ብሰንኪ ዓሌታዊ ጸርፊ ትማሊ ዝተቋረጸ ግጥም ጋንታታት ፒኤስጅን ኢስታንቡል ባስክሰሁርን ሎሚ ክካየድ እዩ

ምንጪ ስእሊ, Reuters
ኣብ ሞንጎ ፈረንሳዊት ጋንታ ፓሪስ ሰይንት ጀርመይንን ቱርካዊት ጋንታ ኢስታምቡል ባሳክሰሂርን ትማሊ ዝካየድ ዝነበረ ግጥም ጎባልል ክለባት ኣውሮጳ፡ ራብዓይ ዳኛ ኣብ ልዕሊ ኣባል ጋንታ ኢስታምቡል ባሳከስሂር ዓሌታዊ ጸርፊ ጻሪፉ ብዝብል እቲ ጸወታ ድሕሪ ምቁራጹ፡ እቲ ጸወታ ሎሚ ክካየድ ተወሲኑ።
ጋንታ ኢስታንቡል ባሳክሰሂር ራብዓይ ዳኛ ሰበስትያን ኮልተስኩ፡ ንምክትል ኣሰልጣኒ እታ ጋንታ ፔር ወቦ ዓሌታዊ ጸርፊ ጸሪፍዎ ብምባል ከሲሳ።
ምክትል ኣሰልጠኒ ጋንታ ኢስታንቡል ተጻዋታይ ሃገራዊ ጋንታ ካሜሮን ነበር ወቦ፡ ምስ ራብዓይ ዳኛ ድሕሪ ምዝርራቡ ቀይሕ ካርድ ተዋሂቡ።
እቲ ራብዓይ ዳኛ ንወቦ ዓሌታዊ ጸርፊ ምስ ጸረፎ ተጻወትቲ ጋንታ ኢስታንቡል ሜዳ ገዲፎም ብምውጻእ ናብ መቀየሪ ክዳን ኣትዮም፡ ተጻወትቲ ፓሪስ ሰይንተ ጀርመይን’ውን ንዕኦም ስዒቦም ካብ ሜዳ ወጺኦም።
እዚ ክስትት እዘን ኣብ ጉጅለ ኤች ዝርከባ ክልቲአን ጋንታት 14 ደቓይቕ ምስ ተጻወታ እዩ ኣጋጢሙ፡ ክሳብ ሽዑኡ ኸኣ ሸቶ ከየመዝገባ ዜሮ ብዜሮ እየን ነይረን።
እቲ ኣብ መበል 14 ደቂቕ ዝተቋረጸ ጸወታ ሎሚ ሮቡዕ ነቲ ተሪፍዊ ዘሎ ግዜ ንምዝዛም ሰዓት 8፡55 ድሕሪ ቀትሪ ብኣቆጻጽራ ቀርኒ ኣፍሪቃ ጸወተአን ክቅጽላ ተወሲኑ ኣሎ።
ማንቸስተር ዩናይትድ ብጋንታ ቢ ለይፒዝግ ስለዝተሰዓረት፡ ፓሪስ ሰይንት ጀርመይን ድሮ ምስተን ዝሓለፈ 16 ጋንታታት ምኳና ኣረጋጊጻ’ያ።
ማሕበር ኵዕሶ እግሪ ኣውሮጳ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ “ማሕበር ኵዕሶ እግሪ ኣውሮጳ ምስ ክልቲአን ጋንታታት ድሕሪ ምዝታይ፡ እቲ ጸወታ ካብቲ ዝተቋረጾ ብኻልእ ጉጅለ ደያኑ ክካየድ እዩ ሊሚ ክካየድ” ኢሉ።
እቲ መግልጺ ብምስዓብ “ነቲ ዝነበረ ክስተት ንኽጻረ’ውን ብቅልጡፍ መስርሕ መርመራ ክጅመር’ዩ” ኢሉ።
ኣብ ተቀያሪ መንበር ዝነበረ ኣጥቃዓይ ጋንታ ኢስታንቡል ደምበ ባ “ንምንታይ? ንምንታይ ጸሊም ትብል? እዚ ጸሊም ወዲ ምባል ንምንታይ ኣድለየካ?” እናበለ ነቲ ራብዓይ ዳኛ ክዛረቦ ይስማዕ’ዩ።
ሰብ መዚ እቲ ውድድር፡ እቲ ጸወታ ኣብቲ መዓልቲ ክካየድ ከምዘይክእሉ ንኽውስኑ ሓደ ሰዓት እዩ ወሲድሎም፡ ኣብቲ ኣጋጣሚ እቲ ጸወታ ክቅጽል ትጽቢት ዝነበሮም ተጻወትቲ ፒኤስጂ ኣብቲ ናብ መቐየሪ ክዳን ዝወስድ ኮሮድዩ ነብሶም የወዓዕዩ ነይሮም፡ ተጻወትቲ ጋንታ ኢስታንቡል ግን ሓንሳብ ናብ መቐየሪ ክዳን ምስ ኣተዉ ኣይተመለሱን።ብድሕሪ እዚ ኣጥቃዓጥ ጋንታ ፒኤስጂ ካይልያን ምበፐ ኣብ ትዊተር “ኣይፋል ንዓሌታውነት፡ ወበ ኣብ ጎንኻ ኣለና” ዝብል ጽሑፍ ለጢፉ።
ፕረዚደንት ቱርኪ ብወገኑ ማሕበር ኵዕሲሶ እግሪ ኣውሮጳ “ግቡእ ስጉምቲ ክውስድ” ትጽቢት ከምዝገብር ብምግላጽ፡ ኣብ ትዊተር ኣብ ዝጸሓፎ “ኣብ ስፖርትን ኣብ ካልእ ዓውድታትን ኣድልዎ ንኸይህሉ ኣንጻር ዓሌታውነትን ኢና” ኢሉ።







![ፊልሞን ሓጎስ፣ ኪዳነ ኣንገሶምን ክብሮም ገብረማርያምን [ካብ ጸጋም ናብ የማን] ኣብ 21 ሚያዝያ 2026 ብሞት ተቐጺዖም](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/2266/live/c9828950-553c-11f1-b682-cf91850925ea.png.webp)




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)
