ፕረዚደንት ፓራጓይ ሰለስተ ሚኒስተራት ካብ ስራሕ ሰጒጉ

Published

ፕረዚደንት ፓራጓይ ማርዩ ኣብዶ በኒተዝ፡ መንግስቲ እታ ሃገር ኣብ ኣተሓሕዛ ኮሮናቫይረስ ዕቱብ ኣይኮነን ዝብሉ ሰባት ናዕቢ ድሕሪ ምውለዖም ንሰለስተ ሚኒስተራት ካብ ስራሕ ሰጒጉዎም።

ፕረዚደንት ማርዮ ኣብዶ በኒተዝ ንሚኒሰትር ትምህርቲ፡ ሚኒስተር ጉዳያት ደቂ ኣንስትዮን ንሓለቃ ስታፍ እታ ሃገርን’ዩ ካብ ስራሕ ሰጒጉዎም ዘሎ።

ሚኒሰትር ጥዕና እታ ሃገር’ውን ብዓርቢ ብገዛእ ፍቃዱ ካብ መዝነቱ ወሪዱ እዩ።

ሰብ ሞያ ጥዕና እታ ሃገር፡ ሆስፒታላት ብተሓከምቲ ኮቪድ-19 መሊኡ ምህላዎም’ዮም ዝሕብሩ።

ኣብ'ታ ሃገር ዘለዉ ተቓወምቲ ሰልፍታት፡ ፕረዚደንት ማርዮ ኣብዶ በኒተዝ ካብ ስልጣኑ ክወርድ’ዮም ዝጠልቡ ዘለዉ።

እቶም ተቓወምቲ ሰልፍታት፡ ፕረዚደንት ማርዮ ኣብዶ በኒተዝን እቲ ንሱ ዝመርሖ ሰልፊ የማናይ ክንፍን ብብልሽውና ዝተቋማጥዑ’ዮም ኢሎም’ዮም ዝኸስዎም።

ኣብ ሃገረ ፓራጓይ፡ ክሳብ ሎሚ ልዕሊ 165 ሽሕ ሰባት ብኮሮናቫይረስ ክልከፉ እንከለዉ ኣስታት 3200 ሰባት ኸኣ ብሰንኪ ኮቪድ-19 ሞይቶም።

ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን፡ መጠን መልከፍቲ ስለዝናሃረ ሆስፒታላት እታ ሃገር ልዕሊ ዓቕመን ሕሙማት ክሕዛ ተገዲደን።

ብዘይካ እዚ ኣብታ ሃገር መስርሕ ክታበት ኣዝዩ ድንጉዩ ምህላዉ’ዮም እቶም ናዕቢ ከካይዱ ዝቐነዩ ሰባት ዝሕበሩ። ፓራጓይ ክሳብ ሎሚ ካብ ብዝሒ ህዝባ 0.1 ሚኢታዊት ጥራይ’ያ ከቲባ ዘላ።

ኣብ ዝሓለፈ ዓርቢ፡ ሰብ ሞያ ጥዕና ብኣዝማድ ሕሙማት ኮቪድ-19 ተሰንዮም፡ ካልኦት ኣሽሓት ሰባት ተወሲኾምዎም ኣብ ርእሰ ከተማ እታ ሃገርን ኣብ ካልኦት ከተማታት እታ ሃገርን ሓያል ናዕቢ ኣካይዶም።

ሰልፈኛታት፡ እቲ መንግስቲ ይሰርቆ ኣሎ ዝበልዎ ሚልዮናት ዶላራት ኣብ ህጹጽ ጥዕናዊ ጽላታት ክውዕል ምተገበኦ ነይሩ በሃልቲ እዮም።

ገለ ካብቶም ሰለማዊ ሰልፊ ዘካይዱ ዝነበሩ ሰልፈኛታት ምስ ፖሊስ ብምግጫዎም ፖሊስ መንብዒ ጋዝን ናይ ፕላስቲክ ጥይትን ተጠቒሞም።

ብሰንኪ እቲ ዝተኻየደ ናዕቢ፡ መካይን ብሓዊ ተቓጺለን፡ ዶኳኩን ተዘሚቱን ኣስታት 20 ሰባት ኸኣ ተሃሪሞም ከምዘለዉ ጸብጻባት ይሕብሩ።

ኣቐድም ኣቢሉ ሚኒስተር ጥዕና እታ ሃገር ጁልዮ ማዞሎኒ ካብ ሓገግቲ ኣካላትን ማሕብር ሰብ ሞያ ሕክምናን ተሪር ነቐፌታ ምስ መጽኦ ብዓርቢ ብገዛእ ፍቃዱ ካብ መዝነቱ ምውራዱ ይዝከር።

ሚኒስተር ርክባት ፓራጓይ ጅዋን ማንኤል ብሩነቲ ከምዝሓበሮ፡ ፕረዚደንት ማርዮ ኣብዶ በኒተዝ ብቀዳም ነቲ ዝተኻየደ ናዕቢ ንምግምጋም ምስ ኣማኸርቲ ተኣኪቡ ምንባሩ ገሊጹ።

ሚኒስተር ርክባት ጅዋን ማንኤል ብሩነቲ ብምስዓብ “ብድሕሪ እዚ፡ እቲ ፕረዚደንት ጠለብ ዜጋታት ሰሚዑ፡ ነቶም ሚኒሰትራት ጸዊዑ ካብ መዝነቶም ከምዘውረዶም ነጊርዎም ኣሎ” ኢሉ።