ፈረንሳ: ሓንቲ ተምሃሪት ነቲ ተሰይፉ ዝተቐትለ ፈረንሳዊ መምህር ብሓሶት ከምዝጠቀነቶ ተኣሚና

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ሓንቲ ፈረንሳዊት ተምሃሪት፡ ንሓደ መምህር፡ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ተሰይፉ ቅድሚ ምቕታሉ ብሓሶት ከምዝጠቀነቶ ተኣሚና።
መምህር ሳሙኤል ፓቲ፡ ናይ ካርቱን ምስሊ ነቢ መሓመድ ንተምሃሮኡ ድሕሪ ምርኣዩ'ዩ ኣብ ዝሓለፈ ጥቅምቲ ተሰይፉ።
እታ፡ ብዛዕባ'ቲ ምስሊ ኣብ መርበባት ኢንተርነት ኣንጻር እቲ መምህር ተቓውሞታት ክካየድ ዝገበረት ተምሃሪት፡ ኣብቲ ዝምህረሉ ዝነበረ ክፍሊ ከምዘይነበረት ተኣሚና።
ዘስካሕክሕ ቅትለት ናይቲ መምህር፡ ንፈረንሳ ዘሰንበደን፡ ኣብ መላእ እታ ሃገር ናይ ተቓውሞ ሰልፍታት ዘለዓዓለን'ዩ ነይሩ። ንኽብሩ ኣብ ዝተኻየዱ ናይ ዝኽሪ ኣጋጣሚታት'ውን ሰፊሕ ደገፍ ረኺቡ ነይሩ።
እታ ስማ ዘይተገልጸ ጓል 13 ዓመት፡ እቲ መምህር ነቲ ናይ ነቢ መሓመድ ካርቱን ቅድሚ ምርኣዩ፡ ኣስላም ዝኾኑ ተምሃሮ ካብቲ ክፍሊ ኣውጺእዎም ክትብል ንኣቦኣ ነጊራ። እቲ ትምህርቲ ብዛዕባ ሓሳብካ ናይ ምግላጽ ናጽነት እዩ ነይሩ።
ብመሰረት ማዕከናት ዜና ፈረንሳ ዝራኣዮ ቃለ-ምስክርነት ናይታ ጓል፡ "ነቲ ናይ ካርቱን ምስሊ ኣይራኣኹዎን፡ ጓል ክፍለይ'ያ ኣርእያትኒ" ኢላ።
"መማህርታ ኣፈኛ ክትከውን ስለዝሓተትኣ፡ ተቐርቂራ ሓስያ" ክብል'ውን ጠበቓኣ፡ ምበኮ ታቡላ ንኣገልግሎት ዜና ኤ-ኤፍ-ፒ ተዛሪቡ።
ኣቦ እታ ጓል፡ በቲ ዝሃበቶ ሓበሬታ መሰረት፡ ኣንጻር እቲ መምህር ሕጋዊ ክሲ ድሕሪ ምምስራት፡ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ጎስጓስ ጀሚሩ።
ኣብቲ ዘካየዶ ጎስጓስ፡ ንመምህር ሳሙኤል ፓቲን ነቲ ዝምህረሉ ዝነበረ ኣብ ምዕራብ ርእሰከተማ ፓሪስ ዝርከብ ቤት ትምህርትን ብስም ጠቒሱዎም ነይሩ።
ኣኽበርቲ ሕጊ ፈረንሳ፡ ድሕሪ'ቲ ቅትለት ኣብ ዝሃብዎ መግለጺ፡ እቲ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ኣንጻር እቲ መምህር ዝካየድ ዝነበረ ጎስጓስ፡ ምስ ቅትለቱ ቀጥታዊ ምትእስሳር ኣለዎ ኢሎም ነይሮም።

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
እቲ ነቲ ቅትለት ዝፈጸመ ወዲ 18 ዓመት ዓብዱላኪን ኣንዞሮቭ፡ ድሕሪ'ቲ መጥቃዕቲ ብፖሊስ ከምዝተቐትለ ይዝከር።
ብድሕሪ'ኡ ግን፡ እቲ ኣንጻር መምህር ታሪኽን ጆኦግራፊን ዝነበረ ፓቲ፡ ዝተኻየደ ጎስጓስ ኣብ ዝተጠምዘዘ ሓቅታት ናይ ኣቐዲሙ ዝነበረ ፍጻመ ዝተመስረተ ምዃኑ ተፈሊጡ።
መምህር ፓቲ፡ ከምቲ ንዓመታት ዝገብሮ ዝነበረ፡ ሓሳብካ ናይ ምግላጽ ናጽነት ኣብ ዘምህረሉ ዝነበረ መዓልቲ፡ ቅድሚ ነቲ ምስሊ ንተምሃሮኡ ምርኣዩ፡ እቶም ክርእይዎ ባህ ዘይብሎም ተምሃሮ ዓይኖም ክዕምቱ ኣጠንቂቕዎም ነይሩ።
እታ ተምሃሪት ግን፡ ክወጹ ከምዝሓቶቶም'ያ ገሊጻ ነይራ። ምስ ተቓወመት ካብ ቤት ትምህርቲ ከምዝተሰጎገት ከኣ ተዛሪባ። እንተኾነ ግን፡ ሕጂ ከምዝተረጋገጸ፡ ንሳ ቅድሚ ሓደ መዓልቲ'ያ፡ ብሰንቲ ብዝሒ ብኩራት ተሰጒጓ ነይራ።
ኣብቲ ብምስጢር ዝወጸ ቃለ-ምስከርነታ ግን፡ ነቦኣ ከይተሕርቕ ክትብል ዘይኮነ ምኽንያት ከምዝመሃዘት ትገልጽ።
ጠበቓ ቤተሰብ ናይቲ መምህር ንሓደ መደበር ራድዮ ፈረንሳ ኣብ ዝሃበቶ ቃል፡ ስድራቤት ናይታ ጓል ኣብታ መዓልቲ ኣብ ክፍሊ ከምዘይነበረትን ስለምንታይ ከምዝተሰጎትን ይፈልጡ ነይሮም'ዮም ክብል ተዛሪባ። "ሕጂ፡ ይቕሬታ፡ ሓሶታት ጓለይ ኣሚነ ነይረ ምባል ናይ ብሓቂ ድኹም'ዩ" ክትብል ኣር-ቲ-ኤል ንዝተባህለ ራድዮ ተዛሪባ።
እዚ ከምዚ'ሉ እንከሎ፡ ክልተ ፕሮፌሰራት ዩኒቨርሲቲ፡ ብጽልኢ እስልምና ተኸሲሶም ኣብ ዓይኒ ናዕበኛታት ብምእታዎም፡ ናይ ፖሊስ ሓለዋ ይግበረሎም ምህላዉ ተፈሊጡ።
ፕረዚደንት ኢማኑዌል ማክሮን፡ ነቲ መምህር ድሕሪ ሞቱ፡ ናይታ ሃገር ዝለዓለ ኒሻን ከምዝሸለሞ ይዝከር።
ኣብ እስልምና፡ ምስሊ ነቢ መሓመድ ምውጻእ ከም ነውሪ ዝቑጸርን፡ ንብዙሓት ኣመንቲ ናይቲ ሃይማኖት ዘቐይምን'ዩ።
ኣቐዲሙ፡ ብሓደ ቻርሊ ኣብዶ ዝተባህለ መጽሄት ዝተሓትመ ናይ ላግጺ ምስሊ ነቢ መሓመድ፡ ጠንቂ ናይቲ 12 ሰባት ዝቐተለ ሽበራዊ መጥቃዕቲ ምንባሩ ካብ ዝኽሪ እታ ሃገር ኣይሃሰሰን።
ክልቲኡ መጥቃዕትታት ነቲ ፈረንሳ እትምካሓሉ "ዓለማውነት" (ካብ ሃይማኖት ናጻ ዝኾነ) ኣተሓሳስባ ዝተፈታተነ ኮይኑ ይርከብ።








![ፊልሞን ሓጎስ፣ ኪዳነ ኣንገሶምን ክብሮም ገብረማርያምን [ካብ ጸጋም ናብ የማን] ኣብ 21 ሚያዝያ 2026 ብሞት ተቐጺዖም](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/2266/live/c9828950-553c-11f1-b682-cf91850925ea.png.webp)




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)
