እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ናሚቢያዊ ዲፕሎማሰኛ ክልተ ደቁ “ኣብ ኢትዮጵያ ተቐቲሎም”
ኣብ ኢትዮጵያ ዝርከብ ናሚቢያዊ ዲፕሎማሰኛ ክልተ ደቁ ከምዝተቐተሉ ኣብታ ሃገር እትሕተም ጋዜጣ ‘ዘ ናሚቢያን’ ሓቢራ።
እታ ጋዜጣ ብምኽትል ቀዳመይቲ ሚንስትር እታ ሃገር ኔቱምቦ ናንዲ- ዳይታዋህ ንዝተወሃበ መግለጺ ብምጥቃስ ከምዝጸብጸበቶ፡ በዓልቲ ቤት ናይቲ ዲፕሎማሰኛ’ያ ነቲ ቕትለት ፈጺማቶ።
ኣብ ኢትዮጵያ እትነብር “በዓልቲ ቤት ዲፕሎማሰኛ” ክብል ዝሓበረ እቲ መግለጺ “ንኽልተ ኣናእሽተይ ደቃ ከምዝቐተለት ሓበሬታ በጺሑና” ኢሉ።
ብዘይካ’ቶም ክልተ ዝተቐተሉ ቆልዑት ኣብ ሳልሳይ ወዶም’ውን ፈተነ ከምዝገበረት እቲ መግለጺ የመልክት።
እቲ ብህይወት ዝተረፈ ቆልዓ ኣብ ሆስፒታል ሓገዝ ሕክምና ይግበረሉ ከምዘሎ፡ እቲ ንምኽትል ቀዳማይ ሚንስትር ናሚቢያ ዝጠቅስ ጸብጻብ ጋዜጣ ‘ዘ ናሚቢያን’ የመልክት።
ምኽትል ቀዳመይቲ ሚንስትርን ሚንስትር ዓለምለኻዊ ርክባትን ኔቱምቦ ናንዲ- ዳይታዋህ ኣብ መግለጺኣ፡ ናሚቢያውያን ንስድራ እቲ ዲፕሎማሰኛ ከየጨናንቑ ሓቲታ።
“ኣብ ከምዚ ዝበለ ዘሕዝንን ዘሰንብድን ዜና” ከምዝርከቡ ብምሕባር’ያ ዜጋታት ነዚ ክገብሩ ዘተሓሳሰበት።
ምስቲ ዝተፈጸመ ቅትለት ብዝተሓሓዝ ኣብ ቀይዲ ዝወዓለ እንተሃልዩ ብዝምልከት ግን ኣብቲ መግለጺ ዝተሓበረ ነገር የለን።