እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
መጻረዪ ዋንጫ ዓለም፡ ኤርትራ ምስ ናሚቢያ፡ ኢትዮጵያ ምስ ሌሰቶ ገጢመን
ኣብ 2022 ቀጠር ኣብ ዝእንገድ ዋንጫ ዓለም፡ ዝሳተፋ ሃገራት መጻረዪ ግጥማት ምክያድ ጀሚረን። ሃገራውያን ጋንታታት ኤርትራን ናሚቢያን፡ ረቡዕ ኣብ ስታዲየም ኣስመራ ገጢመን ኤርትራ 2 ብ 1 ክትሰዓር ከላ፡ ኣብ ባህርዳር ምስ ሌሰቶ ዝገጠመት ኢትዮጵያ 0 ብ 0 ተፈላልያ።
ንሃገራዊት ጋንታ ናሚብያ ኣብ ሜድኣ ዓዲማ ዝገጠመት ኤርትራ ንዕረፍቲ ብዘይ ሸቶ እያ ወጽያ፤ ድሕሪ ዕረፍቲ ግና ኣብ መበል 50 ደቂቕ ናሚብያ ብሓለቓ ጋንትኣ ብፒተር ሻሉሊ ኣቢላ ፈላሚ ሸቶ ኣመዝጊባ።
ድሕሪ ሸሞንተ ደቓይቕ ተኸላኻሊ ሃገራዊ ጋንታ ኤርትራ እሰይ እስቲፋኖስ ብዝፈጸሞ ጌጋ፡ ሃገራዊት ጋንታ ናሚብያ ካልኣይቲ ሸቶ ኣመዚጊባ።
ኤርትራ ኣብ መበል 65 ደቂቕ ኤርትራ ብዓሊ ሱሌማን ኣቢላ ሓንቲ ሸቶ ኣመዝጊባ፤ ጸወታ 2 ብ 1 ተዛዚሙ።
ኣብ ከተማ ባህርዳር ዝገጠማ ሃገራውያን ጋንታታ ኢትዮጵያን ሌሴቶን ብዘይ ሸቶ እየን ተፈላልየን።
ናይ መልሲ ግጥም ሰሉስ 10 መስከረም ናሚብያ ምስ ኤርትራ ኣብ ዊንድሆክ፤ ሌሰቶ ምስ ኢትዮጵያ ኣብ ማሴሩ ክካየድ እዩ።
ምድላዋት ሃገራዊት ጋንታ ኤርትራ
ሃገራዊት ጋንታ ኤርትራ ኣድላዪ ምድላዋት ከም ዝገበረት አሰልጣኒ እታ ጋንታ ኣለምሰገድ ተስፋይ ንቢቢሲ ሓቢሩ።
"እቶም ናይ ትሕቲ 20 ዝነበሩን ነባራት ተጻወትቲ ከምኡ'ውን ኣብ ደገ ካብ ዘለው ፕሮፌሽናላት ተጻወትቲ ዝሓዘት ጋንታ ቆይማ ኣላ። ነዚ ውድድር ተዓዊትናሉ ክንወጽእ ዝከኣለና ሰሪሕና ኣለና" ኢሉ።
ሃገራዊት ጋንታ ኤርትራ፡ ነዚ ውድድር ዝሳተፉ ተጻወትቲ ካብቶም ንውሕ ንዝበሉ ኣዋርሕ ሒዛቶም ዝጸንሐት ተጻወትቲ ትሕቲ 20ን ካልኦት ፕሮፌሽናላትን ብምሓዝ፡ ንሓደ ወርሕን ክልተ ቕነን ተጠርኒፋ ምድላዋት ክትገብር ምጽንሓ ኣሰልጣኒ ኣለምሰገድ ገሊጹ።
ግን፡ ካብ ኣህጉራዊ ውድድራት ቦኲራ ዝጸንሐት ኤርትራ፡ እዚ ውድድር ክሳብ ክንደይ ክብድሃ ይኽእል?
"እቲ ተሳትፎና ንውሕ ዝበለ ግዘ'ኳ እንተሃለዎ፡ ንዘለውና ተጻወትቲ ክእለቶም ተጠቒምና ነቲ ዝገጥሞም ብድሆ ሰይሮም ጽቡቕ ጸወታ ኣርእዮም ክወጽኡ ተዳሊኒና ኣለና። ውጽኢት ኩዕሶ እግሪ ኣቐዲምካ ትትንብዮ'ኳ እንተዘይኮነ፡ ኣብ ሜዳ ተወዳደርቲ ኮይንና ደረጅኡ ዝሓለወ ጸወታ ኣርኢና ክንወጽእ ግን ተስፋና'ዩ" ኢሉ ኣሰልጣኒ ኣለምሰገድ።
ብኣሰልጣኒ ቦቢ ሳማሪያ እትምራሕ ሃገራዊት ጋንታ ናሚቢያ፡ 23 ተጻወትቲ ሒዛ ኣስመራ ኣትያ እያ።
ኣሰልጣኒ ቦቢ ሳማሪያ ተጻወትቲ ምሕራይ ቀሊል ከም ዘይነበረ ብምግላጽ፡ ጋንትኡ ጽቡቕ ክትጻወት እያ ዝብል እምነት ከም ዘለዎ ሓቢሩ። ግጥም ካልኣይ እግሪ እዘን ጋንታታት ድማ 10 መስከረም ኣብ ናሚቢያ ስታዲየም ሳም ኑጆማ ክካየድ'ዩ።
ብኻልእ ወገን፡ ሃገራዊት ጋንታ ኢትዮጵያ ሎሚ ድሕሪ ቐትሪ ሰዓት 4፡00 ኣብ ስታዲየም ባህርዳር ንኣንጻራዊት ጋንታ ሌሴቶ ክተአንግድ'ያ። ካልኣይ እግሪ ጸወታ እዘን ጋንታታት መጻኢ ሰንበት [8 መስከረም] አብ ሌሴቶ ክካየድ'ዩ።
ኣብ 1936 ኣብ በርሊን ድሕሪ ዝተኻየደ ኦሎምፒክ፡ ዋንጫ ዓለም እቲ ኣዝዩ ዘካትዕን ብዙሕ ተመልካቲ ዘለዎን፡ ዓውዲ እዩ።
ኣብ 2018 ዝተኻየደ ዋንጫ ዓለም፡ ሃገራዊት ጋንታ ፈረንሳ እቲ ክትዕወተሉ እንከላ፡ ውሱን ትሕተ ቕርጺ ስፖርት ዘለዋ ቀጠር ምስ ሃገራት ኢንግሊዝ፣ ኣውስትራሊያ፣ ስፔን-ፖርቹጋል፣ ኔዘርላንድ-ቤልጅም፣ ደቡብ ኮርያን ጃፓንን ተወዳዲራ'ያ መሰል ምእንጋድ እዚ ቶርናመንት ረኺባ።
ን28 መዓልታት ቀጠር እተአንግዶ ዋንጫ ዓለም 2022፡ ኣብ ዓረባዊት ሃገር ንፈለማ እዋን ዝካየድ ኮይኑ፡ 32 ሃገራውያን ጋንታታት ክሳተፋ እየን።