ውድብ ጥዕና ዓለም፡ 'ክታበት ሰደድ ከይግበር' ንዝኸልከለ ሕብረት ኣውሮጳ ነቒፉ

Published

ውድብ ጥዕና ዓለም፡ ነቲ ብሕብረት ኣውሮጳ ዝወፅአ፡ ኣብ ኣባላት ሃገራት ዝፈርይ ክታበት ኮሮናቫይረስ፡ ናብ ወፃኢ ሰደድ ከይግበር ዝብል ሕጊ ተቓዊምዎ።

ሕብረት ኣውሮጳ፡ ክታበት ኮሮናቫይረስ ንምብፃሕ ሕፅረት ኣብ ዘጋጠመሉ ግዘ እዩ፡ ኣብ ኣባል ሃገራት እቲ ሕብረት ዝፈርይ ክታበት፡ ናብ ሃገራት ወፃኢ ሰደድ ከይግበር ዝኽልክል ሕጊ ወግዓዊ ጌሩ ዘሎ።

እዚ ሕጊ፡ ሃገራት ሕብረት ኣውሮጳ ትካላት ኣፍረይቲ ክታበት ኮሮናቫይረስን ናብ ደገ ሰደድ ከይገብሩ ስልጣን ዝሃበ ከምዝኾነ ተገሊፁ።

ምክትል ዳይሬክተር ውድብ ጥዕና ዓለም ማርያንጊላ ሲማው፡ ውሳነ እቲ ሕብረት “ኣዝዩ ዘሻቕል ኣንፈት እዩ” ብምባል፡ ነቒፋቶ።

ቅድም ኢሉ’ውን ዳይሬክተር ውድብ ጥዕና ዓለም ዶክተር ቴድሮስ ኣድሓኖም፡ “ናይ ክታበት ብሄረትኝነት”፡ 'ምሕዋይ ሃሰያ ካብቲ ለበዳ' ዘናውሕ እዩ ክብል ኣጠንቂቑ እዩ።

ኣብቲ ብ ‘ቐጥታ’ ኣብ ዴቮስ ዝተኻየደ ዓለማዊ ጉባኤ ቁጠባ ዓለም(ዎርልድ ኢኮኖሚክ ፎረም)፡ ክታበት ምኽዛን፡ “እቲ ለበዳ እናተላብዐ ክቕፅልን፡ ሕውየት እቲ ብሰንኪ እዚ ቫይረስ ዝደቐቐ ቁጠባ ዓለም፡ ዝሕቱል ክኸውን ዝገብርን እዩ” ዝበለ ዶክተር ቴድሮስ ኣድሓኖም፡ እዚ፡ “ኣዕናዊ ሞራላዊ ውድቀት” ካብ ምዃኑ ብተወሳኺ፡ “ዓለምለኻዊ ዘይማዓርነት ክሰፍሕ” ዝገብር ከምዝኾነ ሓቢሩ።

ሕብረት ኣውሮጳ እንታይ እዩ ዝገበር ዘሎ?

ሕብረት ኣውሮጳ፡ ኣብዚ ክታበት ኮሮናቫይረስ ንምብፃሕ ሕፅረት ዘጋጠመሉ ግዘ፡ ኣብተን ኣባላት ሃገራት ዝፈሪ ክታበት ኮሮናቫይረስ ናብ ወፃኢ ሰደድ ከይግበር ዝኽልክል ሕጊ የተኣታቱ ከምዘሎ ኣፍሊጡ።

እቲ ሕጊ ሃገራት ሕብረት ኣውሮጳ ትካላት ኣፍረይቲ ክታበት ኮሮናቫይረስን ናብ ደገ ሰደድ ከይገብሩ ስልጣን ዝሃበ እዩ ተባሂሉ’ሎ።

“ሓለዋን ድሕነትን ዜጋታትና ቀዳምነት ዝወሃቦ ጉዳይ’ዩ፣ እቲ ኣጋጢሙና ዘሎ ኩነታት ናብ ተግባር ካብ ምእታው ካልእ ኣማራፂ የብልናን” ክብል ሕብረት ኣውሮጳ ኣፍሊጡ።

እቲ ሕብረት ኣውሮጳ ዘውፅኦ ሕጊ፡ ኣብ መላእ ዓለም ንኣስታት 100 ሃገራት ክሃሲ ከምዝኽእል ይግመት።

ካብ ምዕቡላት ሃገራት ኣመሪካ፣ ዓባይ ብሪጣንያ፣ ኣውስትራልያ፣ ካናዳን ሓዊስካ ብዙሓት ድኻታት ሃገራት ከምዝጉዳኣ ይግለፅ።

ሕብረት ኣውሮጳ ምቁፅፃር ሰደድ ክታበት ኮሮናቫይረስ ግዝያዊ’ምበር ምሉእ ምሉእ ሰደድ ዝኽልኽል ከምዘይኮነ ኣፍሊጡ'ሎ።

እንተኾነ፡ ውድብ ጥዕና ዓለም ውሳነ ሕብረት ኣውሮጳ፡ ንሃገራት ዓለም ብተዘዋዋሪ ክፀልወን ከምዝኽእል ነቒፊዎ።

እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ ተቖፃፀርቲ መድሓኒት ሕብረት ኣውሮጳ ክታበት ኮሮናቫይረስ ኣስትራዘኒካ ኣብ ኣገልግሎት ክውዕል ኣፅዲቑ።

ክታበት ኣስትራዘኒካ ኣብ ቤተ ፈተነ እንከሎ 60 ሚእታዊት ብቕዓት ከምዘለዎ፡ ትካል መድሓኒት ኣውሮጳ ኣፍሊጡ።

ኮሚሽን ሕብረት ኣውሮጳ፡ ክታበት ኮሮናቫይረስ ንምዕዳግ ምስ ኣብ ስዊድን ዝመደበሩ ኣፍራይ ክታበት ውዕል ተፈራሪሙ ነይሩ።

እቲ ሕብረት ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ካብ ትካል ኣስትራዘኒካ፡ 400 ሚልዮን ክታበት ንምግዛእ ተሰማሚዑ ምንባሩ ዝዝከር እዩ።

ሓላፊ ትካል ኣስትራዘኒካ ፓስካል ሶርዮት፡ ኣብ ዝሓለፈ ዓርቢ ኣብ ዝሃቦ ጋዜጣዊ መግለፂ፡ ኣብ ገለ ፋብሪካታት ፍርያት ክታበት ግዝያዊ ፀገም ኣጓኒዎ ከምዝነበረ ብምግላፅ፡ “ብዛዕባ ፍርያት ክታበት ስነ ህይወት ኢና እንዛረብ ዘለና እምበር ብዛዕባ ፍርያት ጽሟቕ ኣራንሺ ኣይኮናን ነውግዕ ዘለና” ኢሉ።

ኣስትራዘኒካ ናብ ሕብረት ኣውሮጳ ንምጉዓዝ ዝተዳለወ ብሚልዮናት ዝቑፀር ክታበት ኮሮናቫይረስ ከምዘለዎን ዓቕሙ ንምዕባይ ድማ፡ ለይትን ቀትርን ይሰርሕ ከምዘሎ እቲ ሓላፊ ወሲኹ ገሊፁ።

ኮምሽን ሕብረት ኣውሮጳ ኣብ መወዳእታ ንክታበት ኣስትራዘኒካ ምሉእ ኣፍልጦ ሂቡ ኣሎ።