ወድብ ኣንጌላ መርክል፡ ሓድሽ ኣቦ መንበር መሪጹ

ምንጪ ስእሊ, Reuters
ኣርሚን ላሼድ፡ ናይ ኣንጌላ መርክል ፓርቲ ዝኾነ ዲምክራስያዊ ሕብረት ክርስትያን [ ሲዲዩ] ኣቦ መንበር ኮይኑ ተመሪጹ።
ሰሜናዊት ርሂን ውስትፖሊያ ናይ እትበሃል ግዝኣት መራሒ ዝኾነ ላሼት፡ ብቐጥታ ብኢንተርኔት ኣብ ዝተኻየደ መረጻ እዩ ሓድሽ ኣቦ መንበር እቲ ገዛኢ ውድብ ኮይኑ ዝተመርጸ።
ላሼት፡ ንክልተ ተነሓናሕቱ ስዒሩ እዩ ላዕለዋይ ኣቦ መንበር ኮይኑ ተመሪጹ ዘሎ።
እቲ ሓድሽ ኣቦ መንበር፡ ንዝሓለፉ 16 ዓመታት ኣብ ስልጣን ዝጸንሐት ኣንጌላ መርክል፡ ኣብ መጻኢ ወርሒ መስከረም ስልጣን ምስ እተርክብ ክትክኣ ዝኽእል ሰብ ምዃኑ ድማ ይዝረበሉ።
እንተኾነ፡ ብሰንኪ ኮቪድ-19 ከበድቲ መሕልኻታት ከይገጥምዎ ገለ ስግኣታት ኣለዉ።
ላሼት ምስ በዓል መን ተነሓኒሑ?
ወዲ 59 ዓመት ላሼት፡ ኣብ መወዳእታ ንዓቃቢ ፖሊቲከኛን በዓል ሃፍትን ፍሬድሪክ መርዝ 521 ብዝኾነ ድምጺ እዩ ስዒርዋ።
እቲ ሳልሳይ ሕጹይ ተነሓናሒ ዝነበረ ድማ፡ ኣብ መጀመርታ ብርኪ እቲ ውድድር ከምዝተሰናበተ ተገሊጹ።
ብዚ መሰረት ድማ፡ ላሼት፡ ቅድሚ ክልተ ዓመት ናይቲ ውድብ ኣቦ መንበር ኮይኑ ንዝተመርጸ ኣኔግሬት ክራምፕ ካሬንቦር ከምዝትክእ ተፈሊጡ ኣሎ።
ጀርመን፡ ኣብ መጻኢ ወርሒ መስከረም መረጻ እተካይድ ኮይና፡ ኣቦ መንበር ውድብ ሲዲዩ ንመራሒ መንግስትነት ሕጹይ ተወዳዳሪ ኮይኑ ንምቕራብ ዘተኣማምን ነገር ኣይኮነን።
ምክትል ላሼት ኮይኖም ካብ ዝተመርጹ ሓደ ሚኒስተር ጥዕና ጀንስ ስፓን ከምኡ’ውን ናይ ሲዲዩ መሓዛ ውድብ ሲኤስዩ መራሒ ዝኾነ መሪ ማርከስ ሶደር’ውን ነቲ ሓላፍነት ይደልይዎ እዮም ተባሂሎም እዮም ዝሕመዩ ።
ንሳቶም፡ ብኣግኡ ኣብ ቀለበት እቲ ንሕንሕ ኣትዮም ኣለዉ።
እንተኾነ፡ ናይ መወደእታ ውሳነኦም ኣብ መጻኢ ቃውዒ ከፍልጡ እዮም ተባሂሉ።
እቲ ሕዚ ኣቦ መንበር’ቲ ውድብ ኮይኑ ተመሪጺ ዘሎ ላሼት፡ ናይ ኣንጌላ መርክል እሙንን ደጋፊ እዩ ተባሂሉ።






![ፊልሞን ሓጎስ፣ ኪዳነ ኣንገሶምን ክብሮም ገብረማርያምን [ካብ ጸጋም ናብ የማን] ኣብ 21 ሚያዝያ 2026 ብሞት ተቐጺዖም](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/2266/live/c9828950-553c-11f1-b682-cf91850925ea.png.webp)




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)
