ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ንሓንቲ ነፍሰ-ጾር ዝቐለተ ሰብ 20 ዓመት ክእሰር ተፈሪድዎ

ምንጪ ስእሊ, @KEBA99
ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ፡ ንሓንቲ ነፍሰ-ጾር ብኣረሜናዊ መገዲ ዝቐተለ ሰብኣይ ንዕስራ ዓመት ክእሰር ተፈሪድዎ።
ቅትለት እታ ነፍሰ-ጾር ኣብ መላእ ደቡብ ኣፍሪቃ ሓያል ተቓውሞ ኣለዓዒሉ ከምዝነበረን ፕረዚደንት እታ ሃገር'ውን ከይተረፈ እቲ ጉዳይ ከምዘጉሃዮ ተዛሪቡ ምንባሩ ይፍለጥ።
ሬሳ እታ ጓል 28 ዓመት ዝኾነት መንእሰይ፡ ዝሓለፈ ሰነ ብበሊሕ ነገር ተወጊኡ ኣብ ሓንቲ ገረብ ተጠንጢሉ'ዩ ተረኺቡ።
ሚካይሰ ማለፎን ዝተባህለ ወዲ 31 ዓመት፡ ነቲ ቅትለት ከምዝፈጸሞን ገበነኛ ምዃኑን፡ ኣብ ጆሃንስበርግ ኣብ ዝርከብ ቤት-ፍርዲ ተኣሚኑ።
ንሱ ከምዝሓበሮ፡ ዓርኪ እታ መንእሰይ ክቐተላ ኢሉ ከምዝኸፈሎ ከሲሱ። ፖሊስ ድማ ሓደ ሰብኣይ ኣብ ቀይዲ ኣእቲዩ ከምዘሎ ኣፍሊጡ።
ማለፎን፡ ንቤት-ፍርዲ ኣብ ዝሃቦ ቃል፡ ዓርኪ እታ ዝቐተላ ጓል፡ ነታ መንእሰይ ንምቕታል ኣብ መጀመርያ 480 ዶላር ክኸፍሎ ምዃኑ ሓቢርዎ። እንተኾነ ነቲ ገንዘብ ውሑድ ብምዃኑ ነቲ እማመ ኣይተበቐሎን። ድሓር ግን 70,000 ራንድ ክኸፍለካየ ምስ በሎ ነታ ጓል ክቐትላ ከምዝወሰነ ሓቢሩ።
እዛ ቺገፋሶ ፑለ እተባህለት መንእሰይ፡ ክትቕተል እንከላ ናይ ሾመንተ ወርሒ ጥንሲ ሒዛ ከምዝነበረት ይግለጽ። ሬሳ እዛ መንእሰይ ድሕሪ 4 ዓመልቲ'ዩ ኣብ ገረብ ተሰቒሉ ተረኺቡ።
ፖሊስ ጆሃንስበርግ፡ ኣብቲ ቅትለት ኢድ ኣለዎ ንዝበልዎ ጥርጡር ወዲ 32 ዓመት ኣብ ቀይዲ ከምዘእተወ ሓቢሩ'ሎ።
እቲ ኣብ ቀይዲ ዝኣተወ መን መዃኑ ግን ገና ኣይተፈልጠን ዘሎ።
ዝሓለፈ ዓመት ቅተለት ቺገፋሶ ፑለ፡ ኣብ ማሕበራዊ ሜድያ ኣዛራራቢ ኮይኑ ምንባሩ ይፍለጥ። ብዙሓት ሰባት እዛ መንእሰይ ፍትሒ ክትረብ ብማሕበራዊ ሜድያ ጎስጓሳት ኣካይዶም ነይሮም።
ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ 51 ሚእታዊት ደቂኣንስትዮ ካብ መጻምደን መጥቃዕቲ ከምዘጓነፈን ጸብጻባት ይሕብሩ።
![ኣቦመንበር ህወሓት ደብረጽዮን ገ/ሚካኤል [ዶ/ር] ፡ ምክትሉ ኣቶ ኣማኑኤል ኣሰፋን ሓላፊት ቤት ፅሕፈት ህወሓት ወ/ሮ ፈትለ ወርቅ ገ/ሄርን](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/660/cpsprodpb/799f/live/0f041500-6b1f-11f1-8546-8f19e4fe30f4.jpg.webp)







![ፊልሞን ሓጎስ፣ ኪዳነ ኣንገሶምን ክብሮም ገብረማርያምን [ካብ ጸጋም ናብ የማን] ኣብ 21 ሚያዝያ 2026 ብሞት ተቐጺዖም](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/2266/live/c9828950-553c-11f1-b682-cf91850925ea.png.webp)




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)
