ፕረዚደንት ኣርጀንቲና ዝተሳፈረላ መኪና ካብ ተቓወምቲ መጥቃዕቲ በጺሕዋ

ምንጪ ስእሊ, Reuters
ኣብ ግዝኣት ፓታጎኒያ፡ ብዙሓት ተቓወምቲ፡ ንፕረዚደንት ኣልቤርቶ ፌርናንዴዝ ዝሓዘት መኪና ከምዘጥቅዑ ተገሊፁ።
ኣብ ደቡባዊ ኣርጀንቲና ግዝኣት ቹቡት ኣብ ዝርከብ ሓደ ማእኸል ማሕበረሰብ ዑደት የካይድ ዝነበረ እቲ ፕረዝደንት፡ ሃንደበት ብተቓወምቲ ተኸቢቡ።
እቶም ዝተኣከቡ ተቓወምቲ ናብ መኪና እቲ ፕረዝደንት እምኒ ብምድርባይ፡ ንመኪና እታ ፕረዚደንት ካብቲ ማእኸል ክትወፅእ ዘገደዱ እንትኾኑ፡ እታ መኪና’ውን ጉድኣት በፂሕዋ።
ፕረዝደንት ኣልቤርቶ ፌርናንዴዝ፡ ነቲ ህይወት ሓደ ሰብ ዝበልዐን፡ ብዙሓት ዝጎድአን ኣብቲ ከባቢ ዘጋጠመ ባርዕ፡ ንምዕዛብ እዩ፡ ናብቲ ከባቢ ኣምሪሑ።
እንተኾነ፡ ኣብ ግዝኣት ቹቡት ክካየድ እዩ ዝተብሃለ ዕደና መኣድን፡ ጠንቂ እዚ ተቓውሞ ከምዝኾነ እዩ ዝግለፅ።
እቶም ተቓወምቲ፡ መንግስቲ፡ ንዓበይቲ ዓደንቲ መዓድን ፍቓድ ንምሃብ ረቂቕ ምውፅኡ ክቃወሙ ፀኒሖም እዮም።
እቲ ከባቢ ብመዓድናት ወርቂ፣ ብርን ዩራንየምን ሃፍታም ከምዝኾነ ይግለፅ።
ኣብቲ ዕግርግር ዝነበሮ ቦታ ዝተቐረፁ ተንቀሳቐስቲ ምስሊ፡ እቲ ፕረዚደንት ካብቲ ማእከል ማሕበረሰብ ወጺኡ፡ ናብ መኪንኡ ከምርሕን፡ እቶም ተቓወምቲ ድማ፡ በሪ እቲ ማእከል ከቢቦምን ይረኣዩ።
እቶም ተቓወምቲ ነታ እቲ ፕረዚደንት ዝተሳፈረላ መኪና ክወቕዑን ከይንቀሳቐስ ክዓግቱን’ውን፡ ተራእዮም።
ገለ ተቓወምቲ ከኣ ናብ መስትያት እታ መኪና እምኒ ክድርብዮ ተራእዮም።
ዋላ’ኳ ነቲ ፕረዝደንት ኣሳፊራ ዝነበረት መኪና ነቶም ተኣኪቦም ዝነበሩ ተቓወምቲ ሰጊራ ምሕላፍ እንተኽኣለት፡ መሳኹቲ እታ መኪና ግና ተሰባቢሮም እዮም።
ኣብ ኣርጀንቲና ግዝኣት ፓታጎኒያ ብሰንኪ ዘጋጠመ ባርዕ፡ ብዙሓት ካብ መረበቶም ዝተመዛበሉ እንትኾኑ፡ ብውሑዱ 200 መንበሪ ኣባይቲ’ውን ዓንዮም እዮም።
ኣብ ገለ ከተማታት ድማ፡ ኣገልግሎት ሓይሊ ኤሌክትሪክን ማይን ተቛሪፁ እዩ።
ዋላ’ኳ ዛጊድ ጠንቂ እዚ ባርዕ እንተዘይተፈለጠ፡ ሚኒስተር ውሽጣዊ ጉዳያት ኣርጀንቲና ግና፡ እዚ ባርዕ ኮነ ተባሂሉ ዝተፈፀመ ከምዝኾነ እዩ ዝኣምን።






![ፊልሞን ሓጎስ፣ ኪዳነ ኣንገሶምን ክብሮም ገብረማርያምን [ካብ ጸጋም ናብ የማን] ኣብ 21 ሚያዝያ 2026 ብሞት ተቐጺዖም](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/2266/live/c9828950-553c-11f1-b682-cf91850925ea.png.webp)




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)
