ኣመሪካ፡ ኣብ ቴክሳስ ልዕሊ 14 ሚልዮን ሰባት ሕጽረት ጽሩይ ዝስተ ማይ ኣጋጢምዎም

ቴክሳስ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ኣብ ቴክሳስ ልዕሊ 14 ሚልዮን ሰባት ሕጽረት ጽሩይ ዝስተ ማይ ኣጋጢምዎም
Published

ኣብታ ብሓያል ውርጪ ትጥቃዕ ዘላ ክፍለ ግዝኣት ቴክሳስ፡ ልዕሊ 14 ሚልዮን ሰባት ጽሩይ ማይ ተሓሪምዎም ከምዘሎ ተገሊጹ።

ነዚ ስዒቡ ፕረዚደንት ጆ ባይደን ኣብታ ክፍለ ግዝኣት ከቢድ ሓደጋ ከምዘጋጠመ ብምጥቃስ፡ ናብታ ክፍለ ግዝኣት እኹል ገንዘባውን ንዋታውን ሓገዛት ንምግባር ይዳሎ ከምዘሎ ገሊጹ።

ብሰንኪ እቲ ዘሎ ብርቱዕ ዛሕልን ውርጭን ተቋሪጹ ዝጸንሐ ኣገልግሎት ኤልክትሪካ'ኳ ዳግማይ እንተተዓረየ፡ ኣብቲ ናይታ ክፍለ ግዝኣት ማይ ዝጻረየሉ ቦታ ኤሌትሪክ ስለዘይተዓረየ ግን ልዕሊ 14 ሚልዮን ሰባት ንሕጽረት ማይ ከምዝተቃልዑ ተገሊጹ።

ፕረዚደንት ጆ ባይደን ኣብ'ዚ ቀረባ መዓልታት ናብታ ክፍለ ግዝኣት ምብጻሕ ከምዘካይድ'ውን ተገሊጹ ኣሎ።

እዚ ነተን ኣብ ደቡባዊ ክፋል ኣመሪካ ዝርከባ ክፍለ ግዝኣታት ዘናወጸ ውርጪ፡ ክሳብ ሕጂ ልዕሊ 60 ሰባት ከምዝቐተለ ክፍለጥ ተኻኢሉ ኣሎ።

ፕረዚደንት ጆ ባይደን ብጀካ ኣብ ቴክሳስ፡ ኣብ ኦክሎሃማን ሉዚያናን'ውን ኣዋጅ ህጹጽ ግዜ ኣዊጁ ኣሎ።

ብመሰረት ዋይት ሃውስ ዘውጽኦ መግለጺ፡ ፕረዚደንት ጆ ባይደን ነትን በዚ ብርቱዕ ቁርን ወርጭን ተሃስየን ዘለዋ ክፍለ ግዝኣታት ገንዘባውን ንዋታውን ሓገዛት ንኽውሃብን ባጀት ኣጽዲቑለን ኣሎ።

እቲ መግለጺ "በዚ ውርጪ ዝተሃሰያ ክፍለ ግዝኣታት፡ ግዝያዊ መጽለሊ፡ መጸገኒ ዝዓነወ ኣባይቲ፡ ኢንሹራንስ ዘይብሎም'ሞ በዚ ወርጪ ንብረቶም ዝዓነዎም መትከሊ እግሪ ኮይኑ ዝውዕል እዩ" ኢሉ።

ፕረዚደንት ጆ ባይደን ኣብ ቴክሳስ ዓበይቲ ዝኾና ከም ሂውስተን፡ ኦስቲን፡ ዳላስን ዝኣመስላ ከተማታት ምስ ከንቲባታተን ብምዝርራብ እቲ ካብ መንግስቲ ዝድለ ሓገዛት ኣብ ምንታይ ዘተኮረ ክኸውን ከምዘለዎ ከምዝተመያየጠ ተገሊጹ።

ብጀካ ኣብ ክፍለ ግዝኣት ቴክሳስ፡ ኣብተን ኣብ ደቡባዊ ሸነኽ ኣመሪካ ዝርከባ ክፍለ ግዝኣታት'ውን ሕጽረት ማይ ኣጋጢሙ ከምዘሎ ይግለጽ።

ኣብ ቴክሳስ ኣጋጢሙ ዘሎ መጥኑ ዝሓለፈ ዛሕሊ፡ ኣብ ዝሓለፈ ዓሰርተታት ዓመታት ዘይተራእየ እዩ ተባሂሉ ኣሎ።

ኣብታ ክፍለ ግዝኣት፡ መጠን ዛሕሊ፡ ኣሉታ 18 (-18) ዲግሪ ሴንቲግሬድ በጺሑ ነይሩ።