ቦይንግ 737 ማክስ: ነፋሪት መገዲ እየር ካናዳ ሃንደበት ክትዓልብ ተገዲዳ

ካብ በረራ ተኣጊደን ዝጸንሓ ነፈርቲ ቦይንግ 737 ማክስ: ሲያትል 1 ነሓሰ 2019

ምንጪ ስእሊ, Reuters

መግለጺ ስእሊ, ካብ በረራ ተኣጊደን ዝጸንሓ ነፈርቲ ቦይንግ 737 ማክስ
Published

ነፋሪት መገዲ ኣየር ካናዳ ዝኾነት ቦይንግ 737 ማክስ ብሰንኪ ዘጋጠማ ናይ ሞተረ ብልሽት ሃንደበት ክትዓልብ ከም እተገደደት፡ እቲ መገዲ ኣየር ሓቢሩ።

እታ ብዓርቢ ካብ ግዝኣት ኣሪዞና ኣሜሪካ ናብ ሞንትሪያል ካናዳ ትበርር ዝነበረት ነፋሪት ድሕሪ ምብጋሳ ከይጸንሐት ከም ዝዓለበት ኣየር ካናዳ ገሊጹ።

ኣብታ ነፋሪት ሰለስተ ሰራሕተኛታት ዝነበሩ ኮይኖም ብሰላም ምዕላባ ተፈሊጡ።

ነፈርቲ ቦይንግ 737 ማክስ፡ ድሕሪ ዘጋጠመን ክልተ ሓደጋታት: ኣብ 2019 ካብ በረራ ተኣጊደን ድሕሪ ምጽናሕ ኣብዚ ወርሒ እየን ክበርራ ፍቓድ ረኺበን።

ኣብቲ ኣብ ውሽጢ ናይ ሓሙሽተ ኣዋርሕ ፍልልይ ኣብ ኢንዶኔዥያን ኢትዮጵያን ዘጋጠመ ምውዳቕ እተን ነፈርቲ 346 ሰባት ሞይቶም እዮም።

እቲ ሓደጋታት፡ ኤምካስ ምስ ዝበሃል ሶፍትዌር እተን ነፈርቲ ዝተኣሳሰር ምዃኑ ተፈሊጡ እዩ።

እቲ ንኣውቶማቲካዊ በረራ ዘገልግል ሶፍትዌር ነተን ነፈርቲ ብኣፍንጭአን ከንቆልቁላ ከም ዝገብር ይግለጽ።

ኣየር ካናዳ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ እቶም ኣብረርቲ፡ ኣብ ሓደ ሞቶር ጸግም ከም ዘሎ መልእኽቲ ምስ በጽሖም፡ ነቲ ሞተር ብምጥፋእ መገዶም ናብ ታስከን ኣሪዞና ገጾም ከም ዝቐየሩ ሓቢሩ።

እታ ገያሾ ዘይነበርዋ ነፋሪት ካብ ተዓሺጋትሉ ዝጸንሐት ስፍራ እያ ተበጊሳ ናብ ሞንትርያል ትበርር ነይራ።

ድሕሪ እቲ ዘጋጠመ ክልተ ሓደጋታት፡ ቦይንግ ኣብ ልዕሊ ነፈርቲ 737 ማክስ ንምምሕያሽ እቲ ናይ በረራ መቆጻጸሪ ሶፍትዌር ዝርከቦም ብዙሕ ምምሕያሻት ከም ዝገበረ ይግለጽ።

ነፋሪት ቦይንግ 737 ማክስ ቅድሚ ሰለስተ ሰሙን ኣብ ብራዚል እያ ገያሾ ጽዒና ዳግም ናብ በረራ ተመሊሳ።