ኣብ ፈረንሳ ሓደ ዕጡቕ ሰለስተ ፖሊስ ቀቲሉ

ፖሊስ ፈረንሳ

ምንጪ ስእሊ, AFP

Published

ኣብ ፈረንሳ፡ ኣብ ሰይንት ጀስተ ዝተብሃለት ገጠር ሓደ ዕጡቕ ሰለስተ ፖሊስ ከምዝቐተለ ተገሊጹ።

እቶም ፖሊስ ሓንቲ ሃዲማ ኣብ ዝባን ናሕሲ ዝተሰቕለት ጓል ኣንስተይቲ ክሕግዝዋ ኣብ ዝፈተንሉ እዋን እዮም ብሓደ ዕጡቕ ተቐቲሎም።

እቲ ዕጡቕ ነቶም ፖሊስ ብምቕታል ነቲ ገዛ ሓዊ ከእትወሉ እንከሎ፡ ሓደ ካልእ ፖሊስ'ውን ኣብ እግሩ ተሃሪሙ ቆሲሉ ከምዘሎ ተፈሊጡ።

እታ ኣብ ዝባን ናሕሲ ኮይና ሓገዝ እትሓት ዝነበረት ጓል እንስተይቲ'ውን ብህይወት ክተተርፍ ክኢላ።

እቲ ነቲ ቕትለት ዝፈጸመ ውልቀ ሰብ ወዲ 48 ዓመት ኮይኑ ነቲ ቅትለት ንምንታይ ከምዝፈጸሞ ኣብ ምጽራይ እዩ ዘሎ።

ከንቲባ ሰይንት ጀስት፡ ፈራንኮይስ ቻውታርድ ንማዕከን ዜና ሊ ፊጋሮ ከምዝሓበሮ፡ እቲ ገዛ ምሉእ ብምሉእ ስለዝተቃጸለ፡ እቲ ጥርጡር ኣብ ውሽጢ ድዩ ሞይቱ ዋላ ነቲ ቅትለት ምስ ፈጸመ ሃዲሙ ተፍትሽ ይግበር ምሃላዉ ገሊጹ።

ፖሊስን ኣጥፋእቲ ሓውን ኣብቲ ዝተቃጸለ ገዛ ተፍትሽ ይገብሩ ምህላዎም'ውን ተገሊጹ።

እቶም ሰለስተ ፖሊስ ብጥይት ተወቒዖም ከምዝሞቱ እቲ ሓደ ከኣ ከምዝተወግአን ፖሊስ እቲ ከባቢ ሓቢሮም።

እቶም ፖሊስ ድሕሪ ፍርቂ ለይቲ ናብቲ ሓገዝ ዝተሓተትሉ ቦታ ኣብ ዝበጽሕሉ ኣድራጋ ጠያይቲ ከምዝተተኾሶም እቲ መግልጺ ፖሊስ ይሕብር።

ሚኒሰተር ውሽጣዊ ጉዳያት ፈረንሳ ጀራልድ ዳርማነከን፡ እቶም ዝሞቱ ፖሊስ ወዲ 21 ዓመት ኣርኒኦ ማቨል፤ ወዲ 45 ዓመት ሳይሪል ሞረልን ከምኡ'ውን ወዲ 37 ዓመት ረሚ ዱፒስ ዝብሃሉ ምዃኖም ገሊጹ።

እቲ ሚኒሰተር ንስድራን መሳርሕትን ግዳያት ጽንዓት ይሃብኩም ብምባል ዝተሰመዖ ሓዘን ገሊጹ። እቲ ሚኒስተር ብምስዓብ፡ ፖሊስ ንድሕነት ህዝቦም ክብሉ ንነብሶም ንሓደጋ ኣቓሊዖም ይሰርሑ ምህላዎም ሓቢሩ።

እቲ ዝተወገአ ፖሊስ መውጋእቱ ኣብ እግሩ ኮይኑ ኩነታቱ ዘስግእ ከምዘይኮነ'ውን ተሓቢሩ።