መንግስቲ ኢትዮጵያ ቀረባት መግቢን ሕክምናን ናብ ትግራይ ከምዝለኣኸ ኣፍሊጡ

Published

ቤት ጽሕፍት ቀዳማይ ሚኒሰትር ሎሚ ኣብ ዝውጽኦ መግልጺ ብወገኑ፡ 18,200 ኩንታል መግቢ ኣብ 44 መካይን ተጻዒኑ ብ8 ታሕሳስ ናብ ሽረ ከምዝበጽሐ ሓቢሩ ኣሎ።

እቲ መግለጺ ብምስዓብ፡ 4 መካይን 55,00 ኩንታል መግቢ ጽዒነን፡ ከምኡ'ውን 30 መካይን 12,500 ኩንታል ቀረብ መግቢ ጽዒነን መቐለ ኣትየን ምህላውን ገሊጹ።

ብዘይካ እዚ፡ 3 መካይን ቀረብ መድሃኒታት ሒዘን ጥቃ መቐለ በጺሐን ምህላወንን፡ 7 መካይን ቀረብ መድሃኒት ሒዘን ኣብ ሽረን ዓዲ ግራትን ኣትየን ምህላወን ቤት ጽሕፈት ቀዳማይ ሚኒሰትር ሎሚ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ ሓቢሩ።

ኣብቲ ክልል ዝቕጽል ዘሎ ውግእ፡ ሰባዊ ረዲኤት ከይኣቱ ዕንቅፋት ኮይኑ ምህላዉ፡ ሰብመዚ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ተዛሪቦም ነይሮም።

ይኹን እምበር፡ መንግስቲ ነቲ መግለጺ ናይ ሕቡራት ሃገራት ብምንጻግ፡ ናብ ክልል ዝግበር ምንቅስቓስ "ምስ መንግስቲ ብዝግበር ምውህሃድ ጥራይ" ክኸውን ከምዘፍቅድ ይገልጽ።

ብሚልዮናት ዝቑጸሩ ነበርቲ እቲ ክልል፡ ቀረባት መግብን ሕክምናን ይውድኡ ምህላዎም ትካላት ረዲኤት የጠንቅቑ።

ኣብ ዝሓለፈ መዓልታት፡ ሆስፒታላት መቐለ ከቢድ ሕጽረት ሕክምናዊ ኣገልግሎት ከምዘጋጠመን ማሕበር ቀይሕ መስቀል ሓቢሩ።

ኣብ ትግራይ ከተማ መቐለ ዝርከብ መወከሲ ('ሪፈራል') ሆስፒታል ዓይደር፡ ኣዝዩ ከቢድ ሕጽረት ስሩዕ ኣገልግሎት ንምሃብ ናይ ዘኽእልዎ ቀረባት ስለዘጋጠሞ ሕክምና ንዘድልዮም ንምግልጋል ኣብ ዘይክእለሉ ደረጃ በጺሑ ምህላዉ ተፈሊጡ።

ክሳብ ሓሙስ ኣብ ዝነበረ ሓበሬታ እቲ ሆስፒታል ድንገተኛን መድሕን ህይወትን ዝበሃሉ ከም መጥባሕትን ሕክምና ብጽኑዕ ዝሓመሙ ዝበሉ ኣገልግሎታት ከቋርጽ ከምዝተገደደ ወሃቢት ቃል ዓለምለኻዊ ማሕበር ቀይሕ መስቀል ጨንፈር ምብራቕን ቀርኒን ኣፍሪቃ ክሪስታል ዌልስ ንቢቢሲ ተዛሪባ።

እታ ወሃቢት ቃል ከምዝሓበረቶ፡ ዓይነታት መድሃኒት፣ ናውቲ ሕክምናን ነዳድን ካብ ዝሓለፈ ሰሙን ጀሚሩ ስለዝተወደአ ናብዚ ደረጃ ከምዝበጽሐን፡ ዘድልዮ ቀረብ ንምምላእ ምስ መንግስቲ ይዘራረቡ ከምዘለዉ ተዛሪባ።

ብሰንኪ'ቲ ልዕሊ ሓደ ወርሒ ዘቑጸረ ግጭት፡ ብኣማኢት ዝቑጸሩ ሰባት ከም ዝተቐትሉን፡ ብዓሰርተታት ኣሽሓት ዝቑጸሩ ሰላማውያን ሰባት'ውን ከምዝተፈናቐሉ ይፍለጥ።

ልዕሊ 50,000 ካብቶም ዝተፈናቐሉ፡ ሃዲሞም ናብ ሱዳን ኣትዮም ይርከቡ።

ኣስታት 100,000 ኤርትራውያን ስደተኛታት'ውን፡ ኣብቲ ክልል ኣብ ዝርከቡ መዓስከራት ስደተኛታት፡ ብዘይ ቀረብ መግቢ ኣብ ዘስግእ ኩነታት ከምዝርከቡ ትካላት ረዲኤት ይገልጹ።