ኣብ ከተማ መቐለን ካልኦት ከባቢታትን ዳግም ተቛሪጹ ዝነበረ ኣገልግሎት ስልኪ ተመሊሱ

Published

ንከተማ መቐለ ሓዊሱ ኣብ ገለ ድሕሪ ኲናት ኣገልግሎት ስልኪ ኣብ ዝተጀመረሎም ከባቢታ ካብ ትማሊ ሰዓታት ድሕሪ ቀትሪ ጀሚሩ ተቛሪጹ ድሕሪ ምጽናሕ ሎሚ ቀትሪ ተመሊሱ ኣሎ፡፡

ብምኽንያት እቲ ኣብ መንጎ መንግስታት ፌደራልን ትግራይን ዝተወለዐ ኲናት ግልጋሎት ስልክን ኢንተርነትን ኣብ ትግራይ ተቛሪጹ ዝነበረ ኮይኑ ሙሉእ ብሙሉእ ኣይተመለሰን ዘሎ፡፡

ኣገልግሎት ስልኪ ስለምንታይ ዳግም ተቛሪጹ ነይሩ?

ዋና ኣፈጻሚት ስራሕ ኢትዮ ቴሌኮም ወይዘሪት ፍረሂወት ታምሩ እቲ ኣብ ርእሰ ከተማ መቐለን ገለ ከባብታት ትግራይን ተመሊሱ ዝነበረ ኣገልግሎት ስልኪ ካብ ትማሊ ድሕሪ ቀትሪ ጀሚሩ ደጊሙ ከምዝተቛረጹ ምንባሩ ንቢቢሲ ገሊጻ።

ዋና ፈጻሚት ስራሕ እቲ ኩባንያ፡ ወይዘሪት ፍረሂወት ታምሩ፡ እቲ ኣገልግሎት ብምኽንያት ኣብ ፋይበር ዘጋጠመ ጸገም ደው ከምዝበለ ተዛሪባ።

"ኣብ ሞንጎ መቐለን ዓዲ ሽሁን ፋይበር ተበቲኹ'ሎ። እዚ ከኣ ትማሊ ድሕሪ ቐትሪ እዩ ኣጋጢሙ። ሽዑ ምስ ተቛረጸ ከኣ እቲ ሃገራዊ ማእኸል መቆጻጸሪ ኔትወርክ ['ኔትወርክ ኦፕሬሽን'] ምልክት ሂቡና'ዩ" ክትብል ሎሚ ረፋድ ንቢቢሲ ሓቢራ ነይራ።

ምቁራጽ ፋይበር ከምዘጋጠመ ካብ ዝተፈለጠሉ ትማሊ ምሸት ጀሚሩ ድማ ሰብሞያ ናብቲ ቦታ ከምዝተልኣኹን ስራሕቲ ጸገና የካይዱ ከምዘለዉን ገሊጻ እውን ተዛሪባ።

"ኣብዚ እዋን ሰለስተ ጉጅለ ጽገና ተዋፊሩ'ሎ" ዝበለት እታ ኣፈጻሚት ስራሕ፡ እቲ መስመር ፋይበር ዝተበተኸሉ ምኽንያት 'ብተፈጥሮ ድዩ ወይስ ብሰብ?' ዝብል ግን ዛጊድ ከምዘይፈለጡ ተዛሪባ።

ብሰንኪ ኣብቲ ክልል ብዝነበረ ጎንጺ፡ ጉድኣት ዝበጽሖም መስመራት ዝካየድ ጽገና መሊኡ ከምዘይተዛዘመ ዘዘኻኸረት ወይዘሪት ፍረሂወት "በዚ ምኽንያት ነቲ ሕዚ ዘጋጠመ ምቁራጽ ብቕልጡፍ ምብጻሕ ኣይተኽኣለን" ኢላ።

ኣብ መቐለ ካብ ትማሊ ድሕሪ ቐትሪ ጀሚሩ ኣገልግሎት ስልኪ ከምዝተቛረጸ ብምርግጋጽ ድማ ሎሚ ረቡዕ [27/01/2021] ጽገና ተዛዚሙ ኣብ ውሽጢ ሒደት ሰዓታት ናብ ዝነበሮ ኣገልግሎት ከምዝምለስ ኣእንፊታ።

ነቲ ኣብ ትግራይ ዝተወለዐ ኲናት ስዒቡ ንልዕሊ ክልተ ኣዋርሕ ኣገልግሎት ስልክን ኢንተርኔትን ተቛሪጹ ምጽንሑ ይዝከር።

ካብ ቅድሚ ሒደት ሰሙናት ጀሚሩ ድማ መቐለ ትርከበን ገለ ከተማታት ትግራይ ዳግም ኣገልግሎት ስልኪ ክረኽባ ኪኢለን ነይረን።

እቲ ኣገልግሎት መሊእኻ ምምላስ ዘይተኸኣለሉ ምኽንያት ከኣ "ኣብ ልዕሊ መሰረተ ልምዓት ቴሌኮም ዝበጽሐ ጉድኣት ከቢድ ምዃኑ'ዩ" ክትብል ዋና ኣፈጻሚት ስራሕ ኢትዮ ቴሌኮም ንቢቢሲ ሓቢራ ነይራ።