ናብ ሽቓቕ ዝኣተወት ስልኪ ከውጽኣሉ ንተምሃራዩ ዘገደደ መምህር ተቐጺዑ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
Published
ንወዲ 11 ዓመት ተምሃራዩ ናብ ናይ ሽቓቕ ጉድጓድ ዝኣተወት ስልኪ ከውጸኣሉ ኣገዲዱ ዝብል ክሲ ዝቐረበሉ ደቡብ ኣፍሪቃዊ ርእሰ መምህር ካብ ስርሑ ተኣጊዱ።
እቲ መምህር ንተምሃራዩ፡ ብገመድ ኣሲሩ ናብ’ቲ ናይ ሽቓቕ ጉድጓድ ክኣቱ ዝገበሮ ኮይኑ፡ ነታ ስልኪ ምስኣውጸኣሉ 200 ራንድ (14 ዶላር) ከምዝህቦ ቃል ኣትዩሉ ነይሩ ተባሂሉ።
በዚ ምኽንያት፡ ነቲ ተምሃራይ መማህርቱ ክድህልዎ ስለዝጀመሩ ናብ ቤት ትምህርቲ ምኻድ ከምዝፈርሐ ስድርኡ ይገልጹ።
ቤት ጽሕፈት ትምህርቲ ናይ’ቲ ከባቢ፡ ብዛዕባ’ዚ ጉዳይ ምስሰምዐ “ሓፊረ” ክብል ንታይምስ ላይቭ ዝተብሃለ ሚድያ ተዛሪቡ።
ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ፡ ኣብ ልዕሊ ጉድጓድ ዝስራሕ ሽቓቕ ምጥቃም ልሙድ እዩ።
ሓላፊ ትምህርቲ ዞባ ምብራቓዊ ኬፕ ፉንዲሌ ጋዴ፡ ነቲ ናይ’ቲ መምህር ተግባር “ልዕሊ ነውሪ” ክብል ገሊጽዎ።
እቲ ሓላፊ ይቕርታ ክሓትት ናብ ስድራ እቲ ተምሃራይ ብኣካል ክኸይድ ምዃኑ’ውን ንጋዜጠኛታት ተዛሪቡ።
ኣብ ልዕሊ እቲ ርእሰ መምህር ተወሳኺ ስጉምቲ ንምውሳድ ድማ ምጽራይ ይግበር ኣሎ ተባሂሉ።








![ፊልሞን ሓጎስ፣ ኪዳነ ኣንገሶምን ክብሮም ገብረማርያምን [ካብ ጸጋም ናብ የማን] ኣብ 21 ሚያዝያ 2026 ብሞት ተቐጺዖም](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/2266/live/c9828950-553c-11f1-b682-cf91850925ea.png.webp)




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)
