ፕረዚደንት ባይደን ኣብ ልዕሊ ብኢራን ዝድገፉ ሚሊሻ መጥቃዕቲ ክካየድ ኣፍቂዱ

Published

ነፈርቲ ውግእ ኣመሪካ፡ ኣብ ልዕሊ ኣብ ሶርያ ዝርከቡ መሊሻታት ከም ዝደብደባ ሚኒስትሪ ምክልኻል ኣመሪካ፡ ፔንታጎን ኣረጋጊጹ።

እቶም ሚሊሻታት ብኢራን ዝድገፉ ምዃኖም'ውን ተፈሊጡ።

እቲ መጥቃዕቲ፡ እቶም መሊሻታት ዝጥቀሙሉ ዝነበሩ ብርክት ዝበሉ መሳለጥያታት ከም ዘዕነወ እቲ መግለጺ ጠቒሱ።

ኣብ ልዕሊ እቶም መሊሻታት መጥቃዕቲ ክውሰድ ብፕረዚደንት ኣመሪካ ጆ ባይደን'ዩ ትእዛዝ ተዋሂቡ።

ፕረዚደንት ባይደን፡ ነቲ ትእዛዝ ዝሃበ ኣብዚ ቀረባ ግዜ ኣብ ዒራቕ ኣንጻር ኣመሪካን መሻርክታን ዝተወስደ መጥቃዕቲ ግብረመልሲ ንምሃብ ምዃኑ ተገሊጹ።

ኣብዚ ወርሒ፡ ኣብ ልዕሊ ዒላማታት ኣመሪካ ኣብ ዝገብረ መጥቃዕቲ ሓደ ሰቪል ኮንትራክር ተቐቲሉ ምንባሩ ይፍለጥ።

በቲ መጥቃዕቲ ሓደ ኣባላት ሰራዊት ኣመሪካን 5ተ ተኾናተርትን ከም ዝቖሰሉ'ውን እቲ ዝወጽአ ዜና ይገልጽ።

እቲ ናይ ሮኬት መጥቃዕቲ፡ ኒተ ጽኑዕ ሓለዋ ዝግበረሉን ቀንዲ ኣብያተ ጽሕፈት ኤምባሲ ኣመሪካ ዝርከበሉን 'ግሪን ዞን' ተባሂሉ ዝፍለጥ ቦታ'ውን ሃሪሙ ነይሩ።

ሚኒስትሪ ምክልኻል ኣመሪካ ከም ዝሓበሮ፡ እቲ ብሰራዊት ኣመሪካ ዝተወስደ ስጉምቲ ተመጣጣኒ ግብረመልሲ ምዃኑን፡ ''እቲ ስርሒት ዘየወላውል መልእኽቲ ሰዲዱ'' ክብልን ገሊጹ።

ብመሰረት ንሶርያ ዝከታተል ተጣባቒ ሰብኣዊ መሰላት፡ በቲ ናይ ኣየር መጥቃዕቲ 17 መሊሻታት ተቐቲሎም።

ካልኦት ሰለስተ ኣጽዋር ሒዘን ዝነበራ ዓበይቲ መኻይን ከም ዝዓነዋ'ውን እቲ ትካል ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ ሓቢሩ።