ሚኒስተር ፋይናንስ ክፍለ ሃገር ኦንታርዮ ሮድ ፊሊፕስ ብሰንኪ ናይ ካሪብያን መገሽኡ፡ ስልጣኑ ሓዲጉ

ሮድ ፊሊፕስ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ሚኒስተር ፋይናንስ ኦንታርዮ ካብ መዝነቱ ተኣልዩ
Published

ሚኒስተር ፋይናንስ ክፍለ ሃገር ኦንታርዮ ካናዳ፡ ካብ መዝነቱ ከም ዝወረደ ኣመሓዳሪ እታ ግዝኣት ዶውግ ፎርድ ሓቢሩ።

ሚኒስተር ሮድ ፊሊፕስ፡ እታ ክፍለ ሃገር ብሰንኪ ኮቪድ ተሪር ኣዋጅ ዕጽዋ ኣንቢራ ኣብ እትርከበሉ እዋን ናብ ካሪብያን ብምጋሹ እዩ ስልጣኑ ክሓድግ ተገዲዱ።

ሚኒስተር ሮድ እቲ መገሽኡ ክፍጸም ዘይነበሮ ጌጋ ምንባሩ ብምእማን ይቕሬታ ሓቲቱ ኣሎ።

ዶውግ ፎርድ ብሓሙስ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ምእላይ እቲ ሚኒስተር፡ "መንግስቱ ንትግባረ እቲ ዝወጽእ መምርሒታት ብዕቱብ ከም ዝሕዞ መርኣዪ እዩ" ኢሉ።

ኣብ ካናዳ ዝበዝሑ ነበርቲ ዘለዋ ክፍለ ሃገር ኦንታርዮ፡ ብሰንኪ እቲ ዝምዝገብ ዘሎ ልዑል ቁጽሪ መልከፍቲ ኮሮናቫይረስ፡ ግድነታዊ ዘይኾኑ መገሻተት ንኻልእ እዋን ክሰጋገሩ ወሲና እያ።

ኣባል ገስጋሲ ዓቃባዊ ሰልፊ ዝኾነ ሮድ ፊሊፕስ ንክዛወር ናብ ሰይንት ባርትስ ብ13 ታሕሳስ ድሕሪ ምኻድ ብሓሙስ ተመሊሱ።

ሰብ መዚ ጥዕና ኦንታርዮ ኣብዚ እዋን ኣብታ ክፍለ ሃገር ንዝርአ ዘሎ ምልባዕ ኮቪድ-19 ንምዕጋት ነበርቲ ምንቅስቓሳት ከወግዱ ተማሕጺኖም ነይሮም።

Presentational grey line

ኩነታት ኮቪድ ኣብ ኦንታርዮ

  • ኦንታርዮ ታሕሳስ 26 ተሪር ዕጽዋ ኣንቢራ
  • እታ ግዝኣት ብሓሙስ ዛጊት ዝለዓለ ቁጽሪ መልከፍትን (3,328) 56 ሞትን መዝጊባ
  • ካናዳ ብጠቕላላ 582 ሽሕ ሰባት ብኮሮናቫይረስ ክልከፉ እንከለው፡ 15600 ሰባት ሞይቶም ኣለው
Presentational grey line