባልነት ረኺቡ ኣሎ።

ኣብ ዝቕጽል ሒደት ኣዋርሕ፡ ብሎክችን ካልኦት ኩባንያታትን ኣብታ ግዝኣት፡ ናይ ገዛእ ርእሳ ምምሕዳር ዘለዋ "ናይ ምህዞታት ዞባ" ክትፍጠር ዘኽእል ሕጊ ከመሓላልፍ ክጽዕር እዩ ።

ኣብቲ 50 ሽሕ ሄክታር መሬት ኣስታት 1.25 ቢልየን ዶላር ኣመሪካ ወፍሪ ክካየድ እዩ።

እቲ ቦታ ኣመሓዳሪ ብዝሸሞም ሰለስተ ተቘጻጸርቲ ክረአ እዩ። እቲ ተቖጻጻሪ ቦርድ ኣብቲ ቦታ 100 ተቐማጦ ምስ በጽሑ ብሕጊ መንግስቲ እታ ግዝኣት ምርጫ ክካየድ እዩ።

ሚስተር ሲሶላክ፡ እታ ንሰመያዊ ሰማይ እትውክል ናይ ፈጠራ ዘበናዊት ከተማ፡ ድሕሪ ለበዳ ኮቪድ ምውድኡ ንኔቫዳ ቁጠባዊ ቱሪዝም ከምዝፈጥረላ ይዛረብ።

እቲ ኣመሓዳሪ ኣብ ለካቲት ኣብ ዝገበሮ መደረ "እዚ ዓብዪ ሓሳብ እዩ። ከተማና እውን ዓቢ ነገር ምሕሳብ ኣየፍርሓን እዩ" ኢሉ።

እቲ ብሎክቸይን እተሰምየ ካምፖኒ፡ እታ ዘበናዊት ከተማ ክትመስል እትኽእል ምስሊ ዘርኢ ንድፊ ብስነ-ጥበባዊ ኣገባብ ኣቕሪቡዎ ኣሎ።

ዓቢ ሓሳብ ብዙሕ ገንዘብ ይሓትት እዩ። ብሎክ ቸይን ሲሶላክን ክወዳደር እንከሎ፡ ኣስታት 60,000 ዶላር ኣመሪካ ወፈያ ገይሩ ነይሩ።

እዛ ኩባንያ እዚኣ፡ ካብ ፈለማ ኣትሒዛ ፡ ምስ ሕግታት እቲ ኣመሓዳሪ ኣጸቢቓ እተኣሳሰረት እያ ትመስል። እቲ ሕጊ ነታ ዘበናዊት ከተማ ንምህናጽ ዝተሰርሐ ፕሮጀክት እዩ ዝመስል ።

ኣብ ኣመሪካ ንፖለቲካዊ ውድድር ገንዘብ ምልጋስ ልሙድ እኳ እንተኾነ እቲ ድርኺት ግን ሕቶታት የስዕብ እዩ።

ማስተር ፕላን እታ ከተማ

ምንጪ ስእሊ, BLOCKCHAINS

እሞኸ፡ ድሕሪ እዚ ፕሮጀክት እንታይ ፍልስፍና ኣሎ?

"ጸረ መንግስቲ ኣይኰንኩን። ግና፡ መንግስቲ ኣብ ኣፍንጫና እናተወተፈ ምስራሕ ኪሉኡና። ዓበይቲ ትካላት ንግዲ ኣመሪካ (ኮርፐረይት) እውን ካብቲ መንግስቲ ንላዕሊ ዝገደዱ እዮም። ስለዚ፡ እዞም ትካላት ክዓናቕፉሉ ዘይክእሉ ቦታ ክፈጥር እየ ዝጽዕር ዘለኹ" ኢሉ ነቲ ሐሳብ ዘበገሰ ሚስተር በርንስ ።

"ንሳቶም" ንሚስተር በርነስ፡ "መሃዝነት ዝዕንቅፉ ኣብ ንሓደጋ ክቃልዑ ዘይደልዩ ፖለቲከኛታት እዮም። ወይ ከኣ ዝኣከብናዮ ዳታ ንረብሓ ዝሸጡ ብዙሓት ናይ ቴክኖሎጂ ትካላት ኣለው። ንሳቶም እውን ኩሎም ዕንቅፋት እዮም" ኢሉ።

ብሎክቸይን፡ ሚስተር በርንስ እቲ መጻኢ ክንፈጥር ይሕግዘና ኣሎ ክብል ይምጕት። ብሎክቸይን፡ ብመርበብ ኮምፕዩተር ኣቢሉ ሓበሬታ ዝምዝግብ ኤለክትሮኒካዊ መሳርሒ እዩ።

ዝኾነ ናብቲ ማዕኸን ዳታ መእተዊ ፈቓድ ዘለዎ ሰብ ኣትዩ ሓበሬታ ንኽርኢ የፍቅድ እዩ። ሓበሬታ ክቕይር ግን ኣየፍቅድን።

ብሎክቸይን ፈለማ፡ ኣብ ከም ቢትኮይን ዝኣመሰለ ክሪፕቶክከረንሲ ንዝግበር ትውጊት ሕሳባት ንምክትታል እዩ ተማሂዙ ። ይኹን እምበር ሕጂ ፡ ኣብ ከም ድምጺ ምርጫ ምምዝጋብን ቀረብ መግቢ ንምክትታልን ዝኣመሰለ መዓላ ውዒሉ ኣሎ።

ነቫዳ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ኣብታ ሚስተር በርንስ ዝሓስባ ዘሎ ዘበናዊት ከተማ፡ ተቐማጦኣ ንመብዛሕትኡ ጕዳያቶም ኣብ ቅጥዕታት ብላክቸይን እዮም ዝምዝግቦዎ።

ከም ባንክታት ዝኣመሰሉ "ኣብ ማእከል ዘሳልጡ ትካላት" ኣየድልዮምን እዩ። እቶም ተቐማጦ እታ ዘበናዊት ከተማ ብክልሰ ሓሳብን ብኤለክትሮኒካዊ መሳርሒታትን ተጠቒሞም ንሓበሬታታቶም ክቆጻጸሩዎ እዮም።

"ነገራት ዳግም እንሓስበሉ ቦታ ክፈጥር እየ ዝደሊ። ንደሞክራሲ ዴሞክራሲያዊ ክንገብረሉ እንኽእል ስርዓት ኢና ክንፈጥር ንደሊ"ይብል ሚስተር በርንስ።

እቲ ሓሳብ ብኸመይ ኣብ ግብሪ ከም ዝውዕል፡ ዝርዝር ነጥብታት ብሰእሊ ተሳኢሉ ኣሎ። ብዛዕባ እታ ከተማ ጥራይ ዘይኰነስ፡ ብዛዕባ እቲ ማይን ጸዓትን መጓዓዝያን ዝተገብረ መሰናድኦ እውን ብዙሕ ዝፍለጥ ኣይኰነን ። ልዕሊ ኵሉ ከኣ፡ መብዛሕትኡ እቲ ንኸተማ ዘድሊ ምልክታታት ገና ኣይተማህዘን ።

ብ2 መጋቢት፡ መራሕቲ ናይታ ዘበናዊት ከተማ ክስርሓላ እዩ ዝተባህለት ኣውራጃ ብሎክችንስ ኣብ ዝውነን መሬት "ንበይኑ ዝመሓደረሉ ዞባዊ መንግስቲ" ንኸይምስረት ክቃወሙ ወሲኖም ።

ኣፈኛ ኦስቦርን ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ እቶም መራሕቲ ንምምስራት እታ ዘበናዊት ከተማ ከም ዝደገፍዎ ፡ ነቲ 'በይናዊ ምሕደራ' ግን ባህ ከምዘይበሎም ገሊጹ ኣሎ ።