ኣብ ኒጀር ልዕሊ 50 ሰባት ተቐቲሎም

Published

ኣብ ኒጀር ጥቃ ዶብ ማሊ ብዝተፈፀመ መጥቃዕቲ፡ ብውሑዱ ኣስታት 58 ሰባት ከምዝተቐተሉ መንግስቲ ኣፍሊጡ።

ሓደ ዕጡቕ፡ ካብ ዞባ ቲላበሪ ኣብ ዕዳጋ ዝወዓሉ ሰባት ሒዘን ይምለሳ ኣብ ልዕሊ ዝነበራ ኣርባዕተ መኻይን ተኹሲ ከምዝኸፈተ ተገሊፁ።

ዛጊድ ነቲ ትማሊ ሰኑይ ዝተፈፀመ መጥቃዕቲ፡ ሓላፍነት ዝወሰደ ኣካል የለን።

እንተኾነ፡ ኣብዚ እዋን ኣብ ኒጀር፡ ኣብ ምዕራባዊ ክፍሊ እታ ሃገር ጥቓ ማሊን ቡርኪናፋሶን፡ ከምኡ’ውን፡ ኣብ ደቡባዊ ምብራቕ እታ ሃገር ምስ ናይጄርያ ኣብ ዘዳውብ ቦታን፡ ዝንቀሰቓሱ ክልተ ጂሃዳውያን ሓይልታት ኣለዉ።

መንግስቲ ኒጀር፡ ብተሌቬዥን እታ ሃገር ኣብ ዘመሓላለፎ መግለፂ፡ “ዕጡቓት ጉጅለታት፡ ዛጊድ መንነቶም ዘይተፈለጡ ውልቀሰባት፡ ካብ ባኒባንጎ ሰሙናዊ ዕዳጋ ጌሮም፡ ናብ ቺነዶጋርን ዳረይ ዳየን ይምለሱ ንዝነበሩ ተጓዓዝቲ ደው ብምባል መጥቃዕቲ ፈፂሞም።

በዚ ኣረሜንያዊ መጥቃዕቲ 58 ሰባት ሞይቶም፣ ሓደ ተጎዲኡ፣ ብርክት ዝበለ ኣስቤዛን ክልተ መኻይንን ድማ ተቓፂለን” ኢሉ።

መንግስቲ ኒጀር፡ ካብ ሎሚ ረቡዕ ዝጅምር፡ ናይ ሰለስተ መዓልታት ሓዘን ኣዊጁ ኣሎ።

ህዝቢ ብንቕሓትን ቆራፅነትን፡ ብኩሉ መዳይ ብዘይንሕስያ ነዞም ገበነኛታት ክቃለስ ድማ መንግስቲ ኒጀር ፀዊዑ።

ሓደ ነባሪ ንኤኤፍፒ ኣብ ዝሃቦ ቃል፡ እዚ መጥቃዕቲ ናብ ቺነዶጋር ትጓዓዝ ኣብ ልዕሊ ዝነበረት ኣውቶብስ ከምዝተፈፀመን፡ ኣስታት 20 ሰባት ከምዝተቐተሉን ገሊፁ።

ካልእ ነባሪ ድማ፡ እቶም ግዳያት፡ ኣብ ጥቓ ዶብ ማሊ ኣብ ዝርከብ ባኒባንጉ ተባሂሉ ኣብ ዝፅዋዕ ፍሉጥ ዕዳጋ ይተዓዳደጉ ዝነበሩ ምዃኖም ሓቢሩ።