እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ኣብ ምድረ እስራኤል ሊላዊ ጽሕጎ ክብሪ ቅድስና ተረኺቡ
እስራኤላውያን ተመራመርቲ ስነ ጥንቲ ፡ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዝርከብ 'ሊላዊ ጽሕጎ ቅድስና' ረኺቦም።
እቶም ተመራመርቲ፡ ንጉስ ዳዊት ዝነገሰሉ እዋን ኣብ ዝነበረ መጽሓፍ ቅዱስ፡ ሊላዊ ጽሕጎ ዓለባ ከምዝረኸቡ ገሊጾም።
እቲ ካብ ወርቂ ዝበልጽ ክቡር ጽሕጎ ምስ ንጉሳውያን ቤተሰብ ከም ዝተሓሓዝ ድማ ሓቢሮም።
ኣብቲ ቦታ ክቡር ጽሕጎ ዓለባን ጨርቅን ክርከብ እዚ ናይ መጀመርታ እዩ።
ክኢላ ጥንታዊ ቅርስታት እስራኤላዊ በዓል ስልጣን ናማ ሱከኒክ ፡ "ኣዝዩ ባህ ዘብልን ኣገዳስን ርኽበትን" ክብል ጸዊዕዎ ኣሎ።
እቲ ኣብ ቲምና፡ ካብ የሩሳሌም ንደቡብ 220 ኪ.ሜ. ርሒቑ ኣብ ዝርከብ ቦታ ኣብ እዋን ኵዕታ ዝተረኽበ፡ ሊላ ዝሕብሩ ቝርጽራጽ ኣጭርቕትን ጽሕጎን ምስ ኣልባሳት ልኡላንን ከምዝተሓሓዝ ዶክተር ሱከኒክ ሓቢሩ።
እቲ ዝተረኽበ ውሑድ ዝዓቐኑ ግን ከኣ ካብ ወርቂ ንላዕሊ ዋጋ ዘለዎ ፈጺሙ ዘይሃስስ ሊላዊ ዝሕብሩ ጽሕጎ ንከተፍርዮ ቀሊል ከምዘይኮነ ሓቢሩ።
ሊላዊ (ጁክ) ሕብሪ ኣብ ናይ ኣይሁድን ክርስትያናትን፡ ንቅዱሳን መጻሕፍቲ ዝጉልብበሉን፡ ንጉስ ዳዊት፡ ንጉስ ሰሎሞንን እየሱስን ዝኽደንዎ ዝነበሩ ክዳውንትን ከምዘጠቓልል እዩ ዝግለጽ።
እቲ ኣብ እዋን ኵዕታ ዝተረኽበ ሊላዊ ዝሕብሩ ጽሕጎ ስላትስ ሂል ኣብ ዝተባህለ ቦታ እዩ ተረኺቡ።
ኣርኪኦሎጂስት ዩኒቨርሲቲ ተልኣቪቭ ፕሮፌሰር ኤሬዝ በን-ዮሰፍ፡ "እቲ ሕብሪ ብኡ ንብኡ ኣቓልቦና ስሒቡና።
ካብ ከምዚ ዝኣመሰለ ጥንታዊ ቦታ ከምዚ ዝኣመሰለ ልዕሊ ወርቂ ዝኸብር ሊላዊ ጽሕጎ ምርካብና ንምእማን ኣጸጊሙና" በለ ።
እቲ ሕብሪ ኣብ ድርዒ ቁርጽራጽ ካይላ እምበር ኣብ ጽሕጎ ዓለባ ኣይርከብን እዩ።
ዕድመ እቲ ጽሕጎ ብመለክዒ ግዜን ዕድመን ካርቦን ምስተለክዐ ናይ ኣስታት 1,000 ቅድሚ ልደተ ክርስቶስ ኣብቲ ንጉስ ዳዊት ንሰለሞን ወዱ ዘንገሰሉ እዋን ከምዝነበረ ይግመት።