እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ኣብ ታንዛንያ ምልክታት ኮቪድ ዝተርኣዮም ኣቕሽትን ፈለስትን ከምዝሞቱ ተገሊጹ
ኣብ ታንዛንያ ኣብ ዝሓለፉ ክልተ ኣዋርሕ ምልክታት ኮሮናቫይረስ ዝተርኣዮም 60 ፈለስትን 25 ኣቕሽትን ከምዝሞቱ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስትያን እታ ሃገር ኣፍሊጣ፡፡
ኣብ'ታ መረዳእታ ኮሮናቫይረስ ካብ ዘይምዝግባ ውሑዳት ሃገራት ሓንቲ ዝኾነት ታንዛንያ እትርከብ ካቶሊካዊት ቤት ክርስትያን፡ እቲ ቫይረስ ኣመልኪታ ብግልጺ እናተዛረበት ዝጸንሐት ኮይና፡ ሐዚ ድማ ዜጋታት መምርሒታት ኮቪድ-19 ብዕቱብ ከኽብሩ ኣጠንቂቓ ኣላ፡፡
ቅድም ክብል ፕረዚደንት እታ ሃገር ጆን ማጉፉሊ ነቲ ቫይረስ የናእሶ ዝነበረ ኮይኑ፡ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ድማ ታንዛንያ ዜጋታታ ክተኽትብ መደብ ከምዘይብላ ሚኒስተር ጥዕና እታ ሃገር ገሊጹ እዩ፡፡
ጸሓፊ ጉባኤ ጳጳሳት ታንዛንያ፡ ኣባ ቻርለስ ኪቲማ ግና ኣብ'ታ ሃገር ለበዳ ኮሮናቫይረስ ኣስጋኢ ከምዝኾነ ተዛሪቡ፡፡
‘‘ኣድላዪ ጥንቃቐታት ብምግባር ንርእስናን ካልኦትን፡ ብፍላይ ድማ ዓበይትን ተደራቢ ጸገማት ጥዕና ንዘለዎምን ሰባት ምሕላው ናይ ሓድሕድና ሓላፍነት እዩ’’ ኢሉ፡፡
እቶም ኣቕሽትን ፈለስትን ስለዘይተመርመሩ ብምኽንያት ኮሮረናቫይረስ ንምሟቶም እኳ እንተዘይተረጋገጸ፡ ኩሉም ግን ናይ ምትንፋስ ጸገም ሓዊሱ ምልክታት ኮሮናቫረስ ከምዝተርኣዮም ኣባ ቻርለስ ገሊጹ፡፡
ብተወሳኺ ‘‘እቲ ዓብዪ ጸገም ሰባት ኣይምርመሩን፡፡ እታ ቤተ ክርስትያን ኣብ መላእ እታ ሃገር ኣስታት 500 ማእከላት ጥዕና ኣለዋኣ፤ ኮይኑ ግና ክንምርምር ኣይፍቀደናን፡ መሳርሒ እውን የብልናን’’ ክብል ገሊጹ፡፡
እታ ቤተ ክርስትያን ኣብዚ ዓመት ንካልኣይ ግዘ እያ ብዛዕባ ኮሮናቫይረስ እትዛረብ ዘላ፡፡
ታንዛንያ ካብ ዝሓለፈ ዓመት ጉንበት ጀሚራ ቁጽራዊ መረዳእታ እቲ ለበዳ ወግዓዊ ዘይገበረት እንትትኮን፡ ውድብ ጥዕና ዓለም ግን ክትምዝግብን ንሃገራት ዝከፋፈል ዘሎ ክታበት ኮቫክስ እትረኽበሉ ደረጃ ክትርእን ይምሕጸና ኣሎ፡፡