እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
‘ዓው ኢሉ እናነቀወ ረቡሹኒ’ ኢሉ ንኩኩናይ ብጥይት ዝቐተለ ፈረንሳዊ 5 ኣዋርሕ ክእሰር ተፈሪዱ
ኣብ ፈረንሳ ሓደ ውልቀ ሰብ “ዓው ኢሉ እናነቀወ ረቡሹኒ” ብዝብል ምኽንያት ንሓደ ኩኩናይ [ዓንዳፍ] ብጥይት ቶኲሱ ብምቅታሉ ሓሙሽተ ኣዋርሕ ክእሰር ተፈሪዱ።
እቲ ‘ፈጻሚ ገበን’ ፈረንሳዊ ነቲ ማርሴል ዝብሃል ደርሆ ኣብ ዘይሰዓቱ እናነቀወ ረቢሹኒ ብምባል ኣብ ወርሒ ግንቦት እዩ ቀቲልዎ።
ዋና ማርሴል ዝኾነ ሴባስቲያን ቨርኒ ‘ፍትሒ ንደርሆይ፡ ፍትሒ ንማርሴል’ ብምባል ኣብ ማሕበራዊ ሚድያታት ቀታሊ ደርህኡ ኣብ ፍርዲ ክቐርብ ክጉስጉስ ጸኒሑ’ዩ።
ክሳብ ሕጂ ኣብ ልዕሊ 100 ሽሕ ዝኾኑ ሰባት ‘ፍትሒ ንማርሴል’ ዝብል ጎስጓስ ተጸንቢሮም ክታሞም ኣንቢሮም ኣለዉ።
እቲ ንማርሰሌ ዝቐተለ ውልቀ ሰብ ኣብ ልዕሊ ናይ ጎሮቤቱ እንስሳ ግፍዓዊ ቅትለት ፈጺሙ ዝብል ክሲ ቀሪብሉ ገበነኛ ኮይኑ ተረኺቡ።
ቤት ፍርዲ ኣብ ዝውዓሎ መጋባእያ፡ ተኸሳሲ ኣብ ልዕሊ እቲ ናይ ሓሙሽተ ወርሒ ማእሰርቲ 300 ዩሮ ክቅጻዕ’ውን ተበይንዎ ኣሎ።
እቲ ተኸሳሲ፡ ካብ ማእሰርቲ ምስ ወጽእ’ውን ንሰለስተ ዓመታት ዝኾነ ዓይነት ብረት ከይሕዝ እቲ ቤት ፍርዲ ኣጊድዎ ኣሎ።
ዋና እቲ ዝተቐተለ ደርሆ ዝኾነ ሴባስትያን “ቀታሊ ደርሆይ ክንዲ ዝተፈረደ ይፈረድ ነቲ ብግፍዒ ዝሞተ ዝፈትዎ ደርሆይ ብህይወት ዝመልስ ኣይኮነን” ክብል ንማዕከን ዜና ኤኤፍፒ ገሊጹ።
ንሱን ስድርኡን ብሞት ማርሴል ኣብ ከቢድ ሓዝን ከምዘለዉ’ውን ሰባስትያን ገሊጹ።
ኣብ ፈረንሳ ምስ ደርሆ ዝተኣሳሰሩ ዜናታት ብተደጋጋሚ ይስርሑ እዮም።
ኣብ ዝሓለፈ ዓመት’ውን ሰባት ተኣኪቦም ኣብ ጎሮቤት ዝርከብ ደርሆ 'ወጋሕታ እናነቐወ ድቃስ ከሊኡና' ኢሎም ናብ ቤት ፍርዲ ከይዶም ምኽሳሶም ዝዝከር እዩ።
ቤት ፍርዲ ብወገኑ ንኽሶም ብምስማዕ “መሰል ናቋ ደርሆ ይከበር” ብምባል እቲ ደርሆ መሰሉን ብህሪኡን ምኳኑ ብምጥቃስ ነቲ ክሶም ውድቂ ገይርዎ።