ግብጺ፡ ጃልባ ብምግምጣላ ትሽዓተ ኣባላት ሓደ ስድራ ሞይቶም

ምንጪ ስእሊ, AFP
ኣብ ግብጺ፡ ጥቃ ከተማ ኣለክሳንድርያ ኣብ ዝርከብ ቀላይ ሓንቲ ኣባላት ስድራ ጽዒና ዝነበረት ጃልባ ብምግምጣላ ትሽዓተ ሰባት ክሞቱ እንከለዉ ብዙሓት ከኣ ገና ሃለዋቶም ኣይተፈለጠን።
እቲ ማርዮት ኣብ ዝተባህለ ቀላይ ዝተገምጠለት ጃልባ ብውሕዱ 20 ኣባላት ሓደ ስድራ እያ ጽዒና ነይራ።
ሰራሕተኛታት ህይወት ኣድሕን ክሳብ ሕጂ ሸውዓተ ሰባት ብህይወት ከውጽኡ እንከለዉ፡ ሓሙሽተ ካብዞም ሸውዓተ ኣዝዮም ተሃስዮም'ዮም ጸኒሖም።
ጠንቂ ምግምጣል እታ ጃልባ ገና ኣይተፈለጠን ዘሎ።
ኣኽባሪ ሕጊ ከተማ ኣለክሳንዳርያ ዋና እታ ጃልባ ኣብታ ጃልባ ከም ዝነበረን፡ ምስቶም ዝድሓኑ ከም ዝኮነን ብምግላጽ ጠንቂ ምግምጣል እታ ጃልባ ንምጽራይ ኣብ ቀይዲ ኣትዩ ከም ዘሎ ሓቢሩ።
ኣማሓዳሪ ከተማ ኣሌክሳንድራ ብወገኑ እታ ጃልባ ሓንቲ ካብተን ብዘይ ሰነዳትን ሕጋዊ ፍቃድን ኣብቲ ቀላይ ዝንቀሳቐሳን ሰባት ንምዝንጋዕ ኢሎም ዝስቀልወን ምዃና ገሊጹ ኣሎ።
ናይ ዓይኒ መሰኻኽር ብወገኖም፡ እታ ጃልባ ክትብገስ እንከላ ልዕሊ ዓቕማ ሰብ ጽዒና ምንባራን፡ ኣብቲ ዝተበገሰትሉ ቀላይ ማዕበል ምንባሩን ሓቢሮም።
ቀላይ ማርዮት ካብ ኣሌክሳንድራ ዝተበገሳ መዘናግዒ ጃላቡን ማእከላይ ዓቐን ዘለወን መዛወሪ መራኽብን ዝንቀሳቐሳሉ ኮይኑ ነበርቲ ከተማ ኣሌክሳንድራ ብብዝሒ ዝበጽሕዎ እዩ።
ቀላይ ማርዮት ሰሜናዊ ክፋሉ ምስ ማእካለይ ባሕሪ ክዳወብ እንከሎ ብጀካ ካብ ግብጺ ካብ ካልኦት ሃገራት ዝመጽኡ በጻሕቲ'ውን ብብዝሒ ይነግድዎ እዮም።






![ፊልሞን ሓጎስ፣ ኪዳነ ኣንገሶምን ክብሮም ገብረማርያምን [ካብ ጸጋም ናብ የማን] ኣብ 21 ሚያዝያ 2026 ብሞት ተቐጺዖም](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/2266/live/c9828950-553c-11f1-b682-cf91850925ea.png.webp)





![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)

