ኣመሪካ፡ ንሱዳን ካብ 'መዝገብ ግብረ-ሽበራ' ብወግዒ ኣልያታ

ኣመሪካ ሱዳን

ምንጪ ስእሊ, Reuters

Published

ኣመሪካ ንሱዳን ካብ መዝገብ ንግብረሽበራውያን ዝምውላ ሃገራት ብወግዒ ከምዝሓኸኸታ ኤምባሲ ኣመሪካ ኣብ ሱዳን ሓቢሩ።

ኢምባሲ ኣመሪካ ኣብ ሱዳን ኣብ ናይ ፍስቡክ ገጹ ከምዝሓበሮ፡ ኣመሪካ ካብ ሎሚ (14 ታሕሳስ) ጀሚራ ንሱዳን ካብ መዝገብ ንግብረሽበራ ዝምውላ ሃገራት ከምዝኣለየታ ገሊጹ ኣሎ።

ፕረዚደንት ኣመሪካ ዶናልድ ትራምፕ ኣቐድም ኣቢሉ፡ ሱዳን፡ ንስድራ እቶም ኣብ 1998 ብኣልቓዒዳ ኣብ ልዕሊ ቤት ጽሕፈታት ኣመሪካ ዝተፈጸሙ መጥቓዕትታተ ዝሞቱ፡ 335 ሚልዮን ዶላር ካሕሳ እንተኸፊላ፡ ካብ መዝገብ ንግብረሽበራውያን ዝሕግዛ ሃገራት ከምእትእለ ምሕባሩ ዝዝከር እዩ።

ቀዳማይ ሚኒሰተር ሱዳን ዓብደላ ሓምዶክ ብወገኑ እቲ ዝተሓተትዎ መጠን ገንዘብ ከምዝኸፈሉ ምግላጹ ይዝከር።

ሱዳን ኣብ 1993 ንኦሳማ ቢንላዲን ኣብ ሃገራ ዓቊባቶ ምህላዋ ምስ ተረጋገጸ፡ ኣመሪካ፡ ምስ ኢራን፡ ሰሜን ኮርያን ሶርያን ኣብ መዝገብ ንግብረሽበራውያን ዝሕግዛ ሃገራት ከምዝመዝገበታ ይዝከር።

በዚ መሰረት ሱዳን ንዝሓለፈ 27 ዓመታት ኣብ መዝገብ ንግብረሽበራውያን ዝሕግዛ ሃገራት ተመዝጊባ ድሕሪ ምጽናሕ እያ ሕጂ ካብቲ መዝገብ ትእለ ዘላ።