ቀዳማይ ሚኒስተር ጣልያን ጁሰፔ ኮንተ ካብ ስልጣኑ ክለቅቕ እዩ

ምንጪ ስእሊ, Reuters
ቀዳማይ ሚኒስትር ጣልያን ጁሰፔ ኮንተ፡ ሎሚመዓልቲ ሰሉስ ካብ ስልጣኑ ከምዝወርድ ተገሊፁ።
ለበዳ ኮሮናቫይረስ ኣብ ምቁፅፃር ብዘርኣዮ ምምሕዳር ነቐፌታ ስለዝቀረበሉ እዩ፡ብገዛእ ፍቓዱ ካብ መዝነቱ ይለቅቕ ዘሎ።
ኣብ ጣልያን፡ ልዕሊ 85 ሽሕ ሰባት ብኮሮናቫይረስ ሞይቶም እዮም።
ቀዳማይ ሚኒስተር ጁሰፔ ኮንተ፡ ካብ ስልጣኑ ምስ ወረደ፡ ካልእ ጥንኩር መንግስቲ ከጣይሽ፡ ብፕረዝደንት እታ ሃገር ዕድል ክወሃቦ የተስፉ።
ብፕረዝደንት እታ ሃገር እዚ ዕድል እንተተዋሂብዎ ድማ፡ ኣብ ባይቶ ምስዝኣተዉ ውድባት ብምዝታይ፡ ሓድሽ ጥንኩር ልፍንታዊ መንግስቲ መስሪቱ ናብ መንበረ ስልጣን ክምለስ ትፅቢት ይግበር።
ጁሰፔ ኮንተ እዚ እንተዘይግሂዱ ግና፡ ፕረዝደንት ጣልያን፡ መንግስቲ ናይ ምምስራት ሓላፍነት ንካልእ ሰብ ኣሕሊፉ ክህብ እዩ። ሓድሽ ሃገራዊ መረፃ ድማ ክካየድ ይኽእል።
ብመሰረት መስርሕ ጣልያን፡ ቀዳማይ ሚኒስተር ጁሰፔ ኮንተ፡ ንሚኒስትራቱ ብምእካብ ስልጣኑ ክለቅቕ ከምዝሓስብ ብወግዒ ክዛረብ እዩ፤ ድሕሪ እዚ ከኣ ናብ ፕረዝደንት ሰርጌዮ ማቴሬላ ብምኻድ፡ ቅዋሙ ከፍልጥ እዩ።
ኣብ 2018 ኣቆፃፅራ ኣውሮጳውያን ናብ ስልጣን ዝመፅአ ጁሰፔ ኮንተ፡ ኣብቲ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ታሕተዋይ ባይቶ ኣብ ስልጣን ከቐፅል ዘኽእል ናይ መተኣማመኒ ድምፂ ረኺቡ ነይሩ።
ቀዳማይ ሚኒስትር ጣልያን ነበር ማቲዮ ሬንዚ ዝመርሕዎ ንእሽተይ ውድብ ‘ኢታልያ ቪቫ’ ካብቲ ውህደት ምውፅኡ ስዒቡ እዩ፡ ጁሰፔ ኮንተ ነዚ መተኣማመኒ ድምፂ ተዋሂብዎ።
ማቲዮ ሬንዚ፡ እቲ ልፍንታዊ መንግስቲ ንሱ ዘቕረቦ ቅድመ ኩነታት እንተተቐቢሉ ጥራሕ፡ ውድቡ ናብቲ ልፍንታዊ መንግስቲ ከምዝምለስ ኣፍሊጡ ኣሎ።
ሕብረት ኣውሮጳ ንጣልያን መሕወይ ብዝብል ዝሃቦ 254 ቢልየን ዳላር ኣብ ምንታይ ይውዓል ዝብል፡ ቀዳማይ ሚኒስተር ነበር ማቲዮ ሬንዚ ምስ ጁሰፔ ኮንተ ንከይሰማምዑ ምኽንያት ከምዝኾነ ይግለፅ።
ውድብ ‘ፋይቭ ስታር ሙቭመንት’ ግና፡ ኣብ ጎኒ ጁሰፔ ኮንተ ኮይኑ ከምዝቕፅል ኣፍሊጡ።
ዘይሻራዊ ቴክኖክራት እዩ ዝበሃል ጁሰፔ ኮንተ፡ ንክልተ ዝተፈላለዩ ዕዉታት መንግስቲ መሪሑ እዩ።
ጁሰፔ ኮንተ፡ ውድብ ‘ኤም5ኤስ’ን ናይ ማቲዮ ሳልቫኒ ሕሉፍ የማናዊ ውድብን ንዝመስረትዎ ልፍንቲ፡ ንኣስታት 15 ኣዋርሕ መሪሑ።
![ኣቦመንበር ህወሓት ደብረጽዮን ገ/ሚካኤል [ዶ/ር] ፡ ምክትሉ ኣቶ ኣማኑኤል ኣሰፋን ሓላፊት ቤት ፅሕፈት ህወሓት ወ/ሮ ፈትለ ወርቅ ገ/ሄርን](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/660/cpsprodpb/799f/live/0f041500-6b1f-11f1-8546-8f19e4fe30f4.jpg.webp)





![ፊልሞን ሓጎስ፣ ኪዳነ ኣንገሶምን ክብሮም ገብረማርያምን [ካብ ጸጋም ናብ የማን] ኣብ 21 ሚያዝያ 2026 ብሞት ተቐጺዖም](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/2266/live/c9828950-553c-11f1-b682-cf91850925ea.png.webp)




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)
