እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ኣመሪካዊ ጥርጡር ናዕቢ 'ካፒቶል' ካብ ኬንያ ምስ ተጠረዘ ኣብ ቀይዲ ኣትዩ
ኣብ'ቲ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ጥሪ ኣብ ህንጻ ባይቶ ኣመሪካ [ካፒቶል] ዝተኸስተ ናዕቢ ብምስታፍ ዝተጠርጠረ ኣመሪካዊ፡ ካብ ኬንያ ምስ ተጠረዘ፡ ኣብ ከተማ ኒውዮርክ ኣብ ቀይዲ ኣትዩ: ናብ ቤት ፍርዲ ቀሪቡ።
ወዲ 32 ኢሳቅ ስቶርጆን፡ ኣብ ግዝኣት ሞንታና ነባሪ ከተማ ዲሎን ኮይኑ፡ ኣብ 'ቲ ዝሓለፈ ቀዳመ-ሰናብቲ ኣብ መዕርፎ ነፈርቲ ጀይ-ኤፍ-ከይ እዩ ፈደራላዊ ትካል መርመራ (ኤፍ-ቢኣ-ይ) ኣብ ቀይዲ ኣእትዩዎ።
እቲ ጥርጡር ሸውዓተ ዝተፈላለዩ ክሲታት ዝተመስረቶ ኾይኑ፡ ዝሃሲ ነገራት ናብ ኣባላተ ፖሊስ ምድርባይ ይርከቦ።
እንተኾነ፡ ትማሊ ሰኑይ፡ 250 ሽሕ ዶላር [ቦንድ] ብምኽፋል ብዋሕስ ካብ ቀይዲ ወጺኡ ኣሎ።
እቲ ኣብ ዋሺንግተን ዲሲ ዝርከብ ህንጻ ባይቶ ኣመሪካ ዘዕለቕለቐ ናዕቢ፡ ብ6 ጥሪ ዝተፈጸመ ኾይኑ፡ ብደገፍቲ ፕረዚደንት ኣመሪካ ነበር ዶናልድ ትራምፕ ዝተወደበ ምዃኑ ዝዝከር እዩ።
እቲ መጥቃዕቲ ንፖሊስ ሓዊሱ ህይወት ሓሙሽተ ሰባት ክሓልፍ ምኽንያት እንትኸውን፡ ንዓንድታት ዲሞክራሲ ኣመሪካ ዘነቓነቐ ፍጻመ ኮይኑ'ውን ሓሊፉ።
ብዛዕባ እቲ ጥርጡር እንታይ ንፈልጥ?
ትማሊ ሰኑይ ኣብ መጋባእያ ኒውዮርክ ዝቐረበ እቲ ጥርጡር፡ ካብ ጥሪ 24 ጀሚሩ ኣብ ኬንያ ጸኒሑ።
ኣብ ወርሒ ሚያዝያ ድማ ናብ ኣመሪካ ክምለስ ትልሚ ከምዝነበሮ ካብ ቤት ፍርዲ ዝተረኽቡ ሰነዳት የመላኽቱ።
እንተኾነ፡ ኤፍቢኣይ ናይ ማእሰርቲ ትእዛዝ ምስ ኣውጸአ፡ መንግስቲ ኬንያ፡ ንሚስተር ስተርጎን ናብ ሃገሩ ጠሪዝዎ።
እቲ ጥርጡር ናብ ኬንያ ቅድሚ ምምርሑ፡ ንገለ ሰባት 'ይድለ ድየ' ዝብል መልእኽቲ ጽሒፉ ከምዝነበረ፡ ዋሺንግንተን ፖስት ንዓቀብቲ ሕጊ ብምጥቃስ ጸቢጺቡ።
እቶም ዓቀብቲ ሕቲ፡ እቲ ውልቀሰብ ንድሕንነት በረራ'ውን ስግኣት ከምዝኾነ እዮም ዝምጉቱ።
እቲ ውልቀሰብ ናብ ሃገረ ኬንያ ዝገሸ ከምቲ ልሙድ ደጋጊሙ ዝኸዶ ደኣምበር ከምልጥ ሃቂኑ ከምዘይኮነ ንቤት ፍርዲ ምዝራቡ እቲ ጋዜጣ ወሲኹ ሓቢሩ።
እቶም ዓቃብቲ ሕጊ ከምዝብልዎ፡ እቲ ውልቀሰብ ኣብቲ ናዕቢ እንትሳተፍ ብናይ ፖሊስ ካሜራ ዝተቐርጸ ምስሊ ይረአ።
እዚ ኣትክልቲ ገዛ ብምክንኻን ዝናበር ውልቀሰብ፡ በቲ ዝተመስረቶ ክሲ ገበነኛ ኮይኑ እንድሕር ተረኺቡ፡ ክሳብ 20 ዓመት ማእሰርቲ ክቕጻዕ ይኽእል እዩ ተባሂሉ።
ምስቲ ኣብ 6 ጥሪ ዝተፈጸመ ናዕቢ ብዝዛመድ፡ ልዕሊ 300 ሰባት ክሲ ተምስሪትዎም ከምዘሎ ኒውዮርክ ፖስት ዝተባህለ ጋዜጣ ጸብጺቡ።
ካብ መንጎኦም፡ ገለ ኣባላት ዕጡቓት ሕሉፋት-የማናውያን፣ ከምኡ'ውን ኣባላት 'ኦዝ ኪፐርስ'ን 'ስሪ ፕርሰንተርስ' ብዝብል ዝፍለጡ ጉጅለታት ይርከብዎም።
እቲ መጥቃዕቲ፡ ኣባላት ባይቶ ኣመሪካ [ሓገግቲ]፡ ንተወዳዳሪ ሰልፊ ሪፐብሊከን፡ ፕረዚደንት ነበር ትራምፕ፡ ብምስዓር ንዝተዓወተ ፕረዚደንት ጆ ባይደን ኣፍልጦ ክህቡ፡ ኣብ ዝተኣከብሉ እዋን እዩ ተኻይዱ።
ባይቶ ኣመሪካ፡ ነቲ ስልጣኑ ዘረከበ ፕረዚደንት ነበር ዶናልድ ትራምፕ ነቲ ናዕቢ ኣተባቢዑ ብዝብል ክሲ ተሓታቲ ምዃኑ ምውሳኑ ይዝከር። ይኹን እምበር ላዕለዋይ ባይቶ (ሰነት) ትራምፕ በቲ ክሲ ከምዘይሕተት ናይ መወዳእታ ውሳነ ኣሕሊፉ።