እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ቅልውላው ኢትዮጵያ ትግራይ፡ መቐለ ድሕሪ 40 መዓልታት፡ ሓጎስን መርድእን ዝንገረሉ ዘሎ ኣገልግሎት ስልኪ
ብ03 ሕዳር፡ ኣብ መንጎ ሓይልታት ጸጥታ ትግራይን ሰራዊት ምክልኻል ኢትዮጵያን ግጭት ድሕሪ ምውልዑ ኣብ ክልል ትግራይ መራኸቢታትን መንግስታዊ ኣገልግሎታትን ተቛሪጹ'ዩ ጸኒሑ።
ድሕሪ 40 ናይ ጸልማት መዓልታት ግን ኣብ ከተማ መቐለ ኣገልግሎት ስልክን መብራህትን ተጀሚሩ ኣሎ።
መንግስታዊ ትካል ኢትዮ-ቴሌኮም ኣብዚ ዝሓለፈ ቀዳም፡ ኣገልግሎት ስልኪ ኣብ ከተማ መቐለ ከምዝጀመረ ገሊጹ ነይሩ።
ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብዪ ኣሕመድ ትማሊ ሰንበት፡ ወታሃደራዊ ክዳን ለቢሱ ናብ ከተማ መቐለ ብምእታው፤ ንላዕለዎት ኣዘዝቲ ሰራዊት ኢትዮጵያ ኣኼባ ከምዝገበረሎም መንግስታዊ ማዕከናት ዜና ኣቃሊሐን ነይረን። ኣብቲ ኣኼባ፡ ኢታ ማጆር ሹም ናይቲ ሰራዊት ዝኾነ ጀነራል ብርሃኑ ጁላ'ውን ተረኺቡ ነይሩ።
ብርክት ዝበሉ ኣብ ደገ ዝነብሩ፡ ኣብ መቐለ ንዝርከቡ ኣባላት ስድረኦምን ኣዝማዶምን ኣብ ምንታይ ኩነታት ከምዝርከቡ፡ ሃለዋቶም ክፈልጡ ክኢሎም ኣለዉ።
ካብ ትግራይ ወጻኢ ዝርከቡ ብርክት ዝበሉ ሰባት፡ ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ ሓጎሶም ክገልጹ እንከለው፤ ካልኦት ድማ ናይቶም ኣብቲ ኲናት ወይ ድማ ንዕኡ ስዒቡ ዝተጎድኡን ዝተቐትሉን ቤተሰቦምን ፈተውቶምን መርድእ ዝሰምዕሉ ኮይኑ'ሎ።
'መንግስተ ሰማያት የዋርስካ/ኪ' ዝብሉ መልእኽቲ ዝሓዘሉ ስእልታት ብብዝሒ ኣብ ፌስቡክ ይልጥፉን ሓዘኖም ይገልጹን ኣለዉ።
ካብ ኣላማጣ ክሳብ መቐለ ዝነበረ መሰረተ ልምዓት፤ መተሓላለፊ ሓይሊ ኤሌክትሪክ ተበቲኹ ስለዝነበረ፡ ንዕኡ ንምጽጋን ጻዕሪ ይካይድ ከምዘሎ ሓይሊ ኤሌክትሪክ ኢትዮጵያ ትማሊ ኣብ ዘውጸኦ መግለጺ ኣፍሊጡ ኣሎ።
ካብ ከተማ ደሴ ተልዒሉ ናብ ሰሜን ምብራቕ ኢትዮጵያ ዝተንቀሳቐሰ ጉጅለ ጽገና፡ ከተማታት ኣላማጣ፣ ማይጨው፣ መኾኒን ሰቖጣን መብራህቲ ክረኽባ ከምዝኻኣላ ተፈሊጡ።
ይኹን እምበር፡ ሕጂ'ውን ኣብቲ ከተማ ኾነ ብሓፈሻ ኣብቲ ክልል፡ ኣገልግሎት ኢንተርኔት ኣይጀመረን ዘሎ።
ስክፍታታትን ሻቕሎትን
እቲ ንልዕሊ 40 መዓልታት ዝጸንሐ ናይ መራኸቢታት ዕጽዋ፡ ኣብ ልዕሊ ነበርቲ እቲ ክልል፡ ኣብ ደገ ዝነብር ተወላዲ እቲ ክልል፡ መቕርብ ናይቶም ካብ ካልኦት ክልላት ኢትዮጵያ ዝመጹ ተምሃሮን ሰራሕተኛታትን፡ ከምኡ'ውን ቤተሰብ ኤርትራውያን ስደተኛታትን፡ ከቢድ ሻቕሎት ፈጢሩ ጸኒሑ።
ዓለምለኻዊ ትካላት ሰብኣዊ መሰላት፡ መስመራት መራኸቢታት ክኽፈቱን ሰብኣዊ ሓገዝ ንምብጻሕ ብዘይገደብ ክፍቀድን ክሓቱ ጸኒሖም።
ሓደ ቢቢሲ ዘዘራረቦ ንድሕነቱ ክንብል ስሙ ዘይንጠቕሶ ነባሪ ከተማ መቐለ፡ "ንልዕሊ ሓደ ወርሒ ኣገልግሎት ስልክን መብራህትን ምቁራጹ ናብራና ኣኽቢድዎ እዩ። ብቐሊሉ ምስ ሰባት ክትራኸብን ስራሕኻ ንክትፍጽምን ኣብ ዘይከኣለሉ ጸልማት ኩነታት ኢና ቐኒና" ኢሉ።
እቲ ኣቐዲሙ ቀለብ ዓዲጉ ዝጸንሐ እምበር እቲ ኣብ ኢዱ ዋላ ሓደ ነገር ዘይነበሮ ሰብ ግን እኽሊ ረኺቡ ከጥሕን ይኹን ከብስል ብዘይምኽኣሉ ኣብ ከቢድ ጸገም ከምዝጸንሐ እዩ ዝዛረብ።
መንግስታዊ ሚድያታት፡ ኩነታት ናይታ ከተማ ናብ ንቡር ምምላሱ ደጋጊመን ይገልጻ ኣለዋ።
እቲ ቢቢሲ ዘዘራረቦ ነባሪ ግን፡ "ሰዓት 12 ናይ ኣጋምሸት ኢኻ ናብ ገዛኻ ክትኣትው ትግደድ፤ ብድሕሪኡ ኣብ ደገ ብዛዕባ ዝፍጸም ነገራት ግን እንትርፊ ክሳብ ንጉሆ ተጸቢኻ ምስማዕ ዝኾነ ሓበሬታ ምርካብ ኣይከኣልን ነይሩ።
"ቴሌቪዥን ወይ ሬድዮ'ውን ብሰንኪ ምቁራጽ ሓይሊ ኤለክትሪክ ክትከታተል ኣይትኽእልን" ክብል ነቲ ኣብ ዝሓለፈ 40 መዓልታት ዝነበረ ኩነታት ይገልጽ።
ሕጂ'ውን፡ እቲ ናይ ስልኪ ዝርርብ ከጭወ ይኽእል'ዩ ዝብል ወረታት ስለዘሎ ዋላ ምስ ቤተሰቦም ኣብ ዝገብርዎ ዝርርብ ከምዝቑጠቡ እቶም ነበርቲ ንቢቢሲ ተዛሪቦም።
ሓደ ካብቶም ቢቢሲ ዘዘራረቦም፡ ብዛዕባ'ቲ ዘሎ ስግኣት ክገልጽ እንከሎ፡ "ኣታ ወዲ ካብ ሰላምታ ወጻኢ ካልእ ነገር ኣይተዛርበኒ" ክብል ብፍርሒ ከምዝዛረብ እዩ ዝገልጽ።
በዚ ምኽንያት ብዛዕባ እቲ ኣብ ከተማ መቐለ ዘሎ ኩነታታት፡ ዝሰምዕዎምን ዝራኣይዎምን ካብ ምዝራብ ይቑጠቡ።
ካብ መቐለ ወጻኢ ዘሎ ዘሻቕል ኩነታት እቲ ክልል
መንግስቲ ፌዴራል፡ ሰራዊቱ ንከተማ መቐለ ምስተቖጻጸረ ውግእ ኣብቂዑ እንተበለ'ኳ፡ እቲ ኲናት ኣብ ዝተፈላለዩ ቦታታት ይከየድ ከምዘሎ እዩ ዝንገር።
ብዙሓት ኣብታ ከተማ እቲ ኣገልግሎታት ምጅማሩ'ኳ እንተሐጎሶም፡ እቲ ካብታ ከተማ ወጻኢ ኣብ ዘሎ ከባቢታት ናይቲ ክልል ዝርከብ ዝበዝሕ ፈታዊኦምን ስድረኦምን ኣብ ምንታይ ኩነታት ከምዝርከብ ምፍላጥ ዘይምኽኣሎም ሻቕለቶም ንቢቢሲ ገሊጾም።
ኣብ ዝበዝሐ ካልእ ከባብታት እቲ ክልልል ኩሉ ነገር ዕጽዉ ኮይኑ ቀጺሉ ስለዘሎ፡ ህዝቢ'ቲ ክልል ኣብ ጭንቅን ጸበባን ከምዝርከብ እቶም ተወለድቲ እቲ ክልል ይገልጹ።
ኣብ ገለ ኣብ መጀመርታ እቲ ግጭት ኣብ ትሕቲ ሰራዊት ምክልኻል ዝኣተዋ ከተማታት፡ ኣቐዲሙ ኣገልግሎታት ምጅማሩ ይፍለጥ።
ኣብ ደገ ዝነብሩ ተወለድቲ፡ ብፍላይ ኣብተን ሓያል ኲናት ዝተኻየደለንን ይካየደልን ኣሎ ተባሂሉ ዝንገረለን ከባብታት ናይ ዝርከቡ ሃለዋት ኣዝማዶም ተጨኒቖም ይርከቡ።
ዛጊድ ናይ ተሸከርከርቲ ምንቅስቐዓስ ከምዘይተጀመረ ይዝረብ። ኣብ ኣብዝሓ ከባብታት እቲ ክልል ካብ ከተማ ናብ ከተማ ዝግበር መጓዓዝያ ተኣጊዱ ስለዝርከብ፡ ተንቀሳቒሶም ሃለዋት ፈተውቶምን ስድረኦምን ክፈልጡ'ውን ተጸጊሞም ኣለዉ።
ኣብቲ ክሳብ ሕጂ ዘይተወደአ ግጭት፡ ብኣማኢት ወይ'ውን ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ሰባት ከምዝተቐትሉ ይንገር።
ብሰንኪ፡ ዕጽዋ መራኸቢታት፡ ኣብቲ ክልል እንታይ ይኸውን ከምዝነበረ ሓበሬታ ምርካብ ኣጸጋሚ ኮይኑ'ዩ ጸኒሑ።
እቲ ግጭት ኣብቲ ክልል ዓቢ ምፍንቓል ኣስዒቡ ምህላዉ ይግለጽ። ዛጊት ልዕሊ 50,000 ካብቲ ክልል ዝሃደሙ ሰባት ኣብ ሱዳን ኣብ መዓስከር ስደተኛታት ተዓቚቦም ይርከቡ።
ካልኦት ምዕባለታት
ካብዚ ወጻኢ፡ ብፌዴራል መንግስቲ ዝተመዘዘ ብዶክተር ሙሉ ነጋ ዝምራሕ ሓድሽ ምምሕዳር እቲ ክልል ስራሕ ከምዝጀመረ ዘፍለጠ ኾይኑ፡ ቅድሚ ክልተ ሰሙናት ኣብ ሽረ ሓድሽ ከንቲባ ሸይሙ ምምላሱ ዝዝከር እዩ።
ኣብ መላእ ትግራይ እቲ ተቛሪጹ ዝጸንሐ መንግስታዊ ስራሕቲ ክጅመርን፡ ሰራሕተኛታት መንግስቲ ናብ ስርሖም ክምለሱን ጻውዒት ገይሩ ኣሎ።
ብፍላይ ኣገልግሎት ባንኪ ጠጠው ምባሉ፡ ኣብ ልዕሊ ነበርቲ ዓብዪ ጸገም ፈጢሩ ከምዘሎ እዩ ዝንገር።
ዝበዝሓ ትካላት ጥዕና መሰረታዊ ኣገልግሎት ከይህባ ናብ ዘይኽእላሉ ጀረጃ ከምዝበጽሓ'ውን ብሰፊሑ ይዝረብ።
መንግስቲ ፌዴራል ናብ ገለ ከተማታት ረድኤት ከምዘብጸሐ ዝገለጸ ኾይኑ፡ ዓለምለኸ ማሕበር ቀይሕ መስቀል ድማ ናብቲ መባእታዊ ናይ ሕክምና ኣገልግሎት ጠጠው ኣብ ምባል ዝነበረ (ሪፈራል) ሆስፒታል ዓይደር መድሓኒት ከምዘግዓዘ ኣፍሊጡ ኣሎ።
ጊዜያዊ ምምሕዳር ትግራይ፡ ኣብቲ ክልል ዝነበረ ስሩዕ ምንቅስቓስ ክጅምር ካብ ምግባር ብተወሳኺ፡ "ብሕጋዊ ኮነ ብዘይሕጋዊ መገዲ መሳርሒ ዝዓጠቐ ዝኾነ ይኹን ሰብ ክሳብ ሰሉስ 6 ታሕሳስ [ኣ.ኢ] ኣብ ከባቢኡ ናብ ዝርከቡ ኣካላት ጸጥታ ከረክብ ከምዝተኣዘዘ" ንዶክተር ሙሉ ብምጥቃስ ኣገልግሎት ዜና ኢትዮጵያ ጸብጺቡ።
እቲ ዕጥቂ ንምርካብ ዝተነጸረ መዓልቲ ምዝተዛዘመ ድማ ኣካላት ጸጥታ ገዛ ንገዛ ብምእታው ተፍትሽ ከምዘካይዱ ተሓቢሩ'ሎ።
ኣብቲ እዋን ኣጽዋር ዝርከቦም ሰባት ብሕጊ ተሓተትቲ ከምዝኾኑ ናይቲ ጊዚያዊ ምምሕዳር ዋና ኣፈጻሚ ሙሉ ነጋ (ዶ/ር) ተዛሪቡ።